ሱዳን፡ ክሳብ መስከረም ረድኤት ተዘይበጺሑ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰብ ክመውት’ዩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መሓመድ ኣል ባላ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ’ዩ ዝቕመጥ፤ ልክዕ ከም መብዛሕትኦም ኣብ ደገ ዘለዉ ሱዳናውያን ከኣ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ናይ መግቢ ሓገዝ ንኽረኽቡ ላዕልን ታሕትን እናበለ ይርከብ።
ንመሓመድ ኣል ባላ እቲ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ንምግላጽ ቀዲማ ቅጅል ዝበለቶ ተዘክሮ ኣላ።
ሳዲቕ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ኣቦ ስድራ ኮይኑ፡ ኣብ ዓረብያ ስንኩላን’ዩ ኮፍ ኢሉ ዝርአ፡ ንልዓት እታ ዓረብያ ብኢዱ ተደጊፉ ሓፍ ንምባል ኣብ ዝፍትነሉ የእጋሩ ጠሊመነኦ ርኹምሽ ይብል።
መሓመድ እቲ ብዛዕባ ሳዲቕ ቕጅል ዝበሎ ክገልጽ እንከሎ “ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ድኣ ኮፍ ኢሉ’ምበር ሳዲቕ ስንኩል ኣይኮነን፡ ብስእነት መግቢ ሓይሉ ደኺሙ ፈጺሙ ብእግሩ ክኸደሉ ናብ ዘይክእል ደረጃ'ዩ በጺሑ” ይብል።
መሓመድ ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ‘ካርቱም አይድ ኪቺን’ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ’ዩ።
መሓመድ ብምስዓብ “ወለንታውያን ሰራሕተኛታት ንሳዲቕ ክረኽብዎ እንከለዉ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ስሩዕ መግቢ ኣይተመገበን፡ ምኽንያቱ እተን ዝረኸበን ንደቁ’ዩ ዝህቦም ነይሩ” ይብል።
ኣብ ሱዳን ከም ናይ ሳዲቕ ዝመሳሰል ብዙሕ ዛንታታት’ዩ ዘሎ።
እታ ሃገር ብሰንኪ’ቲ ቅድሚ 14 ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ብዝተወለዐ ግጭት ኣብ ዓዘቕቲ ኵናት ሓድሕድ’ያ ተሸሚማ ዘላ።
ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ሱዳናውያን ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም’ዮም። በቲ ኵናት ሓድሕድ ዘይተጸለወ ሱዳናዊ ከኣ ዳርጋ የለን።
እቲ ኩነታት ከኣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፈአ ይኸይድ ኣሎ።
ቲሞ ጋስበክ ክኢላ ውሕስነት መግቢ ኮይኑ ኣብ ሱዳን ዝሰርሐ ብዓል ሞያ'ዩ “ኩነታት ከምዚ ዘለዎ እንተቀጺሉ 70 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ሱዳን ናብ ክቱር ጥምየት ክኣቱ’ዩ” ይብል።
“እዚ ኸኣ ሞት ልዕሊ ክልተ ሚልዮንን ፈረቃን ሰባት ከስዕብ’ዩ፡ ምናልባት እቲ ቁጽሪ ኣርባዕተ ሚልዮን’ውን ክበጽሕ ይኽእል’ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብታ ሃገር እኹል መግቢ የለን።”
ኣምጋድ ኣል ፋሪድ ዝተብሃል ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ “እቲ ኵናት ሓድሐድ ንቁጠባ እታ ሃገር ኣልሚስዎ’ዩ ሰብ ከኣ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ሰልዲ ወዲእዎ’ዩ” ይብል፤ ብምስዓብ “እታ ኣብ ሱዳን ቀንዲ ምንጪ እቶት ሕርሻ ዝነበረት ዞባ ገዚራ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ’ዮም ተቆጻጺሮማ ዘለዉ፡ እዚ ኸኣ ሓደ ጸገም’ዩ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅመር ቢቢሲ ብመንገዲ ኣሕመድ ዝተብሃለ ነባሪ እምዱርማን መዓልታዊ ሓበሬታ ክረክብ ጸኒሑ’ዩ።
ኣሕመድ ኣብቲ ሰራዊት ሕሜቲ ተቆጻጺረሞ ዘለዉ ገለ ክፋል ኡምድርማን ዋጋ ሃለኽቲ ብ400 ሚኢታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ይሕብር።
“ኣብቲ ቦታ ሰባት ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ እንተበሊዖም ዕድለኛታት’ዮም” ይብል።
ኣሕመድ ብምስዓብ “ዓደስ ንምሽማት ኣማኢት ሰባት ኣብቲ ኣነ ኩሉ ግዜ ዓደስ ዝገዝኣሉ ቦታ ተሰሪዖም ምርኣይ ልሙድ’ዩ፡ ነቲ ዓደስ መታን ብዝሕ ክብለሎም ማይ ኣብዚሖም’ዮም ዝሰርሕዎ” ይብል።
ብዙሕ ሰብ በቲ ብዓል መሓመድ ካብ ለንደን ዝመስረትዎ ‘ካርቱም አይድ ኪቺን’ ሓገዝ እናተገበረሎም ካብ ሞት ይድሕኑ ከምዘለዉ ኣሕመድ ይሕብር።
ሓደ ካብ መስረትቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ‘ካርቱም አይድ ኪቺን’ ዝኾነ መሓመድ፡ ሰባት ኣብ ካርቱም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዳርፉር፡ ኮርዶፋን፡ ገዚራን ካልኦት ቦታታትን ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘለዎ ይገልጽ።
ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት’ውን እቲ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ኣቓልቦ ዓለም ተነፊግዎ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።
ሰራሕተኛ ትካል ረድኤት ዝኾነ ጁስቲን ብራድሊ “ኣብ ፓሪስ ኣብ ሚያዝያ ንህዝቢ ሱዳን ንምርዳእ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክውሃብ ቃል ተኣትዩ ነይሩ’ዩ” ድሕሪ ምባል “ክሳብ ሕጂ ግን ትሕቲ ሓደ ቢልዮን ጥራይ’ዩ ክውህለል ክኢሉ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብዙሓት ሱዳናውያን ዓለም ሕቖኣ ከምዝሃበቶም’ዩ ዝርድኦም።
ኣሌክ ድዋል ኣብ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ጥምየትን ግጭትን ከጽንዕ ዝጸንሐ መስራቲ ‘ዎርልድ ፒስ ፋውንደሽን’ዩ’።
ንሱ “ክልቲኦም እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ንጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት’ዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ” ይብል።
ሰራዊት ሕሜቲ ኣብ ዝኣተውዎ ከተማታት ንብረት ውልቀ ሰባትን ዓበይቲ ማሽናትን ይሰርቁ ከምዘለዉ ኣሌክ ሲ ዋል ይሕብር።
ሰራዊት ሱዳን’ውን “ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሕሜቲ ጸቅጢ ንኽፈጥሩ ብጥምየት'ዩ ዝኽርድኖም” ይብል ኣሌክስ።
ኣብ ሱዳን ሰላም ከይሰነፈ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጥንየት ክመሓየሽ ከምዘይክእልን ካብዚ ዘለዎ ኣዝዩ ክብእስ ከምዝኾነን ከኣ ብዙሓት ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







