ሱዳን: ኣብ ሓንቲ ቑሸት ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት 150 ሰባት ሞይቶም ከይኰኑ ተሰጊኡ

እዚ ቅትለት ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተዘርጊሑ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Gezira state residents

ኣብ ማእከላይ ሱዳን ኣብ ሓንቲ ዓዲ ብዝተፈጸመ ቅትለት 35 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 150 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ድማ በቲ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ኣደዒል ኣል-ሰሪዕ (RSF) ፈጺሞምዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።

እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ንልዕሊ 13 ኣዋርሕ ነታ ሃገር ንምቁጽጻር ኣብ ውግእ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ክሲ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።

ትማሊ ሓሙስ ግን ንክልተ ቦታታት ሰራዊት ሱዳን ከም ዘጥቅዑ ገሊጾም።

ድሕሪ እቲ ብሮቡዕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽኡ ተንቀሳቐስቲ ስእሊታት፡ ኣብ ግዝኣት ገዚራ ኣብ ዝርከብ ዋድ ኣል-ኑራ ዝተባህለ ቦታ ዝተፈጸመ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብርክት ዝበለ ብጻዕዳ ዓለባ ዝተጠቕለለ ኣስክሬናታት ይረኣ።

እታ ምስሊ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ሲቪላዊ ምሕደራ ክምለስ ዝድግፉ ኣባላት ተሓለቕቲ ኮሚቴ ዝተቐድሐ እዩ።

ኮሚቴ ተቓውሞ ማዳኒ “ዝተረጋገጸ ብዝሒ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ሰባት ክረክብ ይጽበ” ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፡ በቲ መጥቃዕቲ 35 ህጻናት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 20 ድማ ቈሲሎም ኢሉ።

ፈጻሚት ዳይሬክተር ናይቲ ትካል ካትሪን ራስል፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ኣዕናዊ ክትብል ገሊጻቶ።

“እዚ ካልእ ህጻናት ሱዳን ነዚ ኣረሜናዊ ዓመጽ ዝኸፍሉዎ ዘለው ዋጋ ዘዘኻኽር” ፍጻመ’ዩ ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ከም ዝተቐትሉን ከም ዝቘሰሉን ብምጥቃስ፡ ” ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ ከም ዝተገዱን፣ ካልኦት ድማ ከምዝተመልመሉ፣ ከም ዝተጨውዩን ከም ዝተዓመጹን እታ ዳይሬክተር ገሊጻ።

ኵነታት እቲ ብሮቡዕ ዝተፈጸመ ቅትለት ንጹር ኣይኰነን፤ ኣብታ ዕለት ግን እታ ዓዲ ብዕጡቓት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ክልተ ግዜ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሓ ይግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣባል ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ሓፊዝ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ገና ካልኦት ብዙሓት ሰባት ከም ዝጠፍኡ ብምግላጽ፡ “ኣባላት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ጌና ኣብ ዙርያ እቲ ከባቢ ይዘምቱ ስለ ዘለዉ ብዝሒ ዝሞቱ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ዋድ ኣልኑራ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ክኹንኖ ጸዊዑ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮን ነቲ “ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ” ብምኹናን፡ ንሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ነቒፉ።

“ኣርኤስኤፍ ነዚ መጥቃዕትታት ደው ከብሎ ኣለዎ፤ ዓለም ትዕዘብ እያ ዘላ። ሓላፍነት ዝወስዱ ኣካላት ተሓተትቲ ክዀኑ’ዮም” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

እቶም ሓይልታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ነታ ኣብ ደቡብ ርእሰ ከተማ ካርቱም እትርከብ ግዝኣት ገዚራ ተቘጻጺሮምዋ።

ኣብዚ ከባቢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብዙሕ ግህሰት ፈጺሙ ተባሂሉ ይኽሰስ - እንተዀነ ዚ ክሲ ይነጽጐ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ዞባ ዳርፉር ኣብ እትርከብ ከተማ ኤልፋሸር፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ዕጡቓት ወተሃደራትን ጽዑቕ ውግኣት ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ መላእ ሱዳን ኣብ ሚያዝያ 2023 ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት።

እቲ ኲናት ደው ንምባል ሓያሎ ዙርያታት ዝርርብ ሰላም እኳ እንተተኻየዱ፡ ክሳብ ሕጂ ግን እቲ ኲናት ደው ክብል ኣይክኣለን።

ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ውግእ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቅልውላው ምዝንባል ከም ዘስዓበን፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት የጋጥሞም ከም ዘሎን ይገልጹ።

ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክሳብ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ክቃልዑ ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

“ከምዚ ዓይነት ብዝሒ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ ዝፈልጥ ኣይመስለንን” ዝበለ ግሪፊትስ፡ “እዚ ክእለ ዝኽእል ጐንጺ’ዩ ነይሩ” ኢሉ።

ይኹን’ምበር፡ “ክልተ ፍልልዮም ብጐንጺ ክፈትሑን ሃገሮም ናብ ዓዘቕቲ ከውርዱን ዝወሰኑሉ ቦታ ኰይኑ ኣሎ” ክብል ነቒፉ።