ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት፡ ሰባት ካብ ብሕማም ልቢ ብዝያዳ ብመንሽሮ ይጥቅዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕማም መንሽሮ፡ ዛጊት ዘተኣማምን መድሃኒት ዘይተረኽቦ ሕማም እዩ። ይኹን እምበር፡ ተመራመርቲ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ መጻኢ ዘተባብዕ መድሃኒት ክርከቦ ምዃኑ ይሕብሩ።
ብዙሕ ግዜ ሕማም መንሽሮ እናክለዓል፡ ኣብ ሓንጎል ሰባት ቀልጢፉ ዝመጽእ ነገር ሞት እዩ። ይኹን እምበር ሓካይም ዓለም፡ ነቲ ሕማም ብደቂቕ ብምጽናዕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘተስፉ ምርምር የካይዱ ኣለው።
ዋላኳ ቅልጡፍ እንተዘይኮነ፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ዘተባብዕ ምልክታትሲ ተረኺቡ እዩ።
ላንሰት ኣብ ዝተባህለ ሕክምናዊ ጆርናል ዝተሓትመ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተዛዘመ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ካንሰር ካብ ወቕዒ ልቢ ንላዕሊ እቲ ዝዓበየ ቀታሊ ሕማም ማእከላይ ዕድመ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ 21 ዝማዕበላ ሃገራት ካብ 2005-2016 ዝተኻየደ ዓለማዊ መጽናዕቲ፡ ልዕሊ 50 ዝዕድመኦም ሰባት ካብ ብወቕዒ ልቢ ብካንሰር ከምዝጥቅዑ ሓቢሩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ዝተኻየደ ምርምራዊ መጽናዕቲ ኣይተጸንበረትን።
ብዓለም ደረጃ፡ ሕማም ልብን ወቕዕን እቲ ቐንዲ ቀታሊ ሕማም ማእከላይ ዕድመ ሰባት እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ አህዛብ፡ ካብ ሕማም ልቢ ንላዕሊ ብሕማም ካንሰር ከምዝጥቅዑ ተመራመርቲ ሓቢሮም።
ኣብተን ዘይማዕበላ ሃገራት ግን እቲ መጽናዕቲ በንጻሩ እዩ ዝነግር። ማእከላይ ዝዕደመኦም ሰባት ካብ ብሕማም ካንሰር፡ ዝያዳ ብወቕዒ ልቢ ይጥቅዑን ይጉድኡን።
እቲ መጽናዕቲ ላንሰት ኣብ ዝተባህለ ናይ ምርምር ጆርናል እዩ ተሓቲሙ። እቶም ተማሃሮ ማስተርስ ዩኒቨርስቲ ካናዳ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ህይወት ናይ 160 ሽሕ ሰባት እዮም ኣጽኒዖም።
እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተመዝገቡ ወለንተኛታት ሰባት እቲ መጽናዕቲ ክጅምር እንከሎ ብማእከላይ ገምጋም ዕደመኦም 50 እዩ ነይሩ።
መጠን ሞት እቲ ሕማም፡ ኣብተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ብኣስታት 11 ሽሕ ሞት ከምዝዛይድ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ መወዳእታ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ብሕማም ልቢ ዘይሞትሉ ቀንዲ ምኽንያት ምናልባት ዝሓሸ ሕክምናዊ ረድኤትን ክንክንን ስለዝረኽቡ ክኾን ከምዝኽእሉ ይግምት።
ብዙሓት ሊቃውንቲ እቲ ዓውዲ፡ ንሕማም መንሽሮ ከምዝን ከምትን እንተገይርና ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና ዝበል ውዱእ መጽናዕቲ እኳ እንተዘይብሎም፤ ሓደጋ ሕማም መንሽሮ ንምውጋድ ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ምቁራጽ፡ ጥንቁቕ ኣመጋግባን ምንቅስቓስ ኣካላት ምዝውታር፡ ሚዛን ሰብነትና ምቁጽጻር ከይንኽስዕ ምጥንቃቕ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ጨው፣ ሽኮርን ስብሕን ጥንቃቐ ክንገብር ይመኽሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







