ሓማስ እንታይ እዩ? ብዛዕባኡ ዝለዓሉ ሕቶታትን መልሶምን

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ተቓለስቱ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ቓዛ ናብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ብምእታው ነበርቲ ከም ዝቐተሉን ጅሆ ከም ዝሓዙን ተገሊጹ ኣሎ።
ሓማስ እንታይ እዩ? ስለምንታይ’ዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ?
ነዚኦምን ካልኦት ሕቶታትን ምላሽ ዝህብ ከምኡ’ውን እቲ ናብ ግጭት ዝመርሐ ኵነታት ንምርዳእ ዘድሊ ዓውዳዊ ሓበሬታ ቀጺሉ ቀሪቡ ኣሎ።
ሓማስ እንታይ እዩ?
ሓማስ ነቲ እስላማዊ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ዝገልጽ ዓረብኛ ምሕጻረ ቃል’ዩ።
እዚ ምንቅስቓስ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1988 ኣንጻር እታ ንምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ወሽመጥ ቓዛን ዝተቘጻጸረት እስራኤል ዝተለዓለ ናዕቢ (ኢንቲፋዳ ፍልስጤም) ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ብመሰረት ቅዋሙ ድማ ተወፋይነቱ ንእስራኤል ምጥፋእ’ዩ።
ሓማስ ኣብ መጀመርታ ድርብ ዕላማ ሒዙ’ዩ ተላዒሉ - ኣንጻር እስራኤል ዕጥቃዊ ቃልሲ ምክያድን መደባት ማሕበራዊ ድሕነት ምቕራብን።

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY
እስራኤል ካብ 2005 ወተሃደራታን ሰፋሮን ካብ ቓዛ ድሕሪ ምስሓባ ግን ሓማስ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ፍልስጤም’ውን ክነጥፍ ጀሚሩ። ኣብ 2006 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ሓጋጊ ኣካል ተዓዊቱ፤ ኣብ 2007 ድማ ፋታሕ ዝበሃል ብፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ዝምራሕ ተቐናቓኒ ምንቅስቓስ ካብ ስልጣኑ ብምእላይ ኣብ ቓዛ ስልጣኑ ኣደላዲሉ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዕጡቓቱ ምስ እስራኤል ኣርባዕተ ዓበይቲ ግጭታት ኣካይዶም፤ እስራኤል ብወገና ምስ ግብጺ ብምዃን ንሓማስ ንምንጻልን መጥቃዕቲታቱ ደው ንምባልን ጸቕጢ ክትገብር ጀሚራ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብቲ ከባቢ እገዳ ኣንቢራ።
ሓማስ ብሓፈሻ ብእስራኤል፡ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ከምኡ’ውን ካልኦት ሓይልታት ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተባሂሉ’ዩ።
እስራኤል ኣንጻር’ቲ ጕጅለ ብዙሕ ስርሒታት'ኳ እንተካየደት፡ ሓማስ ግን ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲታት ምፍጻም ቀጺሉ።
ኣብ ኣውቶቡሳት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ብዙሓት እስራኤላውያን ተቐቲሎም’ዮም፤ እስራኤል ኣብ ታሕሳስ 1995 ንዋና ጕጅለ ሰራሕ ቦምባ ድሕሪ ምቕታላ ድማ እቶም መጥቃዕታታ ወሲዀም።
ሓማስ ክሊኒካትን ኣብያተ ትምህርትን ብምውዳብ፡ ነቲ ብፋታሕ ዝዕብለል ብልሹውን ብቕዓት ዘይብሉን ስርዓት ተስፋ ዝቖረጹ ህዝቢ ፍልስጤም እውን ኣገልጊሉ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ወሽመጥ ቓዛ እንታይ እዩ?
ወሽመጥ ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤል፡ ግብጽን ማእከላይ ባሕርን ዝርከብ 41 ኪ.ሜ ንውሓትን 10 ኪ.ሜ ስፍሓትን ዘለዎ መሬት እዩ። ኣስታት 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም ኣመና ጻዕቒ ህዝቢ ካብ ዘለዎም ከባቢታ ሓደ’ዩ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ዝርከብ ክሊ ኣየር ትቈጻጸር፤ ብመሳገሪ ዶባታ መንን እንታይን ከም ዝኣቱን ከም ዝወጽእን ትድርት። ብተመሳሳሊ ግብጺ ብዶብ ቓዛ መን ይኣቱን ይወጽእን ትቈጻጸር።
ኣስታት 80 ሚእታዊት ህዝቢ ቓዛ ኣብ ዓለምለኸ ሓገዝ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት፤ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ መዓልታዊ ሓገዝ መግቢ የድልዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እስራኤልን ሓማስን ንምንታይ ይዋግኡ ኣለዉ?
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ቀጻሊ ወጥሪ'ኳ እንተሃለወ፡ እቲ ብቐዳም ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ብዘይ ዝዀነ ግምታትን መጠንቀቕታን ዝመጸ እዩ።
ሓማስ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሮኬታት ናብ እስራኤል ክተኵስ እንከሎ ተቓለስቱ ድማ ዶብ ጥሒሶም ንማሕበረሰባት እስራኤል ብምውራር ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቲሎም፡ ብዙሓት ምሩኻት’ውን ወሲዶም።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ናይቶም ዕጡቓት ዝበለቶም ቦታታት ዒላማ ብምግባር፡ ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ።
ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፡ ነቶም ብቐዳም ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት ጅሆ ዝተወስዱ ንምድሓንን ከባቢታት ንምጽራይን ስርሒታት የካይዱ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
እዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ እዚ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ’ዩ?
ከምቲ ዓለምለኻዊ ኣሰናዳኢና ጀረሚ ቦወን ዝጸሓፎ፡ እዚ ሓማስ ካብ ቓዛ ዝጀመሮ ዝዓበየ ስርሒት እዩ።
ኣብ እስራኤል ንልዕሊ ሓደ ወለዶ ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ይግለጽ።
ዕጡቓት ነቲ ንቓዛ ካብ እስራኤል ዝፈልዮ ሓጹር ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ቆሪጾም’ዮም ሰጊሮም።
ናይቲ ኣብ 1973 ብግብጽን ሶርያን፡ ኣንጻር እስራኤል ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ መበል 50 ዓመት ምስ ተጸንበለ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ ተፈጺሙ።
መሪሕነት ሓማስ ትርጕም ናይታ ዕለት ፈጺሙ ኣይጠፍኦምን።
ዓቢ ውድቀት ስለያ እስራኤል ድዩ?
እወ! ዓቢ ውድቀት ስለያ እስራኤል’ዩ ይብል ወኪል ጸጥታ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር።
ውሽጣዊ ስለያ እስራኤል ሺን ቤት፡ ናይ ወጻኢ ስለያ ትካል ሞሳድን ከምኡ’ውን ኵሎም ሓይልታት ምክልኻል እስራኤልን ብድምር ጻዕሪ፡ ካብዚኦም ገለ ሰብ እዚ ከም ዝመጽእ ዘይምርኣዮም ወይ ስጕምቲ ዘይምውሳዶም ዘገርም ምዃኑ ይገልጽ።
እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰፍሐን ብጽቡቕ ዝምወልን ኣገልግሎት ስለያ ከም ዘለዋ ይንገር።
ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ዕጡቓት ጕጅለታት ፍልስጤም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያን ካልእ ቦታታትን ሓበሬታ ዝህቡን ሰለይትን ኣለዋ።
ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ መንጐ ቓዛን እስራኤልን ዘሎ ሓጹር ዶብ፡ ካሜራታት፡ ዳህሰስቲ መሬታዊ ምንቅስቓስን፣ እናተንቀሳቐሰ ዝሕልው ስሩዕ ሰራዊትን - ፓትሮል - ኣለዉ።
እቲ ብትሪኮላታ ዝተሰርሐ ሓጹር፡ ልክዕ ከምቲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ምእታው ንምክልኻል "ጽቡቕ መከላኸሊ" እዩ ነይሩ ይበሃል።
ምስ እዚ ዅሉ ግን ዕጡቓት ሓማስ ነቲ ሓጹር ብቡልዶዘር ጥሒሶም፣ ነቲ ትሮኮላታ ቆሪጾም ወይ ድማ ካብ ባሕርን ብፓራግላይደር ዝበሃል ኣብ ኣየር ንምንስፋፍ ዝሕግዝ ፓራሹት ዝመስል ተጠቒሞም እዮም ናብ እስራኤል ኣትዮም።
እዞም ፍጻመታት ምስ ፍልስጤም እንታይ እንታይ ርክብ ኣለዎም?
ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን፡ ግዝኣታት ፍልስጤም ተባሂለን ይፍለጣ፤ ምብራቕ እየሩሳሌምን እስራኤልን እውን ኣካል ናይቲ ካብ ግዜ ሮማውያን ጀሚሩ ብፍልስጤም ዝፍለጥ መሬት እየን ነይረን።
እዚአን ከባቢታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ ሃገረ መንግስታት ኣይሁድ እየን ነይረን፣ ኣይሁድ ድማ ከም ጥንታዊ ሃገሮም’የን ዝረኣያ።
እስራኤል ኣብ 1948 ሃገር ኰይና ተመስሪታ።
እንተዀነ እቲ መሬት ክሳዕ ሕጂ በቶም ንመሰል ህላወ እስራኤል ኣፍልጦ ዘይህቡ፡ ፍልስጤም ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።
ፍልስጤማውያን እውን ፍልስጤም ንምዕራባዊ ገማግም፡ ቓዛን ምብራቓዊ እየሩሳሌምን ዘጠቓልል ቃል እዮም ዝጥቀሙሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክኽሰት ይኽእል?
ኣዛዚ ዕጡቓት ሓማስ መሓመድ ደይፍ፡ ፍልስጤማውያንን ካልኦት ዓረብን "ንመግዛእቲ [እስራኤል] ንምጥፋእ" ናብቲ ዕጡቓት ዘካይድዎ ዘለዉ ስርሒት ክጽንበሩ ጸዊዑ።
ሕጂ ዓቢ ሕቶ ኣብ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ምብራቕ እየሩሳሌምን ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ዞባ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ንጻውዒቱ ክሰምዕዎ ድዮም ዝብል እዩ።
እስራኤል ብዘይጥርጥር ብዝተፈላለየ ግንባራት ክኽፈት ዝኽእል ተኽእሎታት ኲናት ከምዘሎ እያ ትርዳእ።
እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ ድማ፡ ነቲ ሓያል ዕጡቕ ጉጅለ ሊባኖስ ‘ሕዝቦላህ’ ጎቲቱ ክስሕብ ይኽእል እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት እስራኤል ብብዝሒ ሰራዊት ክኸትት ኣዚዙ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘሎ ዀይኑ፡ ኣብኡ ናይ መሬት ስርሒት ክትገብር መደብ ከምዘለዋ ኣመልኪታ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







