ኣብ እዋን ምጥቃም ዋትስኣፕ ካብ ሰርሰርቲ ብኸመይ ትከላኸሉ?

ኣርማ ዋትስኣፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዋትስኣፕ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ምስ ተገለጸ፡ 1.5 ቢልየን ተጠቀምቲ ዋትስኣፕ ደንጊፆም እዮም።

ንስኹም'ከ፡ "ብኸመይ እየ ውሕስነት መረዳእታታተይ ከረጋግፅ ዝኽእል" ዝብል ሓሳብ ኣጨኒቕኩም ዶ ይኸውን።

ብፍላይ ጋዜጠኛ፣ ወይ ድማ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል እንተኾይንኩም፡ ነዚ መጥቃዕቲ ዝተቓላዕኩም ኢኹም።

ዋትስኣፕ ክትጥቀሙ እንከለኹም ክትገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐ እንታይ እዩ?

1. ነቲ ትጥቀሉ ሶፍትዌር በቲ ድሒሩ ዝወጸ ቅዳሕ ተክአዎ 'ፕዴት' ግበሩ

ኣብዚ ሰሙን መረዳእታ ኮምፕዩተር ዝሰረቁ ሰርሰርቲ (ሃከርስ)፡ ዋትስኣፕ ብምጥቃም ይስልዩ ከምዝነበሩ ምስተሰምዐ፡ ብዙሓት ደንጊፆም እዮም።

እቲ ጥቕዓት ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ዝተፈፀመ እንትኸውን፤ ብዋትስኣፕ ዝግበር ደወል ብምጥቃም፡ እዚ መተግበሪ ስለያ ምፅዓን ከም ዝተኽኣለ ሰብሞያ ድሕንነት ፌስቡክ ሓቢሮም እዮም።

እዚ ጥቕዓት ከም ዝተፈፀመ ምስፈለጠ ድማ፡ ተጠቀምቲ ዋስኣፕ ካብ እንደገና ንክፅዕኑ (ኣፕዴት) ንክገብሩ ሓቲቱ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ትጠቀምሉ ዋትስኣፕ ኩሉግዜ በቲ ድሒሩ ዝወጸ ቅዳሕ ክትትክእዎ (ኣፕዴት) ንክትገብሩ እዮም ሰብ ሞያ ዝምዕዱ።

ዋላ እኳ ኣብ ዋትስኣፕ ዝለኣኸልኩም መልእኽቲ፡ ብዘይካ ሰዳድን ተቐባልን ዝርእዮ እንተዘየለ፤ ሰርሰርቲ ግና ኣብቲ ትለዋወጥዎ መልእኽቲ እዮም ዕላማ ዝገብሩ።

ስለዝኾነ ድማ ዋትስኣፕኩም 'ኣፕዴት' ብምግባር ንባዕልኹም ካብዚ መጥቃዕቲ ምክልኻል ትኽእሉ።

2. ዝሓዝኩምዎ ሓበሬታ ክትክዝኑ ከለኹም 'ባክ' ክትገብሩ ከለኹም ተጠንቀቑ

ኣብ ዋትስኣፕ ዝለኣኹ መልእኽትታት ብኣኹምን ብተቐባልን ዝሕሎ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ትለዋወጥዎ መልእኽቲ ናብ ጉጉል ድራይቭ 'ባክኣፕ' እንተድኣ ገይርክሞ ግና ፀገም ይፍጠር እዩ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ዋትስኣፕ 'ባክኣፕ' ዝግበር መልእኽቲ ድሕንነት ክሕሉ (ከውሕስ) ስለዘይኽእል እዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ ናብ 'ጉጉል ክላውድ' እንተድኣ ምብፃሕ ክኢሉ እቶም መልእኽትታት ይረኽቦም።

እትለዋወጥዎ መልእኽቲ ውሑስ ክኸውን እንተድኣ ደሊኹም፡ ዋስኣፕ መልእኽትኹም 'ባክኣፕ' ንከይገብር ኣዝዝዎ።

ነዚ ድማ ኣብ 'ሴቲንግ' ብምእታው፡ 'ቻት ባክኣፕ' ዝብል ምጥፋእ ትኽእሉ።

3. ብኽልተ ኣገባብ ዝካየድ ምርግጋጽ፡ 'ቱ ፋክተር ውተንቲኬሽን'

ካብ ሰርሰርቲ ኮምፒዩተር ንባዕልኩም ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ሜላታት ምጥቃም ይከኣል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ቱ ፋክተር ኣውተንቲኬሽን' ድሕንነት መረዳእታኹም ምሕላው ትኽእልሉ መንገዲ እዩ።

እዚ ንዋትስኣፕ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ንምጥቃም ናይ ዝፍትኑ ሰባት ሓቃዊ መንነት ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ።

ተጠቀምቲ፡ ፈለማ ስምኩም ብምፅሓፍ ፓስዋርድ ተእትዉ፤ ናብ ሞባይልኩም ብዝለኣኽ መልእኽቲ ድማ መንነት እቲ ውልቀሰብ ምርግጋፅ ይከኣል።

4. ዋትኹም ተቖፃፀሩ

ዋትስኣፕ ኮነ ካልኦት መተግበሪታት ደሕንነትኩም ክትሕልዉሉ ዘኽእሉ መንገድታት ኣለዎም። ኣብ ዋትስኣፕ ኣብ 'ሲቲንግ' ብምእታው 'ኣካውንት' ዝብል ምስ ጠዊቕኩም፡ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ትረኽቡ።

'ላስት ሲን' ዋትስኣፕ ዝተጠቐምኩምሉ ሰዓት ምፍላጥ ወይ ድማ ምሕባእ ትኽእልሉ መማረፂ እዩ። ፎቶኹምን ዘለኹምሉ ቦታን ምፍላጥን ምሕባእን እውን ትኽእልሉ እዩ።

ውሕስነት መረዳእታኹም ንምሕላው ካብ ሞንጎ ዝሕግዙ መንገድታት እቲ ሓደ፡ ትልእኽዎ መልእኽትን ናይ ዋትስኣፕ ምንቅስቓስኩምን ዝርእዩ ሰባት ትመርፅሉ ሜላ እዩ።