‘ዓቢይ ሓወይ መዓስ’ዩ ካብ እስራኤል ዝመጽእ?’

ጆሹዋ ሞለል ቅድሚ እቲ መስካሕኽሒ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰሙን ኣብ እስራኤል በፂሑ

ምንጪ ስእሊ, JOSHUA MOLLEL

መግለጺ ስእሊ, ጆሹዋ ሞለል ቅድሚ እቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰሙን ኣብ እስራኤል በጺሑ

ዕጡቓት ሓማስ ነቲ ኣብ እስራኤል ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢ ኪቡት ካብ ዘጥቅዑ ንደሓር ወዲ 21 ደሃይ ወዱ ዝጠፍአ ታንዛንያዊ ኣቦ፡ ዝፈጠረሉ ሻቕሎት ንቢቢሲ ኣካፊሉ።

"ንእያሱ ንመወዳእታ ግዜ ዘዘራረብክዎ ሓሙስ 5 ጥቅምቲ እዩ ነይሩ" ይብል ኣቦኡ ሎይቱ ሞለል።

"ኣነ 'ሓድሽ ቦታ ስለዘለኻ ጽቡቕ ጠባይ ግበር፡ ነቲ ኣብኡ ትጸንሓሉ ግዜ ድማ ብዝበለጸ ተጠቐመሉ' ኢለዮ።"

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ሓድሽ መንበሪ ገዛ ጆሽዋ ሞለል - ክቡትዝ ናሃል ኦዝ - ብሓማስ መጥቃዕቲ ወሪድዎ።

ኣብ ሰሜናዊ ታንዛንያ ዝነብሩ ስድራኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ገዲፍዎም ገይሹ።

ኣብታ ነፋሪት ክስቀል፡ ንእያሱ ፍናን ዝመልኦ ህሞት እዩ ነይሩ።

እዚ ሓጐስ ንመጀመርታ ግዜኡ ናብ ወጻኢ ሃገር ምጋሹ ጥራይ ዘይኮነስ - ሕልምታቱ ንምዕዋት እውን ዓቢ ስጕምቲ እዩ ነይሩ።

"ወደይ ኣብ ሕርሻዊ ዓውድታት ዝነጥፍ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዕዉታት ሓረስቶት ታንዛንያ ክኸውንን ይደሊ" ይብል ኣቦኡ ብዅርዓት።

ንሱን በዓልቲ ቤቱን፡ እያሱ ኣብ እስራኤል ዝረኽቦ ትምህርቲ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ካብቲ ከባቢ ዝረኽቦ ፍልጠት፡ ካብ ዘራእቲ ዝረኽብዎ ትሑት ኣታዊ ከዕብዮ ተስፋ ኣለዎም።

በዅሪ ቈልዓ ብምዃኑ፡ ንእሽቶ ሓውን ኣሓትን እያሱ ከም ኣርኣያ እዮም ዝርእይዎ።

ስለዚ ንሰሙናት ብተሌፎን ዘይምዝራቦም የሕምሞም። ድምጹ ጠፊእዎም ቀንዩ ኣሎ።

ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ኪቡዝ ናሃል ኦዝ ዓሰርተታት ነበርቲ ተቐቲሎም፤ ካብቲ 800 ሜትሮ ጥራይ ርሒቑ ዝርከብ ዶብ ቓዛ ድማ ጅሆ ተታሒዞም ተወሲዶም።

ዛጊድ ብዛዕባ ኵነታትን ሃለዋትን እያሱ ዝፈልጥ የለን፡ ስድራኡ ድማ ብጭንቀት ሓሚሞም ኣለዉ።

"ክንበልዕ ወይ ክንድቅስ ኣይንኽእልን ኢና። ናብ ዕዳጋ ክኸይድ ከለኹ ሰባት ‘ስለምንታይ ክንድዚ ቀጢንካ?’ ይብሉኒ" ይብል ኣቦኡ።

"እስራኤል ብሓማስ መጥቃዕቲ ወሪድዋ ዝብል ዜና ምስ መጸ፡ እስራኤል ኣብ ታንዛንያ ኤምባሲ እንተሃልይዋ ክፈልጥ ፈቲነ ግን ካብ ኬንያ ከም ዝሰርሑ ተነጊሩኒ።"

ስለዚ ኣብ ክንድኡ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ታንዛንያን ፡ ምስ ኣምባሳደር ታንዛንያ ኣብ ተልኣቪቭ ከይተረፈ ኣዘሪብዎም።

"ግን ክሳብ ሕጂ ወደይ ኣበይ ከምዘሎን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከምዘሎን ዝዀነ ሓበሬታ ኣይረኸብኩን።"

ታንዛንያ ይዅን እስራኤል መንነት ናይቶም ደሃዮም ዝጠፍኡ ክልተ ታንዛንያውያን ተምሃሮ ኣየረጋገጹን።

ቢቢሲ ግን መንንቶምን ኵነታቶምን ንምፍላጥ፡ ምስ ስድራኦም ብምዝርራብ ብዛዕባ ህይወቶም ዝርዝር ሓበሬታ ንምርግጋጽ ፈቲኑ።

ጆሹዋ ሞለል፡ ሓደ ካብቶም ክልተ ዝጠፍኡ ተምሃሮ ምዃኑ ኣረጋጊጽና ኣለና፡ መንነት ናይቲ ካልእ ድማ ንፈልጥ ኢና - ወለዱ ግን ብግልጺ ስሙ/ስማ ከይፅራሕ መሪጾም።

"እቶም ክልተ ዝጠፍኡ ተምሃሮ ኣበይ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ምስ ሰበስልጣን እስራኤል ተሓጋጊዝና ንሰርሕ ኣለና" ይብል ኣምባሳደር ታንዛንያ ኣብ ተልኣቪቭ ኣሌክስ ካሉዋ።

"እንተዀነ፡ ልክዕ ሓበሬታ ስለእንደሊ፡ ጅሆ ተታሒዞም ድዮም ወይስ ብኻልእ መንገዲ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና።"

ኣቡኡ ሎይቱ ሞለል

ምንጪ ስእሊ, LOITU MOLLEL

መግለጺ ስእሊ, ኣቡኡ ሎይቱ ሞለል

ቢቢሲ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል'ውን ርእይቶ ክህበሉ ሕቶ ኣቕሪቡ'ሎ።

ኣስታት 350 ታንዛንያውያን ኣብ እስራኤል ይነብሩ፡ ካብዚኦም እቶም 70% መብዛሕትኦም ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰር ዘጽንዑ ተምሃሮ ምዃኖም ሰበስልጣን ታንዛንያ ይገልጹ።

ኣምባሳደር ካሉዋ፡ ትሽዓተ ታንዛንያውያን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰላም ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱን፡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲኡ፡ ምስቶም ዝተረፉ ካልኦት ታንዛንያውያን ኣብ እስራኤል ርክብ ንምግባርን ድሕነቶም ንምርግጋጽን ይፍትኑ ከምዘለዉ ይዛረብ።

ስድራቤት ጆሹዋ፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ጸባ ናሃል ኦዝ ዝገበሮ ናይ ስራሕ ልምምድ፡ ኣብ ማእከላይ ታንዛንያ ብዘለዎ ኮለጅ፡ ትካል ስልጠና ሚኒስትሪ ሕርሻ - ካትሪን ከምዝተዳለወ ይዛረቡ። እቲ ኮሌጅ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ርእይቶ መልሲ ኣይሃበን።

"ገለ ክፋላት እስራኤል ብሓማስ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞ ስለእንርዳእ፡ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ክንወቅስ ኣይንደልን ኢና" ይብል ኣባሓጐ እያሱ፡ ኤፋታ ናንያሮ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ።

እዚ ግን ቃንዛ እታ ስድራ ኣይቅንሶን እዩ።

"ንመወዳእታ ግዜ ብኢንተርነት ኣብ [መልእኽቲ] ዋትስኣፕ ብ7 ጥቅምቲ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ተራእዩ" ይብል ኣቦ ጆሽዋ።

"ልዑል ጭንቀት ፈጢሩለይ እዩ። ናይ ብሓቂ ከቢድ'ዩ። እተን ንኣሽቱ ደቀይ ንግሆን ለይትን - 'ባባ ምስ ሓውና ክንዛረብ ንደሊ' ኢለን ይሓታኒ።"

"ግን ዝህቦ መልሲ የብለይን።"