ገዛኢ ፍትዊ፡ ሙዚቃን ስእልን ህይወቱ ዝኾነ ከያኒ

ገዛኢ ፍትዊ

ምንጪ ስእሊ, GEZAEI FTWI

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ፅቡቓት ስራሕቲ ዝሰርሑ መናእሰይ ድምፃውያን ከምዘለዉ ይገልፅ

"ገዛኢ ማለት ኣብ ስነ-ጥበብ ዝነጥፍ ሓደ መንእሰይ ማለት እዩ።" ብዝብል ሓፂር ሌላ ዕላልና ጀሚርና። ኣብ ከተማ ኣስመራ'ዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ሕዚ ኣብ መቐለ እዩ ዝነብር።

ገና ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ቁልዕነቱ ካብ ሓደ መምህሩ ይዕዘቦ ዝነበረ ሓደ ፍሉይ ክእለት ንሱ'ውን ንኽውንኖ ኩል ግዜ ይብህጎ ነይሩ።

"እቲ መምህር ይሰርሖም ዝነበሩ ቅብኣታት ካርታታትን ካልኦትን ይስሕቡኒ ነይሮም" ዝብል ገዛኢ ፍትዊ ባህግን ትምኒትን ግዜ ቁልዕነቱ ሰሚሩሉ፤ ቀባኣይ ( ሰኣላይ) ኮይኑ'ሎ።

ምስ ስነ-ጥበብ ዘለዎ ርክብ ግን በዚ ዓውዲ'ዚ ጥራይ ዝተገደበ ኣይኮነን። ገዛኢ በዓል ድርብ ሞያ እዩ። ብድምፃውነት እውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ናብ ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ኣቕሪቡ።

"ድራር መስከረም"

ቅድሚ ናብ ድምፃውነት ምእታዉ ዝተፈላለዩ ቅብኣታት ሰሪሑ እዩ። ንስምዒታቱን ንህይወትን ዝገልፁ ቅብኣታት ኣዳልዩ ክረኣዩሉ በቒዖም። ሽልማታት ከምዝወሰደ እውን ይዛረብ።

"ኣብ መዓልቲ ከተማታት ኢትዮጵያ ተዳልዩ ኣብ ዝነበረ ሃገራዊ ውደድር ቅብኣ ካልኣይ ብምውፃእ ንሽልማት ወሲደ። ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተዳለወ ካልእ ወድድር እውን ብቐዳምነት ተዓዊተ።" ይብል።

ናይ ቅብኣ ስራሕቱ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክባፃሕ ኪኢሉ'ዩ። ካብ ሞንጎ እዚኦም ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ጥበብ ራሄል ዘለዉ ቅብኣታቱ ብኣብነት ይለዓሉ።

ገዛኢ ፍትዊ ምስ ዝተፈላለዩ ቅብኣታት

ምንጪ ስእሊ, GEZAEI FTWI

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ዝበሉ ሰባት ናብ ሓዲኡ ሞያ ጥራሕ ከትኩር ዝህብዎ ርእይቶ ኣይቕበሎን

"ንመሸጣ ካብ ዝበቕዑ እታ ሓንቲ ዝለዓለ ዋጋ ዘውፅኣትለይ ነይራ። 'ድራር መስከረም' ዝብል ስያመ ዝሃብክዋ ቅብኣ እያ" ዝብል ገዛኢ ፍረ በለስ ኣብ ርእሱ ዝተሰከመ ንኢሽተይ ቆልዓ እተርእይ ስራሕ ከምዝነበረት ይዝክር።

ሌላ ምስ ሙዚቃ

"ቅብኣ እናሰራሕኩ፣ ኣብ መገዲ ይኹን ካልእ ኩነታት ደርፊ ምድራፍ እፈትው ነይረ" ይብል። እዚ ፈተነ ድምፂ ግን ንስምዒቱ ካብ ምዕጋብ ብዝሰገረ ናብ ስሩዕ ናይ ድምፃውነት ሞያ ዘእተዎ ኣይነበረን።

ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ግን ዝያዳ ደፊኡ ከእትዎ ከምዝኸኣለ ይዝክር። እቲ ቦታ ኣብ ከተማ መቐለ እዩ ነይሩ።

"ብራይት ኣፍሪቃ ዝባሃል ሓደ ክለብ ነይሩ። ኣነ ድማ እታ ዝኽእላ ናይ ቅብኣ ክእለት ንኻልኦት ብስልጠና ንምሕጋዝ ናብኡ ኣትየ።" ዝብል ገዛኢ ሽዑ ምስታ ጉጅለ ሙዚቃ ከምዝተላለየ ይዝክር።

ሓደ እዋን ንሳቶም ክደርፉ ከለዉ ካብ ምርኣይ ብዝሰገረ ንሱ'ውን ደርፊ ክፍትን ይዕድምዎ።

"ሽዑ ምስ ደረፍኩ ፅቡቕ ድምፂ ከምዘለኒ ነጊሮምኒ" ይብል። ካብቲ እዋን ንደሓር ድማ ንሙዚቃ ብስሩዕ ክሰርሓሉ ጀሚሩ።

ልምምድን ቀፃልነት ዝነበሮ ፃዕርን ንድምፁ እናገርሖ ቀዳመይቲ ዝኾነት ስርሑ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ኣቕሪቡ።

"ትም ትም ክብል'የ ትም

ትም ዝበለስ ኣለዎ እንዶ ዓስቢ ትኳቦ ፈጣሪ

ኣናግራ ኣዛርባ ኣይትበሉኒ

ባዕሉ ክነግራ እንድዩ ኩነታተይ ከረድኣ

ነዚ ተዘይፈሊጣ ግን ኣነ ትም ክብል'የ ትም..."

"እዛ ትም እትብል ንፅል ደርፊ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ምስበፅሐት ፅቡቕ ተደማፅነትን ተቐባልነትን ረኺባ።" ዝብል ገዛኢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ይኹን ብስልክን ብኣካልን ናእዳታት ከምዝበፅሖ ይዛረብ።

ብፍላይ እታ ሙዚቃ ብምስሊ (ክሊፕ) ዓጂቦም ምስኣቕረብዋ ዝያዳ ተፈታውነታ ከምዝወሰኸ ይገልፅ።

"እቲ ክሊፕ ኣብ እንዳ ጥሓኒት ንዘሎ ህይወት ብዝገልፅ ኩነታት ስለዝተሰርሐት ብዙሓት ፈትዮማ። ነቲ ትኽክለኛ ትሑት መነባብሮና እተርእይ ነይራ" ክብል ነቲ ምኽንያት የረድእ።

ገዛኢ ፍትዊ

ምንጪ ስእሊ, GEZAIE FTWI

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዩ ትዩብ ብብዝሒ ዝተርኣየትሉ ደርፊ "ንሎሚ ንሕረ" ግጥማ ብ ተስፋስላሴ

እታ ስዒባ ዝተሰርሐት ድርፉ "ፆር ፈቃር ልበይ" ዝብል ርእሲ ነይርዋ። ብትሕዝቶ ግጥማን ልስልስ ዝበለት ብምዃናን ብዙሓት ከምዝፈተዉሉ ይዛረብ።

"ፆር ፈቃር ልበይ ከቢድዋ፤ መብረ ኢላቶ ምፍልላይና

ካብ ዓይኒ ምርኣየይ ክትክወል፤ ካብ ትፅቢት ልበይ ገሊላ

መታን ከብቅዕ'ዩ ቃንዛ ፍትወተይ

ፍቕራ ቀቢፀ ባህገይ ቀቢረ

ደበስ'ዩ ደበስ ምፍልላይና…"

ልስልስ ዝበሉ ወይ ድማ 'ብማይነር' ዝስርሑ ደርፍታት ትግርኛ ብዙሓት ከምዘይኮኑ ዝዛረብ ገዛኢ ነዚ ምኽንያት ዝበሎ የረድእ።

"ኣፍቃሪ ሙዚቃ ነዚ ከምዚ ዝሕል ዝበለ ደርፊ ትኹረት ኣይህበሉን። ናብ ጓይላ የዛዙ። ድምቕ ዝበሉ ደርፍታት ይመርፅ። ንሱ ይመሰለኒ ድማ ነዚ ዘውድቖ " ክብል ሓሳቡ ይገልፅ።

እታ ናይ ቀረባ እዋን ስርሑ ብዙሓት ዝፈተይሉን ኣብ 'ዩ ትዩብ' ዝረኣይሉን ስራሕ እያ። "ንሎሚ ንሕረ" ዝብል ርእሲ ኣለዋ።

"ፍትውተይ ብዘይ ድምፂ ፈጢሩ'ዩ ዓውታ

ማሕታ ዘይተፈጥሮ ከምዘሎ ወጋሕታ

ናብ ፀልማት ዘንቃዕዱ ከምዘይሎ ከውታ

ልበይ ተመሊኡ ከሎ ብናይ ፍቕሪ ባእታ

ፅባሕ ኣይትበልኒ ሎሚ ኸላ ሰዓታ።

ፍግም ናብዛ ፍቕሪ መዓስ ኮይኑ ስግዳን

ዕርቃኑ ዝወፀ ከምዘድልዮ ክዳን

ልበይ ምሳኺ እንድዩ ብሂጉ ምውዳን..."

ሙዚቃን ቅብኣን

  • ካብ ክልቲኦም ዓውድታት ስነ-ጥበብ ብቅሊሉ ስምዒትካ ክትገልፀሉ ዝቐለካ?

"ብርግፅ ክልኦም ስምዒታታይ ይገልፀሎም እየ። ብዝቐለለ ዝኸውን ግን ቅብኣ እዩ። ምኽንያቱ ንበይንኻ ኮይንካ እትሰርሖ ሰለዝኾነ ዝደለኻዮን ዝመሰለካን ስምዒትካ ትገልፀሉ። ሙዚቃ ግን ምስ ቡዙሓት ኮይንካ እትሰርሖ ስራሕ እዩ"

  • ካብ ሙዚቃን ቅብኣን ንሓዲኡ ምረፅ እንተትባሃል?

"ክመርፆ ዘይክእል ነገር እዩ። ከምዚ ኣቦኻ'ዶ ትፈቱ ነዴኻ ትፈቱ? ከም ምባል'ዩ ዝኸውን። ካብ ክልቲኦም ክርሕቕ ኣይደልን። ንቑሩብ ግዜ ነቲ ሓደ ገዲፈ ናብቲ ሓደ ኣዘምቢለ እንተቐንየ ቅር ይብለኒ"

  • ሞያታትካ ነንባዕሎም ይተሓጋገዙ'ዶ?

"እወ በቲ ሓደ ክገልፆ ፈቲነ ዘይከኣልኩ ናብቲ ካልእ ክወስዶ ከለኹ ብፅቡቕ ይገልፀለይ። ሓደ ሓሳብ ብደርፊ ክገልፆ ፈቲነ ኣብዩኒ ቅብኣ ሓጊዙኒ። ብዛዕባ ቅልውላው መንነት ዝኾነ ክሰርሖ ዝሓሰብኩ ስራሕ ብሙዚቃ ፈቲነዮ ምስኣበይኒ ናብ ስእሊ ወሲደዮ። ብዝሓሸ ሰሪሐዮ"

  • ንኽልቲኦም ብሓሩ ከመይ ገልፆም?

"ክልቲኦም ህይወት እዮም። ከም ድላየይ ዝውንኖም ናይ በይነይ ዓለም'ዮም"

ገዛኢ ፍትዊ ቅብኣ ሒዙ

ምንጪ ስእሊ, GEZAE FTWI

ንፅል ዜማ

መብዛሕቲኦም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ድምፃውያን ሙሉእ ኣልበም ንምስራሕ ዝደፍሩ ኣይኮኑን። ዋላ'ውን እቶም ጥዑም ድምፂ ዘለዎምን ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ዝብህግዎምን ግዜ እናሓለዉ ሓንቲ ደርፊ ይፍንዉ። ገዛኢ እዞም ደምፃውያን ነቲ ኣልበም ከይሰርሑ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ከምዝደርቶም ይዛረብ።

"ካብዚ ብተወሳኺ ግን ኣልበም ሰሪሕካ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ካብ እትረኽቦ ኣታዊ እቲ እናፀናሕካ ብእትፍንዋ ሓንቲ ደርፊ እትረኽቦ ይበልፅ" ይብል። ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕርቦ ድማ በታ ኣፀባቢቕካ እትሰርሓ ደርፊ ዝመፁ ናይ መድረኽ ስራሕቲ ስለዝበዝሑን ዝሓሸ ኣታዊ ስለዝርከቦምን ከምዝኾነ ይገልፅ።

"ይኹን ዳኣ'ምበር ሓደ ድምፃዊ ዓቕሙን ክእለቱን ክትግምግሞ እትኽእል ብሙሉእ ኣልበም ክመፅእ ከሎ እዩ" ዝብል እምነት ኣለዎ። ነዚ ብምእማን ሙሉእ ኣልበም ናብ ሰማዕቲ ንምብፃሕ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ስራሕ ከምዝበፅሐን ኣብ ቀረባ ከምዝፍኖን ሓቢሩ።