እስራኤል-ቓዛ፡ መበል 18 መዓልቲ ብስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ኣማኢት ሰባት ዝተሳተፍዎ ስነስርዓት ቀብሪ ግዳያት ሓማስ ዝዀና ብሪጣንያውያን-እስራኤላውያን ነበርቲ ናይታ ብዙሓት ዝተቐትሉዋ ኪቡዝ ቢኢር ዝነበራ ኣደን ክልተ ደቃን- ሊያ፡ ክልተ ኣዋልድ ደቃ፡ ኖያን ያሄልን
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ብደብዳባት ሰራዊት እስራኤል ዝተደብየ ህይወት ንምድሓን ዝግበር ዘሎ በዳሂ ጻዕርታት ነበርቲ ቓዛ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ደብዳብ እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛት ካሃን ዮንስ ህይወት ንምድሓን ዝረባረቡ ዘለዉ ሰራሕተኛታትን ነበርትን ቓዛ 
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, 'ጽቡቕ ኣሎ ክፉእ ኣሎ' ብምባል ንደቁ መለለዪ በናጅር ክኣስረለን ዝተገደደ ኣቦ ኣብ ቓዛ 
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, መለለዪ በናጅር ዝተኣስረላ ህጻን ቓዛ
ምንጪ ስእሊ, EPA
መግለጺ ስእሊ, ኣስማት ናይቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ህጻናት እስራኤል ዝተጻሕፎም 'ቴዲቤራት' ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ፡ ቅርዓት ዲዘንጎፍ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ናብ ቓዛ ክኣትዉ ትጽቢት ዝግበረሎም ብታንክታት ዝተሰነዩ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ዶባት ቓዛ ተኣኪቦም ይርከቡ
ምንጪ ስእሊ, EPA
መግለጺ ስእሊ, ነቶም ሰብኣዊ ደገፍ ዝህቡ ዘለዉ ወለንተኛታት ዝኸውን መግቢ እናተዳለወ- መዓስከር ስደተኛታት ካሃን ዮንስ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ክዘራረብ ናብ ተልኣቪቭ ዝኣተወ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን