ድሃያ ዝጠፍአ ንግስቲ ክሪፕቶን ማፊያታት ቡልጋሪያን እንታይ ኣራኸቦም?

ሩጃ ኢግናቶቫ፡ ብ2017 ናብ ኣቴንስ ካብ እትኸይድ ንድሓር ሃለዋታ ኣይፍለጥን

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, ሩጃ ኢግናቶቫ፡ ብ2017 ናብ ኣቴንስ ካብ እትኸይድ ንድሓር ሃለዋታ ኣይፍለጥን

ብመስከረም 2019 ዓ.ም (ኣ.ኤ)፡ ፖድካስት ቢቢሲ ብዛዕባ ቡልጋሪያዊት ሩጃ ኢግናቶቫ ሓደ ዘደንቕ ታሪኽ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።

ንሳ፡ ስኑዕ ክሪፕቶከረንሲ ብምጅማር ካብ ሰብ ሃፍቲ 4.5 ቢሊዮን ዶላር ብምትላል ኣብ ዝርዝር ኤፍቢኣይ ብዕቱብ ዝደልዮም ሰባት ኣትያ ድሃያ ቅድሚ ምጥፍኡ ነበረ።

ዕጫ እዛ ‘ንግስቲ ክሪፕቶ’ ንምፍላጥ ቢቢሲ ምጽራይ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ።

ክፍሊ መርመራ ቢቢሲ ኣይን ፓናሮማን ምስ ሓለቓ ማፊያ ቡልጋሪያ ዘለዋ ዝምድናን ብዘስካሕክሕ ኵነታት ምቕታላን ዝምልከቱ ክስታት ኣጻርዮም ኣለው።

ንምዃኑ፡ ኢግናቶቫ ነቲ ዝተዘምተ ቢሊዮናት ዶላራት ተዛንያትሉ’ዶስ ብሓለውታ ተቐቲላ?

ኣብ ቡልጋሪያ ዝተወልደት፡ ምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ሩጃ ኢግናቶቫ ኣብ ጀርመን’ያ ዓብያ።

ብ2014፡ ዋንኮይን ክሪፕቶከረንሲ ቅድሚ ምጅማራ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ዕውት ጻንሒት ነይሩዋ።

ኢግናቶቫ፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዋንኮይን ከውፍሩ ኣእምኒናቶም እያ።

ዋንኮይን፡ ልዕሊ ከም ቢትኮይን ዝበሉ ክሪፕቶከረንሲታት ከስቢ ይርከቦ’ዩ ኢላ መብጽዓታት ብምታው ኣብ ዓለም ንብዙሓት ኣእሚና።

ንርእሳ ዶ/ር ሩጃ እናበለት'ያ እተላሊ፤ ኢግናቶቫ፡ ከም ቢትኮይን ዝበሉ ሕጋዊ ዲጂታላዊ ባጤራታት ዘይኰኑ፡ ናይ ሓሶት ሓሳባት ወፍሪ’ዮም ብምባል ትምጉት ነይራ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017፡ መርመርቲ ኣመሪካን ጀርመንን ከም ዝደልዩዋ ምስ ፈለጠት፡ ካብ ርእሰ ከተማ ቡልጋሪያ ዝዀነት ሶፊያ ናብ ኣቴንስ ከይዳ፤ ድሕሪኡ ግን ኣይተርኣየትን።

እታ ድሃያ ዝጠፍአ ንግስቲ ክሪፕቶ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙዋ?

ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ኣይ ኢንቨስቲጌሽንን ፓኖራማን ኣበይ ከም ዝኣተወትን ብህይወት ኣላ’ዶ ዝብልን ንምፍላጥ ጻዕሪ ክገብሪ ጸኒሖም ኣለው።

መረዳእታት እዚ ጸብጻብ ንዓኣ ቀረባ ካብ ዝዀኑ ሰባት ዝተረኽበ እዩ።

ምስ ኤፍቢኣይ ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ዋንኮይን ምስ ቢሮ እቶት ኣመሪካ መርመራ ዝጀመረ ሪቻርድ ሬይንሃርድ፡ መርመርቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጡዎ ባህሪያት ኣገዳሲት ውልቀሰብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊኣ ኣጋጢሞም ብዛዕባ ክዀኑ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ዝምልከት ሓደሽቲ ሓበሬታታት ወጺኦም። ጠፊኣ’ዶስ ተቐቲላ?

ድሕነት ኢግናቶቫ ንምሕላው ሓላፍነት ዝተዋህቦ ሓደ ሰብ ኣሎ፤ ክሪስቶፎሮስ ኒኮስ ኣማናቲዲስ ይብሃል።

ብብዝሒ ታኪ ብዝብል ሳጉኡ’ዩ ዝፍለጥ።

ሬይንሃርድ፡ ብ2023 ጡረታ ምስ ወጽአ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ “ብምዝውዋር መዐወኒ ሓሽሽ ሽሙ ዝገነነ ሓደ ውልቀሰብ፡ ንሓለውኣ ይመርሖ ኣሎ ተባሂሉ ተነጊሩና ነይሩ። ታኪ ዝብል ሽም ሓደ ግዜን ልዕሊኡን ሰሚዕናዮ ኢና። ብተደጋጋሚ ኢና ሰሚዕናዮ” ኢሉ።

ሪቻርድ፡ ኣብ ልዕሊ ዋንኮይን መርመራ ምስ ዝኸፈተ ኣይኣርኤስ ዝሰርሕ ዝነበረ መርማሪ'ዩ
መግለጺ ስእሊ, ሪቻርድ፡ ኣብ ልዕሊ ዋንኮይን መርመራ ምስ ዝኸፈተ ኣይኣርኤስ ዝሰርሕ ዝነበረ መርማሪ'ዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ፡ ምስቲ ቅድም ኢሉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ዝቃዶ እዩ።

ጠበቓታት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ 2019 ከም ዝበሉዎ እንተዀይኑ፡ ሓላፊ ድሕነት ኢግናቶቫ መራሒ ኣብ ቡልጋሪያ ዝተወደበ ጉጅለ ገበን ከም ዝዀነ እምበር ሽሙ ኣይጠቐሱን።

“ኣብ ቡልጋሪያ፡ ኣዘዋዋሪ እጻት ዝዀነ ውልቀሰብ ዘለዎ ዝምድና ምስ ዋን ኮይን ጥራይ ዘይኰነ ሓላዊ ሩጃ ኰይኑ ከም ዝሰርሕ ዘመላኽት ሓበሬታ ኣለና” ክብል ሓደ ጠበቓ ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ፡ ተመሳሳሊ “ሓላፊ ድሕነት” ነበር ኣብ ውሽጢ ምጥፋእ ኢግናቶቫ “ዝተሳተፈ” ክብል ካልእ ጠበቓ ጠቒሱዎ።

ራይንሃርት ከም ዝብሎ፡ ኢግናቶቫ ሰብ ካብ ዝግምቶ ንላዕሊ ዝዀነት ገበነኛ እያ ነይራ።

“እዚ ልክዕ ልዕሊ ሓደ ኣብ ዝዀኑ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ዝሳተፍ ገበነኛ ማለት’ዩ”።

እዚ ሓሳብ፡ ምስቲ ቢቢሲ ኣብ ሰነዳት ዩሮፖል ዝርኣዮ ዝመሳሰል እዩ። ኢግናቶቫ፡ ብ2017 ቅድሚ ምጥፍኣ ፖሊሲ ቡልጋሪያ ኣብ መንጐኣን ታኪን ርክብ ከም ዝተፈጥረ የመልክት።

ፖሊስ፡ ኣብቲ ሰነዳት ከም ዝገለጾ እንተዀይኑ ታኪ ዘይሕጋዊ እጻት ብምዝውዋር ዝረኸቦ ገንዘብ ሕጋዊ ንምምሳል ዋንኮይን ብምጥቃም ጠርጢሩዎ።

ታኪ፡ ኣብ ቡልጋሪያ ልክዕ ከም ኤል ቻፖ ወይ ፓብሎ ኤስኮባር ዝርኣይ ሰብ’ዩ።

ሓላፊ ውዱብ ገበንን ኣዘዋወርቲ እጻትን ቡልጋሪያ ከም ዝዀነ ድማ ብሰፊሑ ይእመን።

ንሱን መላፍንቱን ብኣጽዋር ኣብ ዝተሓገዘ ዝምታ፣ መዐወኒ ሓሽሽ ብምዝውዋርን ብቕትለትን ተጠርጢሮም ኣብ ልዕሊኦም መርመራታት እኳ እንተተኻየዱ፡ ተኸሲሶም ግን ኣይፈልጡን።

“ብዛዕባ ታኪ ክንዛረብ እንከለና፡ ኣብ ቡልጋሪያ ቀንዲ ሓላፊ ማፊያ’ዩ። ኣዝዩ ሓያል ውልቀሰብ’ዩ” ክብል ብ2022 ታኪ ኣብ ብልሽውና ዝጠሓሉ ሰበ-ስልጣን ብምጥቃም መርበብ ገበን ይመርሕ ኣሎ ዝብል መርመራ ዘካየደ ምኽትል ሚኒስትር ቡልጋሪያ ነበር ኢቫን ሂስታኖቭ ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ፡ “ታኪ መንፈስ’ዩ፤ ፈጺሙ ኣይርአን። ብዛዕብኡ ጥራይ ኢኻ ትሰምዕ። ብኻልኦት ሰባት’ዩ ዘዛርበካ። እንተዘይሰሚዕኻዮ ዘለካ ኣማራጺ ካብ ምድሪ ምጥፋእ ጥራይ’ዩ። (ኢግናቶቫ) ካብ መርመርቲ ገበን ክሕልዋ ዝኽእል ንሱ ጥራይ’ዩ ነይሩ” ኢሉ።

ቢቢሲ፡ ነቶም ብብልሽውና ዝተቘማጥዑ ሰበ-ስልጣን ዝምልከት ንመንግስቲ እታ ሃገር ሓቲቱ’ዩ፤ መልሲ ግን ኣይረኸበን።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሶፊያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ፡ “ገበን ኰነ ምናልባት ገበን ዝሰርሑ ሰባት ኣይንሓብእን” ኢሉ።

ሕጂ፡ ታኪ ኣብ ዱባይ ከም ዝነብር ይእመን።

ኢግናቶቫ’ውን ኣብ ዱባይ ኣዝዩ ዝተንደላቐቐ መንበሪ ገዛ ዝዓደገትሉን ካብ ዋንኮይን እትረኽቦ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ዶላር እትዓቑረሎም ሕሳባት ባንክን ኣለውዋ።

ታኪን ኢግናቶቫን ብኸመይ ከም ዝተራኸቡ ኣይፍለጥን።

ዋንኮይን ክጅመር እንከሎ ኣትሒዙ ድዮም ብሓንሳብ ነይሮም ዝብል’ውን ኣይፍለጥን።

ካብ ብዙሓት ናይ ቀረባ ምንጪታት ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ግን፡ ክልቲኦም ጥቡቕ ዝምድና ከም ዝነበሮምን ናይ ክርስትና ኣቦ ጓላ ከም ዝዀነን ይዛረቡ።

ንኢግናቶቫ ቀረባኣ ዝዀነት ሓንቲ ውልቀሰብ፡ ታኪ ንኢግናቶቫ ንክሕልዋ ወርሓዊ ኣስታት 100 ሽሕ ዩሮ ይኽፈሎ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ግን ካልእ ናይ ገንዘብ ርክብ ዘሎ ይመስል።

ሰነዳት ዩሮፖል፡ ኣብ ገምገም ጸሊም ባሕሪ ቡልጋሪያ ዘሎ መሬት ንምሻጥ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስምምዕ ከም ዝተገብረ የመልክቱ።

እዚ ድማ፡ ሓደ ካብ ኩባኒያታት ኢግናቶቫ ምስ በዓልቲ ቤት ታኪ ዘራኽብ’ዩ።

ቢቢሲ ዝርኣዮም ሚስጢራዊ ሰነዳት ፖሊሲ፡ ሰላሊ ነበር ኣማኻሪ ኢግናቶቫ ፍራንክ ሽናይደር ኣሕሊፉ ዝሃቦም እዮም።

ንሱ፡ “ምስ ኣታለልቲ” ከምኡ’ውን “ገበኛታት” ትሰርሕ ከም ዝነበረት ተዛሪቡ።

ቢቢሲ፡ ንሽናይደር ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ቃለ መጠይቕ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ናይ ገዛ እሱር ካብ ምዃኑ ብዝሰገረ ምስ ምትላል ዋንኮይን ብዝተሓሓዝ ንኣመሪካ ተመሓላሊፉ ክወሃብ ይጽበ ነይሩ።

ኣሽማት ክረቁሕ ግን ፍቓደኛ ኣይነበረን።

“ሽም ኣይረቁሕን፤ ምኽንያት ስድራ ኣለኒ . . . እዚ ዝተወደበ ከቢድ ጉጅለ ገበን እዩ”።

ፍራንክ፡ ምስ ቢቢሲ ድሕሪ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ጠፊኡ
መግለጺ ስእሊ, ፍራንክ፡ ምስ ቢቢሲ ድሕሪ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ጠፊኡ

ኣብ መወዳእታ ግን ሓላዊ ኢግናቶቫ ናብ ኣጥቃዒ ተቐይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ብ2022፡ ጋዜጠኛ መርመራ ቡልጋሪያ ዲሚታር ስቶያኖቭን መሳርሕቱን ኣብ መንበሪ ገዛ ዝተቐትለ ፖሊስ ዝተረኽበ ጸብጻብ ፖሊስ ተዋሂቡዎም ነይሩ።

ኣብቲ ሰነድ፡ ሓደ ሓበሬታ ወሃቢ ሓማት ታኪ ኣብ መወዳእታ 2018 ኢግናቶቫ ብትእዛዝ ታኪ ከም ዝተቐትለትን ሰብነታ ተቘራሪጹ ብጃልባ ናብ ባሕሪ ኣዮኒያ ክድርበ ከም ዝተገብረ ምግላጻ ብዝርዝር ሰፊሩ ይርከብ።

ስቶያኖቭ፡ እዚ “ሓቂ ዝዀነሉ ተኽእሎ ኣሎ” ኢሉ።

እዚ ሰነድ ሓቃዊ ምዃኑ ብሰበ-ስልጣን ቡልጋሪያ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ተሓባበርቲ ገበን ታኪ፡ ኢስታኖቫ ከም ዝቐተላ ይኣምኑ ክብል ስቶያኖቭ ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ግን ነዚ ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

እቶም ተሓባበርቲ ከም ምኽንያት ዘቕርቡዎ፡ ምስ ምትላል ዋንኮይን ዘለዎ ርክብ ንምጥፋእ ዝደሊ ታኪ፡ ቀንዲ ስግኣቱ ኢግናቶቫ እያ ዝብል’ዩ።

ኣብ መንጐ እዚ፡ ብገበን ቅትለት ብኢንተርፖል ዝድለ ክራሲሚር ካሜኖቭ ወይ ኩሮ ዝተባህለ ተሓባባሪኡ ይርከቦ።

ስቶያኖስ፡ ከም ዝበሎ እንተዀይኑ፡ ኩሮ ታኪ ኣብ ቅድሚ ኢግናቶቫ ብዛዕባ ግቲ ናይ ገበን ንግዲ ክዘራረቡ ከም ዝሰምዖም ኩሮ ተዛሪቡ’ዩ።

ኩሮ፡ ንታኪ ከምኡ’ዶ ክትብል ምተገብአ ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን “ኣይትጨነቕ፤ ንሳ ከም ዝሞተት ጌርካ ውሰዶ” ክብል መሊስሉ።

ኩሮ፡ ታኪ ኢግናቶቫ ንክትቕተል ትእዛዝ ሂቡ'ዩ ዝብል ክሲ ሓዊሱ ብዛዕባ ታኪ ምስ ሲኣይኤ ከም ዝተዘራረበ ይግለጽ።

ብግንቦት 2023 ኩሮ ምስ ሰበይቱን ካልኦት መሳርሕቱን ኣብ ኬፕ ታውን ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ተቐቲሉ። ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀተልቲ ይእልሽ ኣሎ።

ምኽትል ሚኒስትር ቡልጋሪያ ነበር ሂስታኖቭ ግን ቅትለት ኩሮ ምስ ታኪ ዝተሓሓዝ'ዩ ብምባል "ብዛዕባ ታኪ ብዙሕ ስለ ዝፈልጡ ገለ ሰባት ክእለዩ ነይሩዎም" ኢሉ ይኣምን።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኢግናቶቫ ድሃያ ካብ ዝጠፍእ ዝድሓር ኣብ ቡልጋሪያ ዝርከብ ንብረታ ምስ ታኪ ርክብ ዘለዎም ሰባት ይጥቀምሉ ከም ዘለው ይገልጹ።

ታኪ፡ ምስ ኢግናቶቫ ብዝተሓሓዝ ተኸሲሱ ኣይፈልጥን። ኣስክሬን'ውን ኣይተረኽበን። መርመርቲ ግን ንዕኡ ንምኽሳስ እኹል መርትዖ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።

መርማሪ ኣይኣርኤስ ነበር ሪቻርድብወገኑ፡ ኢግናቶቫ ሞይታ'ያ ኢሉ ይግምት።

"ኣብ መንጐ ለያቡ ክብሪ የለን . . . እዚ ክሳብ ክንደይ ጨካናት ክዀኑ ከም ዝኸእሉ ስለ ዝፍለጥ (ታኪ) ንዕኡ ከምእተስግኦ እንተሓሲቡ፡ ክቐትላ ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ኢግናቶቫ፡ ብ2022 ኣብ ዝርዝር ኤፍቢኣይ ዝደልዮም ሰባት ክትኣቱ እንከላ፡ ኣብ ግሪኽ ንዕኣ ንምርካብ ዘይተሳኽዑ ወፍሪታት ፖሊስ ተኻይዶም ነይሮም።