ብሰንኪ ብዝተጋገየ መረዳእታ 'ስድርኡ' ንክመውት ዝፈረድሉ ውልቀሰብ

ምንጪ ስእሊ, CBS Chicago
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዩ፤ ሰብ ሞያ ሕክምና ከቢድ ጉድኣት ንዝበፅሖ ውልቀሰብ ይሕክሙ ኣለዉ። ኣብቲ እዋን ኣብ ትሕቲ መኪና ወዲቑ ዝተረኸበ ውልቀሰብ ብሰንኪ ዝበፅሖ ሓደጋ ገፁ ኣዝዩ ስለዝተሃሰየ፡ መንነቱ ክፍለጥ ኣይተኽኣለን ነይሩ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ቺካጎ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል 'ሜርሲ' ምስተወሰደ፡ ፖሊስ እዚ ውልቀሰብ ኣልፎንሶ ቤኔት እዩ ኢሎም። ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንትኣትዉ ካብ ዝሰኣልዎ ጉርዲ ስእሊ (ማግ ሾት) ብምንፅፃር፡ መንነት እዚ ውልቀሰብ ከምዝፈለጡ ድማ ሓቢሮም።
ኣብ ወርሒ ጉንበት ንስድራ ኣንፎንሶ ቤኔት ካብ ሆስፒታል 'ሜርሲ' ተደወለሎም፤ ኣልፎንሶ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ከምዝርከብ ድማ ተነገሮም። ድሕሪ እዚ ስድርኡ፡ ኣልፎንሶ ቀልቡ ስሒቱ ብህይወት ክፀንሕ ዝገበሮ መሳርሒ ሕክምና (ላይፍ ሰፖርት መሽን) ንክንቀል ድማ ውሳንኦም ኣሕለፉ።
እቶም ስድራ ስነስርዓት ቀብሪ ኣልፎንሶ ንምፍፃም እንትዳለዉ ግን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይተፀበዮ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ። ሞይቱ ዝተብሃለ ኣልፎንሶ፡ ብህይወት ተረኸበ።
ብኸመይ? እዚ ጉዳይ ከምዚ እዩ......
ኣብ ገፁ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ መንነቱ ክፍለጥ ዘይከኣለ ውልቀሰብ፡ ኤሊሻ ብሪትማን እዩ ነይሩ። ይኹን'ምበር ፖሊስ ብጌጋ ኣልፎንሶ ቤኔት እዩ ብምባሎም፡ እቲ ሆስፒታል ምስ ስድራ ኣልፎንሶ ክዘራረብ ጀሚሩ።
ውንኡ ስሒቱ ዝነበረ ኤሊሻ፡ ነቲ ትንፋሱ ሓልዩ ዘፅንሐሉ መሳርሒ ሕክምና ክእለየሉ ዝወሰኑ እውን ስድርኡ እንተይኮኑስ፡ ፈተውትን ኣዝማድን ኣልፎንሶ እዮም ነይሮም። ምናልባት እቲ ሆስፒታል ንስድራ ኤሊሻ እንተዝድውል፡ በቲ መሳርሒ ሕክምና እናተሓገዘ ንክፀንሕ ክውስኑ ምኽኣሉ።
እዚ ዘጋጠመ ጌጋ፡ ንስድራ ኣልፎንሶን ኤሊሻን ኣቖጢዑ እዩ። ክልቲኦም ስድራ ሓሪቖም ግን ሱቕ ኣይበሉን፡ ነቲ ሆስፒታልን ንከተማ ቺካጎን ከሰሱ ደኣ'ምበር። ተኸሰስቲ ኮነ ኢሎም ንስምዒትና ዝርብሽ ተግባር እዮም ፈፂሞም ኢሎም።
ስድራ ኣልፎንሶ፡ ናብ ሆስፒታል ከይዶም እንትርእይዎ፡ "እዚ ሰብ ኣልፎንሶ ኣይመስልን" ምባሎም ይዝክሩ። ሓፍቱ ሮዚ ብሩክስ፡ "እዚ ሰብ ሓወይ ምዃኑ ብኸመይ ፈሊጥኩም? ኢላ ሓቲታ ነይራ። እዚ ውልቀሰብ ሓዋ ኣልፎንሶ ከምዘይኮነ ቀልባ ነጊርዋ ከምዝነበረ እውን ትገልፅ።
ኣብ 69 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ናይ ዝተፈለየ ኤሊሻ ብሪትማን ስድራ ከምዝብልዎ፤ ኤሊሻ ኣበይ ከምዘሎ እንከይፈለጡ ሰሙናት ተቖፂሮም ነይሮም።
ጓል ሓፍቱ ንኤሊሻ፡ ሞሽሪ ብሪትማን፡ን ኤሊሻ ንምርካብ ናብ ሆስፒታላትን መፅንሒ ሬሳን ደዊሎም ከምዝነበሩ፡ ንሲቢኤስ ኒውስ ተዛሪባ።
"ክኸውን ዘይግበኦ ነገር እዩ ኮይኑ" ትብል።
ጠበቓ ስድራ ኣልፎንሶ፡ ካኖን ላምበርት፡ እቲ ሆስፒታል ኮነ ፖሊስ ዝፈፀምዎ ጌጋ ብቐሊሉ ከምዘይረኣይ ገሊፁ።
ሴናተር ፓትሪሽያ ቫን ፔሌት ድማ፡ ምርመራ ዲኤንኤ ወይ ድማ ዓሸራ ብምግባር፡ መንነት እቲ ዝተጎድአ ሰብ ከፃርዩ ይግባእ ነይሩ ኢለን።
ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ፖሊስ ቺካጎ፡ ኣንቶኒ ጉለሚ እውን፡ መርመርቲ ነዚ ጉዳይ የፃርይዎ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ህይወት ወዲ 69 ዓመት ኤሊሻ ብሪትማን ግን፡ ብሰንኪ ግጉይ መረዳእታ፡ ንሓዋሩ ኣብቂዑ'ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







