እስራኤል-ሓማስ፡ እቲ ንእስራኤል ዘሰንበደ መጥቃዕቲ እንታይ'ዩ ከስዕብ?

እስራኤላውያን ኣብቲ ካብ ቃዛ ዝተወንጨፈት ሮኬትን ኣብ ቴልኣቪቭ ዝዓለበትለን፡ ግብረ መልሲ ይህቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እስራኤላውያን ኣብቲ ካብ ቓዛ ዝተወንጨፈት ሮኬትን ኣብ ቴልኣቪቭ ዝዓለበትለን፡ ስምዒቶም ይገልጹ

ድሕሪ ሓምሳ ዓመት፡ ካብቲ ብግብጽን ሶርያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ኲናት'ዮም ኪፑር'፡ ትማሊ ዕጡቓት ፍልስጤም ዓቢ መጥቃዕቲ ኣካይዶም ኣለዉ።

እዚ ናይ ሕዚ መጥቃዕቲ እውን ዘይተገመተ ሃንደበታዊ ዀይኑ፣ ኣብ መዓልቲ ናይ ኣይሁድ በዓል እዩ ተፈጺሙ ዘሎ።

ርግፅ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ጋዛ ወጥሪ ተላዒሉ ነይሩ።

እቲ ግምት ግን፡ እቲ ንዕኡ ዘመሓድር እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ ይኹን እስራኤል እቲ ግጭት ክጓሃሃር ኣይደልዩን ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣብ ክንድኡ ግን፡ ሓማስ ዝተራቐቐን ዝተዋደደን ስርሒት ክገብር ክውጥን ጸኒሑ።

ሎሚ ንግሆ ብርቱዕ ሮኬታት ኣብ ዝተወንጨፈሉን ገሊኦም ክሳብ ኢየሩሳሌምን ተልኣቪቭን ዝበጽሑሉ እዋን፡ ተዋጋእቲ ፍልስጤማውያን ብባሕሪ፣ ብመሬትን ብኣየርን ናብ ደቡባዊ እስራኤል ኣትዮም ኣለዉ።

ንሰዓታት ንከተማታትን መደበራት ሰራዊትን እስራኤል ኣብ ከበባ ኣእትዮም፡ ብዙሓት ሰባት ቀቲሎም።

ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰላማውያንን ወተሃደራትን እስራኤል ወሲዶም ኣብ ጋዛ ጅሆ ሒዞምዎም ኣለዉ።

እቲ ዘስካሕክሕ ድራማ ዝመስል ፍፃመታት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሃንን ብቐጥታ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ግራውቲ ንድግስ ዝወጹ ኣሽሓት እስራኤላውያን ብቕልጡፍ ኣብ ትሕቲ ተኹሲ ኣትዮም።

ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ተሳተፍቲ እቲ ድግስ ንህይወቶም ክድሕኑ ክጎዩ የርኢ።

ጂሊ ዮስኮቪች፡ መፃምዳ ብመኪና ኣሊሹ መስ ረኸባ፡ ካብቶም ዕጡቓት ኣብ መንጎ ኣግራብ ተሓቢኣ ከመይ ከምዝተረፈት ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ካብ ኦም ናብ ኦም እናነጠሩ ናብ ኩሉ ኣንፈት ይትኩሱ ነይሮም። ብኽልተ ወገን ድማ ሰባት ኣብ ዙርያኦም ክወድቁ ርእየ።"

"ኣነ፡ 'ሕራይ ክመውት እየ፡ ጽቡቕ፡ ኣስተንፍሲ ጥራይ፡ ኣዒንትኺ ዓምቲ' ኢለያ ንነፍሰይ። ምኽንያቱ [ኣብ ኩሉ ቦታ] ተኹሲ ነይሩ። ኣዝዩ ኣብ ቀረባይ እዩ ነይሩ።"

ጋዜጣ እስራኤል ሃዮም፡ ነባሪት ከተማ ክቡትዝ በዓሪ፡ ኤላ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ እቲ ነትጒ ምስ ተተኮሰ ናብ ውሑስ ክፍሊ [ሼልተር] ዝኸደ ኣቡኣ፡ ንዝመጽእ ተኹሲ ሮኬት ስግኣት ነይሩዋ።

"እቶም ኣሸበርቲ ኣብቲ መዕቆቢ ከምዘለዉ ጽሒፉለይ፡ ስእሉ ኣብ ቴሌግራም ካብ ውሽጢ ቓዛ ይርእዮ ኣለኹ። ክሳብ ሕጂ ምፍንጃር ቶኽሲ ይሰምዕ ኣለኹ" ትብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዙሓት እስራኤላውያን ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ቀልጢፎም ክሕግዝዎም ዘይምምጽኦም ሕርቃኖም ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቻነላት ሓማስ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ መደበራት ሰራዊት እስራኤልን ኣብ ታንኪን ዝነበሩ ወተሃደራት ከምዝተማረኹ ወይ ከምዝተቐትሉ ይሕብር።

ኣብ ቓዛ ዝተመንጠላ ወተሃደራዊ መካይን እስራኤል ኣብ ጎደናታት ክዘዋወራ ዘርኢ ጽምብል ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ስእልታት’ውን ተዘርጊሑ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከብ መንእሰይ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብታ ብእስራኤል ዝተትሓዘት ምብራቓዊ ኢየሩሳሌም ናብ ቀጽሪ ዝመጹ ኣይሁዳውያን በጻሕቲ ብምውሳኹ፡ "ሓማስ ክሳብ ሕጂ ኣብ መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ብዝፈፀሞ ሕነ ምፍዳይ ሐጉስ እየ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ኣብ እስልምና ሳልሳይ ቅዱስ ቦታ ኮይኑ፡ ንኣይሁድ’ውን ‘ቴምፕል ማውንት’ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኣዝዩ ቅዱስ ስፍራ እዩ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ጥቓኡ ክሃርም ምዃኑ መጠንቀቕታ ምስ ኣመሓላለፈ፡ ካብ መንበሪኡ ዝወጽእ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውን ሰጊኡ።

"ተጨኒቕና ኣለና፡ ስድራይ ኣብ ኲናት 2021 ግምቢ ሾሩክ ብእስራኤል ምስ ተሃርመ ድኳኖም ስኢኖም። ሓማስ ኣብዚ ግዜ'ዚ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣዝዩ ዝዓበየ'ዩ፡ ስለዚ ካብ እስራኤል ክህሉ ዝኽእል ምላሽ ዝዓዘዘ'ዩ ክኸውን"።

ድሮ ሆስፒታላት ፍልስጤም በቲ ሰፊሕ ዕንወት ዘስዓበ መጥቃዕቲ ነርቲ እስራኤል ብዝበጽሐ ጉድኣት ኣዕለቕሊቐን ኣለዋ።

ወሽመጥ ቓዛ - ኣስታት 2.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ዝነብሩላ ንእሽቶ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከባቢ ኰይና - ኣብ 2007 እያ ብሓማስ ተታሒዛ፡ እዚ ድማ ኣብ ምርጫ ባይቶ ድሕሪ ምዕዋቱ እዩ።

ብድሕሪኡ እስራኤልን ግብጽን ኣብ ዙርያ እቲ ግዝኣት ዝገበርኦ ፀጥታዊ ሓላዋታት ኣጽኒዐንኦ።

ሽቕለት ኣልቦነት ኣስታት 50 ሚኢታዊት ኰይኑ፡ ኣዝያ ዝተሃሰየት ከባቢ ኮይና ትቕጽል ኣላ።

ኣብ 2021 ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ድሕሪ ዘጋጠመ ከቢድ ግጭት፡ ብግብጺ፣ ቀጠርን ሕቡራት ሃገራትን ዝሽምግል ዘይቀጥታዊ ዝርርብ፡ ነበርቲ ቃዛ ኣብ እስራኤል ክሰርሑን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍቓድ ንኽረኽቡን ሓጊዙ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ተል ኣቪቭ ዝተሃሰዩ ህንጻታት

ምንጪ ስእሊ, ITAI RON/REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ኣብ ተል ኣቪቭ ዝተሃሰዩ ህንጻታት

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣማኢት ፍልስጤማውያን ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፍታት ንምዝካር፡ ኣብቲ ከባብታት ሓጹር ዝተጀመሩ ተቓውሞታት ክጽንበሩ ምስ ጀመሩ፡ ዝያዳ ካብ እስራኤል ሕድገታት ንምጭባጥን፡ ካብ ቀጠር ዝመጽእ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምርካብን ዝዓለመ ምኳኑ እዩ ዘመልክት።

እተን ንኣሽቱ ሰልፍታት ደእማ ምልክታት ዝነበራ እየን ዝመስላ።

ገሊኦም ቅድሚ እዚ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፡ ነቲ ሓጹር ንምድህሳስ ዕድል ዝፈጥሩ ድዮም ነይሮም ዝብል ግምት ኣለዎም።

በዚ ዳሕረዋይ ስርሒት፡ ሓማስ ከም ዕጡቕ ውድብ ዳግማይ መረጋገጺኡ ንምብራህ ድሌት ዘለዎ ይመስል።

ዛጊድ ኣብ ቻርተሩ ዝሰፈረ ዕላማምኡ፡ 'ንጥፍኣት እስራኤል ተወፋይነት' ሒዙ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ኣዛዚ ዕጡቓት ሓማስ መሓመድ ደይፍ፡ ኣብ ምጅማር እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፍልስጤማውያንን ካልኦት ዓረብን " ንጎበጣ [እስራኤል] ንምፅራይ" ኣብቲ ስጉምቲ ክጽንበሩ ጸዊዑ።

ሕጂ ዓቢ ሕቶ ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ዞባ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ንጻውዒቱ ክሰምዕዎ ድዮም ዝብል እዩ።

እስራኤል ብዘይጥርጥር ብዝተፈላለየ ግንባራት ክኽፈት ዝኽእል ተኽእሎተታት ኲናት ከምዘሎ እያ ትርዳእ።

እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ ድማ፡ ነቲ ሓያል ዕጡቕ ጉጅለ ሊባኖስ ‘ሂዝቦላህ’ ጎቲቱ ክስሕብ ይኽእል እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት እስራኤል ብብዝሒ ሰራዊት ክኸትት ኣዚዙ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘሎ ዀይኑ፡ ኣብኡ ናይ መሬት ስርሒት ክትገብር መደብ ከምዘለዋ ኣመልኪታ ኣላ።

ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ከም ሰብኣዊ መከላኸሊ ወይ ድማ ንዋጋ ዕዳጋ መዋገዪ ክጥቀሙሎም ተስፋ ዝገብሩሎም ጅሆ ዝሓዝዎም ወተሃደራትን ሲቪላትን እስራኤል ከቢድ ምትሕልላኽ ዝፈጥር እዩ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ነቲ ከባቢ ዳግማይ ኣብ ምቁጽጻር፡ ሰፊሑ መጥቃዕቲ ምግባርን ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ምቁፅፃር ተጸሚድና ኣለና" ክብል ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሪየር ኣድሚር ዳንኤል ሃጋሪ ገሊጹ።

"ኣዝዩ ርሱንን ዕሙቕ ዝበለን ገምጋም ክንገብር ኢና።"

ምሉእ ዳግመ ግምት ምግባር ገለ ርሕቀት ክህልዎ ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ ትካል ስለያን ጸጥታን እስራኤል ከመይ ጌሩ ነዚ ስጉምቲ ክመጽእ ከምዘይረኣዮን ከመይ ጌሩ ነዚ መጥቃዕቲ ክከላኸል ከምዘይከኣለን ንነብሱ ክሓትት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።