መነባብሮ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘናገዐ ሐሰኻ ኮችኔል
ሓሰኻ ኮችኔል ኣብ 2000 ዓ/ም (2008) ካብ ገልዒ በለስ ቀለም ንምፍራይ ተባሂሉ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ብሓደ ተወላዲ ችሊ ኢንቨስተር'ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ንዝሓለፉ 11 ዓመታት እቲ ዝተሓሰበ ፕሮጀክት ዕላምኡ ስሒቱ፡ እናተዛመተን በለስ እናብረሰን እንትኸውን ፡ ቁጠብኦም ኣብ በለስ ተደሪኹ ዝነበረ ህዝቢ ዞባ ምብራቓዊ ደቡብ ትግራይ መነባብርኦም ኣብ ሓደጋ ተሳጢሑ ይርከብ።