እስራኤል፡ ከቢድ መጥቃዕቲ ሓማስ ወሪዱዋ፤ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ ስለያዊ ፍሽለት' ተባሂሉ

መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሓማስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እስራኤል፡ ቀዳም ንግሆ ብኣሽሓት ሮኬታት ሓማስ ተጠቒዓን፡ ዕጡቓት ሓማስ ድማ ዶባት ደፊኦም ናብ እስራኤል ብምእታዎምን፡ ድሕሪ 1973፡ ኣብዚ 50 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ስለያውን ጸጥታውን ፍሽለት ከምዘጋጠማ ይግለጽ ኣሎ።

ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ልዕሊ 2500 ሮኬታት ናብ እስራኤል ድሕሪ ምትኳሱን ዕጡቓቱ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ምእታዎምን እስራኤል ኲናት ኣዊጃ።

ድሕሪ’ዚ ከቢድ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝኽእሉ ስጕምትታት ህጹጽ ምምኽኻር ኣካይዶም፤ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት እታ ሃገር "ንዂናት ድሉዋት ክዀኑ" ድማ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙን ተዋጋእቱ ናብ መሬት እስራኤል ድሕሪ ምእታዎምን እስራኤል ኲናት ኣዊጃ።

ድሕሪ እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ነታንያሁ "ኣብ ኲናት ኢና ዘለና" ብምባል ብዕጡቓት ሓማስ ኣንጻር ሃገሩ ኲናት ከምዝተጀመረ ኣዊጁ።

ዕጡቓት ሓማስ ቀዳም ንግሆ ካብ ምድረበዳ ቓዛ ናብ እስራኤል ብርቱዕ ሮኬታት ኣብ ዘዝነቡሉ እዋን፡ ተዋጋእቶም ነቲ ዶብ ሰጊሮም ናብ እስራኤል ከምዝኣተዉ ይግለጽ።

ቍጽሮም ዘይተገልጸ ተዋጋእቲ ሓማስ ዶብ ሰጊሮም ናብ እስራኤል ብምእታዎምን፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ሮኬት ምህራማን እስራኤል ኣቘጢዕዋ።

ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ጕጅልኡ ካብ ቓዛ ናብ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቝጸር ሮኬታት ከምዝተኮሱን፡ እቲ ፍልስጤማዊ ጕጅለ ድማ "ይኣክል ይኣክል ኢልና ወሲንና" ብምባል ንእስራኤል ከጥቅዓ ከምዝወሰነን ገሊጹ።

መጥቃዕቲ ጋዛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ህጹጽ ኣገልግሎት እስራኤል፡ ክሳብ ሕጂ ሁብዎ ብዘሎ ሓበሬታ በቲ መጥቃዕቲ ሮኬት ሓማስ ብውሕዱ 70 እስራኤላውያን ከምዝሞቱ ክሕብር እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ድማ ብውሕዱ 545 ሰባት ከምዝቘሰሉ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ከም ግብረመስሊ ናይዚ፡ እስራኤል ብዝወሰደቶ መጥቃዕ ብውሕዱ ብውሑዱ ክሳብ 198 ዝዀኑ ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱ ይንገር ኣሎ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ "ተራእዩ ዘይፈልጥ ዋጋ ክኸፍል'ዩ" ክብል ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ንምምላስ፡ ሰራዊት እስራኤል ሓያሎ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ቦታታት ሓማስ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ይፍጽማ ከምዘለዋ ኣፍሊጡ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ድማ ኣዋዲዱ።

ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተዋደደን ከቢድን መጥቃዕቲ ክሳብ ዝፍጸም፡ ትካላት ስለያን ጸጥታን እስራኤል ዝዀነ ይዅን ሓበሬታ ክቕበሉ ዘይምኽኣሎም፡ ሕቶታት ኣልዒሉ፡ ዓቢ መርመራ ከምዝተጀመረ ድማ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።