ኣብ ማእከል መእለዪ ኣረጋውያን ኣውስትራሊያ ሰሙናዊ 50 ጾታዊ መጥቃዕታት ይበጽሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከቡ ማእከላት መእለዪ ኣረጋውያን ሰሙናዊ ኣስታት 50 ጾታዊ መጥቃዕታት ከም ዝበጽሖ ሃገራዊ ኮሚቴ ምጽራይ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ጸብጻብ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብቶም ማእከላት ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ መጥቃዕታትን ምንግልታዕን ተዘርዚሩ ምህላው ሮያል ኮሚሽን ገሊጹ።
እቶም መርመርቲ ከም ዝበሉዎ ካብ 2018 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ 2520 ኣረጋውያን ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሑዎም።
"እዚ ሃገራዊ ውርደት'ዩ" ክብል ኣባል ባይቶ ፒተር ሮዝን ከውሲ።
"እዚ ሻቕሎት ዝፈጥር ቑጽሪ ዝረኸበ መንግስታዊ መሓውር ግቡእ ክትትልን ቑጽጽርን ዘይምክያዱ ዚያዳ ሓደገኛ ይገብሮ" ኢሉ።
ኣብቲ ኣረጋውያን ዝእለይሉ ማእከል ዝተራእየ ጉዳይ ከቢድ ቁጥዐን ሕቶን ዘልዓለ ኮይኑ፡ ቅድም ኢሉ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮሮናቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ኣረጋውያን መብዛሕትኦም ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ እዮም።
ኣውስትራሊያ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሞይቶምኒ ካብ ዝበለቶም 903 ሰባት እቶም 75 ሚኢታዊት ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።
ኣብዞም ማእከላት ዝበጽሑ ጾታዊ መጥቃዕታት ቀደሙ'ውን ስግኣት ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ዝገለጸ ፒተር ሮዝን፡ እቲ ቑጽሪ ኣብታ ሃገር ዘለው ካብ 13 ክሳብ 18 ሚኢታዊት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ዘመላኽት ምዃኑ ሓቢሩ።
ብርክት ዝበሉ ስድራቤታት፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ስድርኦም ናብ ማእከላት መሐብሐቢ ኣረጋውያን ዝወስዱዎም ድሕነቶም ክሕሎ'ዩ ብዝብል እምነት ከም ዝኾነ ይግለጽ።
"ኣብ ማእከላት ኣረጋውያን ዝርከቡ ሰባት ካብቲ ሕብረተሰብ ብዝዛይድ ንጾታዊ መጥቃዕቲ ተቓላዕቲ ምዃኖም ተቐባልነት የብሉን" ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ይኹንኖ።
ብሓፈሻ 32 ሽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ሃሰያ ከም ዝወረደ እቶም መርመርቲ ይገልጹ።
እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝተፈጸመ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







