ሓይልታት ፀጥታ እስራኤል ሰለስተ ፍልስጤማውያን ቀቲሎም

እስራኤል ሰለስተ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝቐተለትሉ ጥቓ ጀኒን ዝተኣከቡ ፍልስጤማውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ሰለስተ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝቐተለትሉ ጥቓ ጀኒን ዝተኣከቡ ፍልስጤማውያን

ሓይልታት ፀጥታ እስራኤል ሚሊሻታት’ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ከም ዝቐተሉ ኣፍሊጦም።

እቶም ፍልስጤማውያን ኣብታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እትርከብ ሰሜናዊ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ጥቓ መዕቈቢ ስደተኛታት ጀኒን እዮም ተቐቲሎም።

እዚ መዕቈቢ ስደተኛታት፡ እስራኤል ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ።

እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ቦታ ካልእ ከቢድ ናዕቢ ከየስዕብ ተሰጊኡ ኣሎ።

ብዓርቢ፡ ዝተዓጠቝ ሰፈርቲ ኣይሁዳውያን፡ ንሓደ ቁሸት ፍልስጤማውያን ብምጥቃዕ ሓደ ፍልስጤማዊ መንእሰይ ተቐቲሉ። ኣብ ተልኣቪቭ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከኣ ሓደ ኣባል ፀጥታ እስራኤል ተቐቲሉ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ጕጅለ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ይኸይድ ነይሩ፣ ኣብ መኪንኦም ድማ ኣውቶማቲክ ጠበንጃ ተረኺቡ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ ሓይልታት ፀጥታ እስራኤል ንዝወሰዶ ስጕምቲ ንኢዱ።

“ንዓና ንምጥቃዕ ኣብ ልዕሊ ዝብገሱ፡ ስጕምቲ ምውሳድ ክንቅጽል ኢና። ኣብ ዝዀነ ቦታ፡ ኣብ ዝዀነ ሰዓት” ኢሉ።

ሓደ ፍልስጤማዊ ንሓደ ኣባል ፀጥታ እስራኤል ኣብ ተልኣቪቭ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ'ዩ፡ እዞም ሰለስተ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም።

ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ፍልስጤማዊ፡ ብሓደ ኣባል ፀጥታ እስራኤል ከምዝተቐተለ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፍልስጤም መሓመድ ሽታየህ፡ ገበነኛታት ካብ መቕጻዕቲ ከምዘየምልጡ እንተዝስምዖም ነይሩ ኣይምፈጸምዎን ብምባል፡ ነዚ ብሰንበት ዝተፈጸመ ቅትለት ሰለስተ ፍልስጤማውያን ኰኒኑ።

ዕጡቓት ጕጅለታት ፍልስጤም ድማ ነዞም ቅትለታት ብምኹናን፡ ሕነ ከም ዝፈዲ ተሓንዮም።

ወሃቢ ቃል ሓማስ፡ “ጸላኢ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ቀቲሉ ኣሎ፤ ንዝፈጸሞም ገበናት ዋጋኡ ከይረኸበ ኣየምልጥን” ክብል ተሓንዩ።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ኣባላት ዘለውዎ እስላማዊ ጂሃድ ብወገኑ፡ “ጸላኢ ንዝፈጸሞ ዕሽነትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ከቢድ ግብረመልሲ ክጽበዮ’ዩ” ኢሉ።

ብዓርቢ ሕሉፋት ሰፈርቲ ኣይሁዳውያን ኣብ ዌስትባንክ ናብ ዝርከብ ቁሸት ፍልስጤማውያን ብምኻድ፡ ንሓደ ወዲ 19 ዓመት ፍልስጤማዊ ቀቲሎም። ፖሊስ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ክልተ እስራኤላውያን ተኣሲሮም ይብል።

ዋሽንግተን ነቲ ብሕሉፋት ኣይሁዳውያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረሽበራዊ ክትብል ኰኒናቶ። ኣሜሪካ ከምዚ ዓይነት ተሪር ቋንቋ ተጠቒማ ነዚ ቅትለት ምኹናና፡ ምስ የማናዊ መንግስቲ እስራኤል ዘለዋ ርክብ ከም ዝሓርፈፈ ዘርኢ’ዩ።