'ምስ ህዝብና ኣብዚኣ ንመውት' ዝበላ መነኮሳት ቓዛ

ማርያ ደል ፐርፐቱኦ ሶኮሮን ማሪያ ደል ፒላር ሌሬና ቫርጋስን

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ማርያ ደል ፐርፐቱኦ ሶኮሮን ማሪያ ደል ፒላር ሌሬና ቫርጋስን ንኣዝማድ ግዳያት ናይቲ ብ19 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ እስራኤል የጸናንዓ

ፔሩኣውያን መነኮሳት ማሪያ ደል ፒላርን ማርያ ደል ፐርፐቱኦ ሶኮሮ ሌሬና ቫርጋስን ኣብታ ግዝኣት ፍልስጤም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከተማ ቓዛ ሚስዮናውያን እየን።

እዘን መንቱ ዝዀና መነኮሳት፡ ኣባላት ትካል ሚስዮናውያን (IVE) ኰይነን፡ ምስ ካልኦት ጉባኤታት መነኮሳት ብምዃን፡ ኣብ ቤተክርስትያን ቓዛ ንዝርከቡ ኣማኢት ሰባት ንምሕጋዝ ጸኒሐን።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ኣሽሓት ሰባት ክቕተሉን ክህረሙን እንከለዉ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ፡ ብነፈርትን ኣጋር ሰራዊትን ዝተሰነየ ከቢድ መጥቃዕቲ ሕነ-ምፍዳይ ተካይድ ኣላ።

ሓላፊ ክፍሊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤምባሲ ፔሩ ኣብ ግብጺ ጂያንካርሎ ፔድራዛ ሩይዝ፡ እቲ ኤምባሲ "ንደቂ ፔሩን ቤተሰቦምን ካብ ቓዛ ናብ ግብጺ ንምውጻእ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ፔድራዛ ሩይዝ ብድምር ትሽዓተ ሰባት ከምዘለዉ ኣመልኪቱ፡ ንሳቶም፡ ኣርባዕተ ደቂ ፔሩ፡ ሓንቲ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓን ዝተረፉ ድማ ቤተሰሞም እዮም።

እንተዀነ፡ እተን ክልተ መነኮሳት ፔሩ ካብ ቓዛ ኣይንወጽእን ብምባል ኣቕቢጸን - ነቲ ብኤምባሲኤን ዝግበር ዝበረ ጻዕሪታት ነጺገናኦ።

ካብኣተን፡ ሲስተር ማሪያ ደል ፒላር ምስ ቢቢሲ ቃለመሕትት ገይራ ነይራ።

እተን ኣሓት ኣብታ ኣብ ቃዛ እትርከብ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን

ምንጪ ስእሊ, GENTILEZA FAMILIA RELIGIOSA IVE

መግለጺ ስእሊ, እተን ኣሓት ኣብታ ኣብ ቓዛ እትርከብ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን

ማሪያ ደል ፒላር እታ ቤተክርስትያን ማይ ወይ ኤሌክትሪክ የብላን ኢልኪ ነይርኪ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኵነታት እንታይ ይመስል ?

ኣብዚ ኣስታት 600 ሰባት ኣለዉ። ከም ካልኦት ከተማታት ማይ የብልናን። ግን ተፈጥሮኣዊ ማይ ዒላ ኣለና፡ ነቲ ማይ ንሽቓቕን ንመሕጸቢን ወዘተ ንጥቀመሉ፤ ክሳብ መዓስ ከም ዝጸንሕ ኣይንፈልጥን። ከምኡ’ውን ዝስተ ማይ ገዚእና ኣለና፡ ካብቲ ልሙድ ዋጋ ብሰለስተ ዕጽፊ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፖርፊርዮስ መጥቃዕቲ ኣየር ምስ ወቕዐ ዝሞቱ 18 ክርስትያን ተሳቲፍኪ ኔርኪ። እስራኤል ነቲ ህንጻ ቤተክርስትያን ዒላማ ከምዝገበረቶ ነጺጋ እያ፡ እቲ ዘጋጠመ "ዘይተሓስበ ዕንወት" ምዃኑ ገሊጻ። እንታይ ከም ዘጋጠመ ክትገልጽና ዶ ትኽእሊ?

ብሰንኪ ቦምባ እስራኤል ሞይቶም፤ ሓንቲ ካብተን ዝደቀሱለን ክፍልታት ፈሪሳ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ክርስትያን ኣዕሩኽ ሞይቶም፤ ኣብ ንጥፈታት ሰበኻና ዝተሳተፉ ወይ ዝመጹ ወይ ኣብ ቤት ትምህርትና ዝመሃሩ ህጻናት ነይሮም።

ነቶም ክርስትያን ስድራቤታት ኣብ ቀብሪ ተረኺበ፡ ቅሩብ ከጸናነዖም’ውን ፈቲነ፤ ዋላ'ኳ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ እንተፈለጥኩ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ተዓቊቦም

ምንጪ ስእሊ, GENTILEZA FAMILIA RELIGIOSA IVE

መግለጺ ስእሊ, ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ተዓቊቦም

እቶም ግዳያት ኣበይ ተቐቢሮም?

ኣብዚ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን መካነ መቓብር ኣለዎ።

ኣብቲ ቀብሪ፡ ካብ ኣእምሮኻ ፈጺሙ ዘይድምሰስ ምስሊታት ከም ዝረኣኺ ጠቒስኪ፤

እወ! ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ሓቂ እዩ።

ናብ ቀብሪ ክትከይድ ከለኻ ወዲ ንኣቦ ክፋነዎ ከሎ ዝስምዓካ ቃንዛ ኣሎ። ኵሎም ደቆም ዝሞቱዎም ስድራቤታት ኣለዉ። ንፈልጦም ቈልዑ ድማ እዮም ነይሮም፤ ኣዝዩ ዘሕምም እዩ።

መግቢ ኣለክን ዶ? ምኽንያቱ ውሑዳት ሓገዝ ዘለወን መካይን ጽዕነት ጥራይ እየን ክኣትዋ ተፈቒዱለን ዘሎ።

እግዚኣብሔር ይመስገን ፓትርያርክ ላቲን ንዓናን ነቲ ህዝብን ባዕሉ ይሕግዘና ኣሎ።

ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ላቲንን ኦርቶዶክሳውያንን ጽቡቕ ምትሕብባር ይገብራ ኣለዋ።

እዚ ድማ ካብ እግዚኣብሔር ዓቢ በረኸት እዩ። መግቢ ንገዝእ ኣለና፣ ፍርናሽ ንገዝእ ኣለና። ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ርዱእ እዩ፤ ግን ኣምላኽ ይመስገን መግቢ ኣለና።

ቅድሚ እቲ ናይ 19 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ተዓቚቦም ዝነበሩ ሰባት’ውን ተዕቝቡ ዲኹም?

እወ ገለ ካብቶም ሰባት ናባና ክመጹ ዝወሰኑ ኣለዉ። ምኽንያቱ ገለ ክፋል ናይቲ ህንጻ ከም ዝፈረሰ ርዱእ እዩ፤ ገለ ካብኣቶም መጺኦም ምሳና ይነብሩ ኣለዉ።

ኣብ ታሕሳስ 2022 ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቃዛ ኣብ ዝተኻየደ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ታሕሳስ 2022 ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቓዛ ኣብ ዝተኻየደ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት

ኣብ ግብጺ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ፔሩ፡ ዜጋታት ፔሩን ስድራቤቶምን ክብገሱ ንምፍቃድ ስጕምትታት ይወስዱ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ። ካብ ቓዛ ክትወጽእ ፍቓደኛ ዲኺ?

ኣይፋልንን- ካብ ኤምባሲ ፔሩ ኣብ እስራኤል ደዊሎምልና። ደሓር ከኣ ካብቲ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲን ቆንስልን ፔሩ፡ ከምኡ’ውን ኵሉ ሓበሬታ ከም ዘለዎም፡ ናብ ዶብ ክንብገስ ነጊሮምና።

ኣብ ዝዀነ እዋን ግን እንታይ ክንገብር ከም እንደሊ ኣይሓተቱናን።

ንሕና ንህዝብና ኣይንገድፎን። ኣብዚ ካብ ዝነብር ኣርባዕተ ዓመት ኰይኑኒ እዚ ድማ ህይወተይ እዩ። እዚ ሰበይ እዩ። እዚኦም ህዝበይ እዮም፡ ካብዚ ኣይወጽእን እየ። ሓገዝና የድልዮም እዩ።

ዋላ'ኳ በቲ ቦምባታት ክትመውት እትኽለሉ ሓደጋ ኣሎ. . .

እወ ኣነ ነዚ ኣዝየ እየ ዝፈልጦ ምኽንያቱ እቲ ቦምባታት ምፍንጃር ስለ ዝሰምዕ። ኣብዚ ዘሎ ኵሉ ሰብ ነዚ ይፈልጦ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

እዞም ኵሎም ክርስትያን ሰባት ንደቡብ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም፤ ንነብሶም ከድሕኑ።

ካብኣቶም ግን ሓደ እኳ ክኸይድ ኣይደለየን። ኵሉ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ክጸንሕ እዩ ዝደሊኡ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናብ ቅዱስ ቁርባን ክቐርቡ፥ ናብ ኣምላኽ ክቐር፥ ኣብዚ ድማ ውሕስነት ይስመዖ።

ኣብ በዓል ልደት 2021፡ ፍልስጤማውያን ህጻናት ኣብ ቃዛ እናዘመሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ በዓል ልደት 2021፡ ፍልስጤማውያን ህጻናት ኣብ ቃዛ እናዘመሩ

እስራኤል፡ እቶም ካብ ሩባ ዋዲ ቓዛ ንደቡብ ዘይከዱ ሰባት "ተሓባበርቲ ግብረሽበራዊ ውድብ" ተባሂሎም ክቝጸሩ ሓደጋ ከምዘለዎም ዘጠንቅቕ ወረቓቕቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ በቲና ኣላ። ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት እንታይ እዩ?

ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኣካለ ጉዱኣት ህጻናት ኣለዉ። ብዓረብያ ስንኩላን ዝመጽኡ ሰባት ኣለዉ፣ ኣረጋውያን ኣለዉና።

ብዙሓት ካብኣቶም ብእግሮም ክኸዱ ኣይክእሉን እዮም። ብሕማም መንሽሮ ዝሓመመ ሰብ ኣለና፤ መጥባሕቲ ሓንጐል ዝገበረ ኣለና። ካብ ሰበኻ ኦርቶዶክሳዊት ድማ ሓደ ውጉኣት ኣለዉና ኣብዚ ዝሕከሙ ዘለዉ ምኽንያቱ ካብቶም ስደተኛታት ሓካይም እውን ኣለዉና።

ንህጻናት፡ ሕሙማትን ኣረጋውያንን ሓዊስካ 600 ሰባት ብኸመይ ክትወስድ ከም እትኽእል ርዱእ እዩ፡ ኣይንኽእልን ኢና። ብሓቂ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

እዚ ድማ እቲ ንሳቶም ክርድእዎ ዘለዎም፡ ሰብኣዊ ምኽንያት ምዃኑ እኣምን።

ሰላም ጥራይ ኢና ንደሊ። ነዚ ድማ ብዙሕ ክንጽሊ ኣለና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መዓልቲ ጸሎት ክግበር ጸዊዖም ነይሮም፤ ኵላትና ኣብዚ ዓቢይ ልመና ንሰላም ክንጽሊ እዋኑ ከምዝዀነ እኣምን።