ጸረ-ሴማውነትን ጸረ-ጽዮናውነትን እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክልተ ሰሙን ዝቐጸለ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ተኣሳሲሩ፡ ደገፍ ፍስልጤማውያንን፡ ኣንጻር መንግስቲ እስራኤል ዝስማዕ ድምጽታትን እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ጸረ-ሴማውነትን ጸረ-ጽዮናውነትን ኣዛረብቲ ዛዕባታት ኰይኖም ይቐርቡ።
ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፤
- ጸረ-ሴማውነት፤ ንኣይሁድ ከም ህዝቢ ፍጹም ምጽላእ ወይ'ውን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝግለጽ፡ ኣብ ልዕሊኦም ግጉይ ኣረኣእያን ስምዒትን ምሕዳር ኰይኑ ንነዊሕ ዘመናት ዝጸንሐ እዩ።
- ጸረ-ጽዮናውነት፤ ንህላወ ሃገረ እስራኤል ምቅዋም ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።
ጸረ-ሴማውነት
ኣይሁድ፡ ንዘመናት ጽልኢ፡ መስጐጕቲን ግፍዕን ወሪድዎ እዩ፤ ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ካልኣይ ኲናት ዓለም ከኣ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ብናዚ ተቐቲሎም።
ዘመናዊ ጸረ-ሴማውነት ብብዙሕ መልክዑ ክግለጽ ዝከኣል ኰይኑ፡ ኣይሁድ ንዓለምለኻዊ ፋይናንሳዊ ትካላትን መራኸቢ ብዙሃንን ተቘጻጺሮም ብዝብል ስምዒት፡ ኣብ ልዕሊ ምዅራባት [ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ] ዝፍጸም መጥቃዕቲ፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘውር ጽልኢ ዝመልኦ ዘረባ፡ ጽሑፋትን ካልእን ከም መግለጺኡ ክውሰድ ይከኣል።
ይዅን እምበር፡ እቲ ጸረ-ሴማውነት ዝብል ኣምር ኣብ ብዙሕ መዳያት ተሓዋዊሱ ይርአ እዩ። ገሊኦም ንመንግስቲ እስራኤል ዝቃወም ከም ጸረ-ሴማውያን ተገይሮም ስለዝውሰዱ ነቲ ሓሳብ ኣካታዒ ይገብሮ።
ጽዮናውነት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጽዮናውነት ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣውሮጳ ዝጀመረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኰይኑ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ ምድረ ፍልስጤም መንግስቲ ኣይሁድ ምምስራት እዩ።
እዚ ምንቅስቓዚ፡ ኣብታ ጥንታዊት ርስቲ ኣይሁድ እያ ዝብላ ፍልስጤም ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ መሬት፡ ሃገረ ኣይሁዳውያን ንምምስራት ዝዓለመ ድሌት እዩ።
ሕቡራት ሃገራት ፍልስጤም ኣብ ክልተ ሃገራት፡ ንኣይሁድን ዓረብን ክትምቀል ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እስራኤላውያን፡ ኣብ 1948 ሃገረ-እስራኤል ኣብ ምድረ-ፍልስጤም ከም ዝተመስረተት ኣዊጆም።
ብሰንኪ'ዚ፡ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ካብ ዓድታቶምን ኣባይቶምን ተመዛቢሎም። ኣብ 1967 ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ፡ እስራኤል ነቲ ብግዝኣታት ፍልስጤም ዝፍለጥ ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ እየሩሳሌምን ተቘጻጺራቶ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብዘን ግዝኣታት ሰፈራታት ኣይሁድ መስሪታ፤ ልዕሊ 700 ሽሕ ኣይሁድ ከም ዝሰፍሩ ገይራ።
ሕቡራት ሃገራት ይዅን ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት፡ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ኣብ ዝርከባ ግዝኣታት ሰፈራታታት ምምስራታ ዘይሕጋዊን ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጻረርን እዩ ብምባል ይወቕሱ።
ምምስራት ሃገረ መንግስቲ እስራኤል፡ መሰል ናይቶም ኣብ ፍልስጤም ዝነብሩ ኣዕራብ ዝረግጽ እዩ ብምባል፡ ፍልስጤማውያንን ካልኦት ኣዕራብን ብትሪ ይቃወምዎ።
ኣሰጐምቲ ምንቅስቓስ ጽዮናውነት፡ እስራኤል ከም ሃገር ኣይሁድ ክትሕሎን ክትስፍሕን ኣለዋ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ገለ ጽዮናውያን፡ እስራኤል ብዘይካ እዚ ዘላቶ፡ ካልእ ግዝኣታት ክትቈጻጸር መሰል ኣለዋ ክብሉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግን ነዚ ሓሳብ ይነጽጕ።
መብዛሕትኦም ኣይሁድ፡ ጽዮናውያን እኳ እንተዀኑ፡ ውሑዳት ግን ነቲ ኣምር ብፖለቲካውን ሃይማኖታውን ምኽንያታት ይቃወምዎ።
ኣይሁድ ዘይኰኑ ግን ንስነ-ሓሳብ ጽዮናውነት ክስዕቡን ክድግፉን ይኽእሉ እዮም።
ጸረ-ጽዮናውነት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ስፍሑ ብዝበለ ኣመለኻኽታ፡ ጸረ-ጽዮናውነት ምስ ምቅዋም ሃገረ እስራኤል ክግለጽ ይከኣል።
መንግስቲ እስራኤል፡ ምዕራባዊ ገማግም ብሓይሊ ምቍጽጻሩ ወይ ምውራሩ ዝቃወሙ ነቐፍቲ ጽዮናውነት ኣለዉ።
እዞም ነቐፍቲ፡ ንፖሊሲታት መንግስቲ እስራኤል ይቃወሙ፣ ብፍላይ ድማ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ከባቢኡን ዝሃነጸቶ ሓጹር ምቅዋሞም ይጥቀስ።
እስራኤል እቲ መንደቕ ካብ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ንምክልኻል ዝተሃንጸ ምዃኑ እኳ እንተገለጸት፡ ተቓወምቲ ፖሊሲኣን ደገፍቲ ፍልስጤምን ግን ዝያዳ መሬት ክትግብትን ሰፈራታት ኣይሁድ ክትሃንጽን እዩ ይብሉ።
ማዕረ ማዕረኡ፡ ሃገረ እስራኤል ኣብ 1948 ቅድሚ ምእዋጃ፡ ነቲ ሃገረ ኣይሁድ ንምምስራት ዝዓለመ ምንቅስቓስ ጽዮናውያን ዝቃወሙ ኣይሁድ ነይሮምን ኣለዉን። ገለ ሕሉፋት ኦርቶዶክሳውያን ጕጅለታት፡ 'መንግስቲ ኣይሁድ ምስ ምምጻእ “መሲሕ” ጥራይ እያ ክትምስረት እትኽእል' ብምባል ነዛ ሕጂ ዘላ ሃገረ እስራኤል ይቃወሙ።
ብተመሳሳሊ፡ 'ጽዮናውነት ኣይሁድ ብዘይኰኑ - ምዕራባውያን መንግስታትን ወንጌላውያን ክርስትያናት ኣሜሪካን - ዝድገፍ ፖለቲካዊ ፕሮጀክት እዩ' ዝብል ነጥቢ ድማ ብብዙሓት ይቐርብ።
"ጽዮናዊ" ዝብል ቃል ግን፡ ኣብ ገለ ዓንኬላት፡ ን"ኣይሁዳዊ" ዝብል ቃል ተኪኡ የገልግል ከምዘሎን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይሁድ ዝነበረ ጽልኢ ድማ ጸረ-ጽዮናውነት ብዝብል ከምዝተገልጸን ብሰፊሑ ከካታዕ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ዝቐርብ ነቐፌታ ምስ ጸረ-ሴማውነት ዝተኣሳሰር ድዩ ወይ ምስ ፖሊሲታት እስራኤል ጥራይ ንምፍላዩ ኣጸጋሚ እዩ።
ጸረ-ጽዮናውነት ወይ ምንጻግ መንግስቲ ኣይሁድ መግለጺ ናይዚ እዋናዊ ጸረ-ሴማውነት እዩ ክበሃል ይስማዕ እዩ።
ዓለምለኻዊ ትካል ዝኽሪ ሆሎኮስት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ [መንግስቲ] እስራኤል ዝቐርብ ገለ ክስታት 'ጸረ-ሴማውያን' እዩ ብምባል ክዅንኖ ይስማዕ እዩ።
ነዚ ኵነኔ ዘይቅበሉ ደገፍቲ እስራኤል ከይተረፈ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝቐርብ ምኽኑይ ዝዀነ ነቐፌታታት’ውን ኰነ ኢልካ ንምዕባሱ ከም መሳርሒ ዘገልግል እዩ ይብሉ።
እስራኤል ትገብሮ ንዘላ ምቅዋም ማለት "ዓሌትነት" ኣይኰነን ይብሉ። ጽዮናውነት ፖለቲካዊ ፕሮጀክት ስለዝዀነ ክንቀፍ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ከምዘየለ ይግለጽ።
መንግስቲ እስራኤልን ደገፍቱን ነቐፌታ ንኸይህሉ ኮነ ኢሎም ጸረ-ጽዮናውነትን ጸረ-ሴማውነትን ደባሊቘምዎ ክብሉ ብዙሓት ይኸሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







