ጾታዊ ዓመጽ፡ ንሓንቲ ቆልዓ ዓሚጾም ዝቐተሉ ክልተ ደቂ-ተባዕትዮ ተረሺኖም

ምንጪ ስእሊ, Radio Banaadir
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ፡ ንጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዓሚጾምን ቀቲሎምን ዝተባህሉ ክልተ ደቂ-ተባዕትዮ ተረሺኖም።
ዓይሻ ኢልያስ ዓደን፡ ኣብ ለካቲት 2019 ካብ ጥቓ መንበሪ ገዝኣ ተጨውያ፡ ብጉጅለ ተዓሚጻን ተቐቲላን'ያ ተረኺባ።
እቲ ገበን ኣብ ሓውሲ-ርእሰ ምምሕዳር ፑንት ላንድ፡ ኣብ ጋልካዮ ዝተባህለ ቦታ'ዩ ተፈጺሙ።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ህዝቢ ሶማልያ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣስዒቡ።
ፈለማ 10 ጥርጡራት'ኳ ተታሒዞም እንተነበሩ፡ ናይቲ ዞባ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግን ንሰለስተ ካብኦም ጥራይ'ዩ ገበነኛታት ኮይኖም ረኺቡዎም።
ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝበልዎ፡ ነቶም ገበነኛታት ንምፍላጥ ንፈለማ እዋን ናይ መፈጠር ('ዲ-ኤን-ኤ) መርመራ ከም ዝተጠቕሙ ተዛሪቦም።
እቶም ክልተ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኸቡ፡ ዓብዱልፋታሕ ዓብዱራሕማን ዋርሳመን፡ ዓብዲሻኩር ሞሓመድ ዲገን፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ቅርዓት ከተማ ቦሳሶ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብኣሃዱ ተኮስቲ ብጥይት ተረሺኖም።
እቲ ዓብዲሳላም ዓብዲራሕማን ዋርሳመ ዝተባህለ፡ ሓዉ ንዓብዲልፋታሕ ግን፡ ዋላ'ኳ ንሞት ተፈሪዱ እንተነበረ፡ ካብ ምርሻን ድሒኑ'ሎ።
ወላዲ ናይታ ግዳይ፡ ኢልያስ ዓደን፡ ንመግስታዊት ተለቪዢን ፑንትላንድ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ናይ ዓብዲሰላም ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ጉዳዩ ካልኣይ ግዜ ንኽረአ ን10 መዓልታት ከመሓላለፍ ከም ዝጠለበ ተዛሪቡ።
"እዚ ምርሻን'ዚ፡ ዓቢ ትምህርቲ ኮይኑ ከገልግል'ዩ፡ ኣዋልድ ሶማልያ ድማ ውሕሰነት ክረኽባ'የን" እቲ ጓሉ ዝሰኣነ ኣቦ።
ተሓለቕቲ ከምዝብልዎ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ጾታዊ ዓመጽን ምስርጣይን ኣብ ሶማልያ ልሙድ እናኾነ ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







