ፍሉጥ ፓስተር ቲቢ ጆሽዋ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ጾታዊ ዓመጽን ስቅያትን ከምዝፈጸመ ምርመራ ቢቢሲ ኣቃሊዑ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
መስራቲ ካብ ፍሉጣት ኢቫንጀሊካዊ ኣብያተ ክርስትያን ዝዀነ ፓስተር፡ ሰፊሕ ተግባር ዓመጽን ምስቓይን ከምዝፈጸመ ቢቢሲ ኣቃሊዑ።
ሓሙሽተ ብሪጣንያውያን ዝርከብዎም ዓሰርተታት ሰዓብቲ እታ ብ ‘ሰነጉግ ቸርች ኦፍ ኦል ነሽንስ’ እትፍለጥ ቤተ ክርሰትያን፡ በቲ ኣብ ቀረባ ዝሞተ መስራቲ እታ ቤተ ክርስትያን ቲቢ ጆሽዋ፡ ጾታዊ ዓመጽን ግዱድ ምንጻል ጥንስን ከምዝተፈጸመ ገሊጾም።
እቲ ኣብ ሌጎስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ምስጢራዊ ቀጽሪ ተፈጺሙ ዝተባህለ በደላት፡ ዳርጋ ን 20 ዓመታት ዝቐጸለ እዩ።
እታ ቤተ ክርስትያን ነቲ ክስታት ምላሽ ዘይሃበት ኰይና፡ ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረቡ ክስታት ግን መሰረት ዘይብሎም ምዃኖም ገሊጻ።
ኣብ 2021 ዝሞተ ቲቢ ጆሽዋ፡ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዝረኸበ ፍሉጥ ሰባኺ ተሌቫንጀሊስትን እዩ ነይሩ።
ቢቢሲ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዘካየዶ ምርመራ ካብ ዝረኸቦም ዓሰርተታት መሰኻኽር፡ ጆሽዋ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ወይ ምስቓይ፣ በደል ኣብ ልዕሊ ህጻናት፣ ሰባት ብሰንሰለት ምእሳርን ምስቓይን ከምዝፈጸመ መስኪሮም።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጆሽዋ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመለን ዝገለጻ ኰይነን ብዙሓት ካብኣተን ንዓመታት ብተደጋጋሚ ኣብቲ ቀጽሪ ከምዝተደፈራ ገሊጸን።
ብዙሓት እቲ ፓስተር ምስደፈረን ጥንሲ ክንጽላ ከምዝተገደዳ ክኸሳ እንከለዋ፡ ካብኣተን ሓንቲ ሓሙሽተ ግዜ ጥንሲ ከምዝሰደደት ተዛሪባ።
ብዙሓት መሰኻኽር፡ ጆሽዋ ብተሌቪዥን ንሚልዮናት ዝተሓላለፉ ናይ ሓሶት “ተኣምራዊ ድሕነት” ዝወዘዐሎም መንገዲታት ኣቕሪቦም።
ካብተን ግዳያት ሓንቲ ዝዀነት ብሪጣንያዊት ረዪ፡ ጓል 21 ዓመት እንከላ ናይ ብራይተን ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ኣቋሪጻ ኣባል ናይታ ቤተክርስትያን ክትከውን ከምዝተመልመለት ትዛረብ። ንዝቕጽሉ 12 ዓመታት ድማ ኣብ ሓንቲ “ደቀመዝሙር” ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣባላቱ ዝነብሩሉ ኣብ ሌጎስ ዝርከብ ሓደ ቀጽሪ ተቐሚጣ።
“ኵላትና ኣብ ገነት ከምዝነበርና ኢና ሓሲብና፤ ግን ኣብ ሲኦል ኢና ኔርና። ኣብ ሲኦል ሕማቕ ነገራት እዮም ዘጋጥሙ” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ረይ፡ ብጆሽዋ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸማን ንክልተ ዓመታት ንበይና ክትዕጾ ከምዝተገበረትን ትዛረብ። እቲ ዝፍጸማ በድል ከቢድ ብምንባሩ ድማ ኣብቲ ቀጽሪ ብተደጋጋሚ ነብሳ ከተጥፍእ ከምዝፈተነት ትገልጽ።
ሰነጉግ ቸርች ኦፍ ኦል ነሽንስ (ስኮን) ዓለምለኻዊ ተኸተልቲ ዘለዋ ኰይና፡ ኢማኑኤል ቲቪ ዝበሃሉ ናይ ክርስትያን ተሌቪዥን ቻነላትን ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለዉዎም መርበባት ማሕበራዊ ሚድያ ኣለዉዋ።
ኣብ 1990ታትን 2000ን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ካብ ኣውሮጳ፡ ደቡብን ሰሜንን ኣመሪካ፡ ደቡብ ምብራቕ እስያን ኣፍሪቃን “ተኣምራት ድሕነት” ጆሽዋ ንምርኣይ ናብ ናይጀርያ ሃይማኖታዊ ጕዕዞ ገይሮም እዮም።
ንሱ ኣብ ዘገልገለሎም ዓሰርተታት ዓመታት ብውሑድ 150 በጻሕቲ ከም ደቀመዛሙርቱ ንምግልጋል ኣብቲ ኣብ ሌጎስ ዝርከብ ቀጽሪ ተሪፎም።
ኣብ ብሪጣንያ፡ ናይጀርያ፡ ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጋና፡ ናሚብያን ጀርመንን ዝነብሩ ልዕሊ 25 “ደቀመዛሙርቱ ዝነበሩ” ሰባት ብዛዕባ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝነበሮም ተጓንፎታት ንቢቢሲ ጥሉል ምስክርነት ሂቦም። ካብቶም ተጓንፎታት እቲ ናይ ቀረባ ኣብ 2019 ዘጋጠመ እዩ።
መብዛሕትኦም ግዳያት ኣብ ውዑይ ዕድመ ንእስነት እዮም ናብታ ቤተ ክርሰትያን ተጸኒቢሮም። እቶም ብሪጣንያውያን፡ ናብ ሌጐስ ዝገበርዎ ጕዕዞ ወጻኢኡ ብጆሽዋን ምትሕብባር ገለ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያንን ከምዝተሸፈነ ይገልጹ።
ረይ እትርከቦም፡ ብዙሓት ቃለ መሕተት ዝተገበረሎም ሰባት እቲ ዝሓለፍዎ ምስ ኣምልኾ ውልቀ ሰብ እዮም ዘመሳስልዎ።

ናሚብያዊት ጀሲካ ካይሙ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብታ ቤተክርስትያን ጸኒሓ። ጆሽዋ ንፈለማ እዋን ጓል 17 ዓመት እናሃለወት ከምዝደፈራን፡ ብቐጻሊ ብዝፈጸመላ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ግዜ ጥንሲ ክትንጽል ከምዝተገደደትን ትዛረብ።
“ኣብ ድሕሪ ገዛ ዝግበር ዓይነት እዩ ነይሩ (እቲ ምንጻል ጥንሲ) . . . እቲ ዝግበረልና ዝነበረ ሕክምናዊ ኣገልግሎት. . . ክቐትለና ይኽእል ነይሩ” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ካልኦት ቃለመሕተት ዝተገበረለን ድማ ዕርቃነን ወጺአን ብናይ ኤሌክትሪክ ገመድን ሓለንግን ክግረፉ ከምዝተገበራን ድቃስ ከምዝተኸልከላን ተዛሪበን።
ጆሽዋ ኣብ ዝሞተሉ 2021፡ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ኣዝዮም ጸለውቲ ካብ ዝበሃሉ ፓስተራት ሓደ ተባሂሉ ተናኢዱ ነይሩ። ካብ ድኽነት ተላዒሉ ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ ፍሉጣት ሰባት፡ ኩዕሶ ተጻወትቲን ዝርከብዎም ሰዓብቲ ዘለዉዋ ኢቫንጀሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምምስራት ክኢሉ።
እንተዀነ ኣብ 2014፡ ሓደ መዕረፊ ኣጋይሽ ኣመንቲ ፈሪሱ 116 ሰባት ምስቀተለ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ።
እዚ ቢቢሲ ምስ ኦፐን ዲሞክራሲ ዝተባህለ ማዕከን ሚድያ ብሓባር ዘካየዶ ምርመራ፡ ዝበዝሑ ኣመንቲ ነበር ምስክርነቶም ክቕረጽ ዝገበሩሉ ሰነድ እዩ። እቶም ግዳያት ንነዊሕ እዋን ድምጾም ከስምዑ'ኳ እንተፈተኑ፡ ብዝተዋደደ መንገዲ ክዕፈኑ ከምዝተገበሩ እዮም ዝገልጹ።
ካብ መሰኻኽር ሓደ ዝዀነ ኣብ ናይጀርያ ዝነብር ውልቀሰብ፡ ቅድም ክብል ብዛዕባ እቲ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝፍጸም ግህሰት ብምዝራቦምን ናይ ክሲ ቪድዮታት ኣብ ዩትዩብ ብምልጣፎምን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞምን ካልእ እዋን ድማ ጥይት ከምዝተተኮሶምን ገሊጾም።
ኣብ 2022 ኣብ ጐደና ኰይኖም ነቲ ኣብ ሌጐስ ዝርከብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስትያን ክቐርጹ ንዝፈተኑ ኣባላት ቢቢሲ፡ ሓለዋ እታ ቤተ ክርስትያን ጥይት ተኲሶምሎምን ንሰዓታት ክእሰሩ ተገይሩን።
ቢቢሲ ነቶም ክስታት ኣመልኪቱ ነታ ቤተ ክርስትያን ዝሓተተ ኰይኑ፡ ዛጊት ምላሽ ኣይረኸበን። ቅድም ክብል ንቲቢ ጆሽዋ ዝቐረቡ ክሲታት ግን እታ ቤተክርስትያን ነጺጋቶም።
“ኣብ ልዕሊ ነቢይ ቲቢ ጆሽዋ መሰረት ዘይብሎም ክሲታት ምቕራብ ሓድሽ ኣይኰነን. . . ዋላ ሓደ ካብቶም ክስታት መረጋገጺ የብሎምን” ክትብል ጽሒፋ።
ካብቶም ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ዜጋታት ብሪጣንያ እቶም ኣርባዕተ፡ ካብታ ቤተ ክርስትያን ምስሃደሙ ንሰብመዚ ብሪጣንያ ከምዘመልከቱን እንተዀነ ዝዀነ ስጕምቲ ከምዘይተወሰደን ገሊጾም።
ብተወሳኺ ሓደ ብሪጣንያውን በዓልቲ ቤቱን ኣባላት እታ ቤተ ክርስትያን ብሽጉጥ ከፈራርሕዎም ዘርኢ ቪድዮ ዝኣመሰለ፡ ኣብ 2010 ኣብ ናይጀርያ ንዝርከብ ላዕለዋይ ኮምሽነር ብሪጣንያ መረዳእታታት ዝሓዘ ኢመይል ከምዝጸሓፈ ይገልጽ።
ንሱ ኣብቲ ኢመይል፡ በዓልቲ ቤቱ ብተደጋጋሚ ብ ቲቢ ጆሽዋ ጾታዊ ዓመጽን ምድፋርን ከምዝተፈጸማ ጠቒሱ። ብተወሳኺ ሕጂ እውን ዜጋታት ብሪጣንያ ኣብቲ ቀጽሪ ከምዘለዉን በደል ይፍጸሞም ከምዘሎን ኣጠንቂቑ።
ንሱ እውን፡ ዝዀነ ስጕምቲ ከምዘይተወሰደ ይገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ነቶም ክስታት ምላሽ ኣይሃበን፤ ኰይኑ ግን ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘጠቓልል ኣብ ሃገራት ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብሪጣንያ ዝፍጸሙ በደላት ብጽኑዕ ከምዝከታተሎም ኣፍሊጡ።
እታ ቤተ ክርስትያን ብበዓልቲ ቤቱ ንጆሽዋ እናተመረሐት ኣገልግሎታ ቀጺላ ኣላ።
ኣብ 17 ዓመታ ካብታ ኣብ ብሪጣንያ እትርከብ ደርቢ ናብታ ቤተክርስትያን ዝኸደት ኣኔካ፡ ገና ክዛረቡ ዝኽእሉ ብዙሓት ግዳያት ምህላዎም ከምእትኣምን ትገልጽ። ተግባራት ጆሽዋ ንምቅላዕ ስጕምቲ ክውሰድ ተስፋ ከምዘለዋ እውን ገሊጻ።
“እዚ ሰብኣይ ንነዊሕ እዋን ብኸምዚ ክቕጽል ዝኸኣለሉ መንገዲ ንምፍላጥ፡ ሰነጉግ ቸርች ኦፍ ኦል ነሽንስ ዓሚቝ ምርመራ ክትገብር ከምዘለዋ ይኣምን” ክትብል ወሲኻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







