ክሪፕቶ፡ ሚልዮናት ዶላር ዘታለለ ፓስተር ብምድንጋር ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፓስተር ኮሎራዶን በዓልቲ ቤቱን ብኣማኢት ንዝቑጸሩ ኣመንቲ ክርስትና እቲ ከባቢ ብሚልዮናት ዝግመት ክሪፕቶካረንሲ ብምትላል ተኸሲሶም።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ፓስተር ኤሊ ረጋላዶን በዓልቲ ቤቱ ኬትሊንን፡ "ዋጋ ዘይብሉ" ክሪፕቶ ብምሻጥ ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ኣደናጊሮም ከምዘዋህለሉ ይኸሱ።
ስድራቤት ረጋላዶስ ኣብ መንጐ ሰነ 2022ን ሚያዝያ 2023ን በቲ ዝተጠቐሰ ናይ ምትላል ስልቲ ተጠቒሞም ብውሑዱ 1.3 ሚልዮን ዶላር ናብ ጁባኦም ከምዘእተዉ ኣኽበርቲ ሕጊ ይገልጹ።
ሚስተር ረጋላዶ፡ እቲ መደብ "ብትእዛዝ ፈጣሪ" ከምዝዀነ ገሊጹ።
እቲ ፓስተር፡ "ኣውፈርቲ ኣብቲ ብረጋላዶ ተመስሪቱ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ክሪፕቶካረንሲ ገንዘቦም እንተድኣዋፊሮም ከምዝህብትሙ ኣምላኽ ብቐጥታ ከምዝነገሮ” እቲ ጥርዓን ይሕብር።
እቲ ብፓስተር ረጋላዶ ዝተመስረተ ክሪፕቶካረንሲ ኣብ ከባቢ ደንቨር ንዝነብሩ ኣመንቲ ክርስትና ብመንገዲ ባዕሉ ዘመሓድሮ ምልውዋጥ ኦንላይን ክሪፕቶካረንሲ እዩ ተዋሂቡ።
እዞም መጻምድቲ "ኣብ ክሪፕቶካረንሲ ተመኵሮ ኣይነበሮምን" ይብል እቲ ጥርዓን። ሳልሳይ ወገን ኦዲተር ድማ እቲ ‘ኣይኤንዲኤክስ ኮይኑ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስራሕ ክሪፕቶካረንሲ፡ "ውሑስ ዘይኮነን ብቴክኒካዊ ጸገማት ዝመላአን" ኰይኑ ረኺብዎ።
"እዚ ጸብጻብ'ኳ እንተሃለወ፡ ሬጋላዶስ እቲ ስራሕ ከም ትሑት ሓደጋ ዘለዎን ልዑል መኽሰብ ዘለዎን ኣምሲሎም ወፍሪ ምልላይ ቀጺሎምዎ'ዮም" ይብል።
“ብዓይኒ ሓቂ ግን ዋጋ ዘይብሉ እዩ ነይሩ" ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ እቶም መጻምድቲ ድማ ነቲ ገንዘብ "ኣመና ምቾት ንዝመልኦ ኣነባብራኦም" ከምዝተጠቐሙሉ ተገሊጹ።
እዚ ድማ ሬንጅ ሮቨር፡ መጋየጺ ነገራትን፡ ስልማትን ምክራይ ጀላቡን ዘጠቓለለ ምዃኑ ሰበስልጣን ገሊጾም።
ኮሚሽነር ኮሎራዶ ቱንግ ቻን፡ ብመሰረት ሕጊ ምትላል ኮሎራዶ ክሲ ምትላል ከም ዘቕረበት ኣፍሊጣ።
ንሱ፡ ኣብ ‘ኣይኤንዲኤክስ ኮይን’ ዘውፈሩን ገንዘብ ዝኸሰሩን ሰባት ብተደጋጋሚ ጥርዓናት ድሕሪ ምቕራቦም ክሲ ከምዝተኸፍተ ገሊጻ።
ሚስተር ረላጋዶ ነቲ ክስታት ኣብቲ ብዓርቢ ዝዘርግሖ ቪድዮ መግለጺ ሂቡሉ።
"ዋጋ ከምዘይብሉ ዝቐርብ ዘሎ ምኽንያት፡ ንዝገዝኡ ሰባት መውጽኢ ስለዘየለ'ዩ" ዝበለ እቲ ፓስተር፡ እቶም ገንዘብ ከውጽኡ ዝፈተኑ ኣውፈርቲ ክሪፕቶካረንሲ ክገብርዎ ከምዘይከኣሉ ኣሚኑ።
"ምቅይያር ጀሚርና። እቲ ቴክኖሎጂ ግን ፈሺሉ። ነገራት ተገለባቢጦም ኣለዉ፤ ስለዚ ካብኡ ንደሓር ድማ ናይ ጐይታ ተኣምር ጥራይ ኢና ክንጽበ ጸኒሕና" ኢሉ።
ሚስተር ረላጋዶን በዓልቲ ቤቱን 1.3 ሚልዮን ዶላር ተቐቢሎም ዝብል ክሲ ሓቂ ከምዝዀነ እቲ ፓስተር ኣሚኑ።
"ካብቲ 1.3 ሚልዮን ዶላር ግን ፍርቂ ናብ ‘ኣይኣርኤስ’ ክኸይድ እንከሎ፡ እቲ 200 ሽሕ ዶላር ድማ ጐይታ ክንገብሮ ዝነገረና ገዛና ክነሐድሰሉ’ዩ" ይብል።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ኣብቲ ቪድዮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶታት ነቲ ፓስተር ዘተባብዑ ቃላት ክጽሕፉ ተራእዮም።
ቢቢሲ፡ ሚስተር ረጋላዶስ ነቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህበሉ ሓቲትዎ ኣሎ።
ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ደንቨር ክቐርቡ መደብ ተታሒዙሎም ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







