ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን እናኸፍአ ይኸይድ 'ሎ፡ ስለምንታይ? መወዳእታኡ ኸ?

ግጭት ፍልስጤማውያንን እስራኤልውያንን

ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጤማያንን ኣብዚ ዓመት ዝጀመረ ጐንጺ፡ ብኽልቲኦም ወገን ዘስዕቦ ሞት ተወሲኽዎ እናኸረረ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ጉዳይ ግን ከመይ ኢሉ እዩ ዝተሓላለኽ ዘሎ? መወዳእታኡ ኸ ክፍታሕ ድዩ?

እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

መጥቃዕቲታት እስራኤል ፍልጤምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ጎንጺ ብቐንዱ ኣብቲ ብ1967 ኣብ እዋን ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ብእስራኤል ዝተታሕዘ ከባቢታት ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ እየሩሳሌምን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

እቲ መበገሲ ነጥቢ ኣካታዒ ኰይኑ፡ እቲ ግጭት ካብ መጋቢት 2022 ክጋደድ ጀሚሩ።

እስራኤል፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ብተኸታታሊ ኣዕናዊ መጥቃዕቲታት ፍልስጤማውያን ተናዊጻ፤ ሰራዊታ ድማ ከም ግብረመልሲ ዳርጋ ለይታዊ ዝግበር ወራራት ናብ ምዕራባዊ ገማግም ከካይድ ተራእዩ።

ብኸመይ እዩ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ?

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ ብሰንኪ’ቲ ብኽልቲኦም ወገናት ዝካየደ ዘሎ መጥቃዕቲ ሞት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ስዒቡ እዩ። እዚ እዋናዊ ተረኽቦ ፍሉይ ዝገብሮ ኸኣ፡ መጠን እቲ እቲ ግጭትን ማዕረኡ ዝዓቢ ዘሎ ቍጽሪ ግዳያትን እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ 146 ፍልስጤማውያን - ዕጡቓትን ሲቪልን - ብመጥቃዕቲታት እስራኤል ተቐቲሎም። እዚ ኸኣ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዝገብ ክሕዝ ካብ ዝጀመረሉ 2005፡ እቲ ዝዓዘዘ እዩ።

በቲ ኻልእ ወገን 29 እስራኤላውያን፣ ኣርባዕተ ካብኣቶም ሲቪል ሰባት ብመጥቃዕቲ ፍልስጤማውያን ወይ ኣዕራብ እስራኤላውያን ክቐተሉ እንከለዉ፤ ድሕሪ 2015 ንእስራኤላውያን እታ ዝኸፍአት ዓመት እያ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ’ዚ ዓመት ጥራይ፡ ብሰንኪ’ቲ ግጭትታት ድሮ 60 ፍልስጤማውያንን 14 እስራኤላውያንን ሞይቶም ኣለዉ።

እዚ ኣሃዝ፡ ብውሕዱ ምስ ተመሳሳሊ እዋን ‘ቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ለካቲት፡ ኣብ ናብሉስ ኣብ ዝተካያደ ሓደ ወራር እስራኤል ጥራይ 11 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉን ሓያለ ከም ዝተወግኡን ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ኣፍሊጡ።

ኣብ ጀኒን ኣብ ዝተኻየደ ብብረት ዝተኻየደ ምትዃስ’ውን 10 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም።

እስራኤላውያን እውን እዚ ግጭት ኣይሓደገሎምን፤ ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ምዅራብ [ቤተ-ጸሎት እስራኤላውያን] ኣብ ጥሪ ብዝተኻየደ ጥቕዓት፡ ሸውዓተ ሲቪላውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ለካቲት ኣብ ሓደ ነቝጣ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሲቪል ሰባት ተቐቲሎም።

በዚ ዘየቋርጽ ዕንክሊል ግጭት ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ኵነታት፡ ዳርጋ መዓልታዊ ብዙሓት ይቕተሉን ይቘስሉን ከም ዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ድርኺት’ዚ ግጭት እንታይ እዩ?

ሓደ ወገን ነቲ ካልእ ወገን ዝወቅስ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግጭት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መሰረታዊ ጠንቅታት ዘለዎ ምዃኑ ኣይሰሓትን።

ፍልስጤማውያን ደገፍቶምን፡ ኣንጻር ጐበጣን መጥቃዕቲታትን እስራኤል ይዋግኡን ቃልሲ ሕነ ምፍዳይ የካይዱ ከም ዘለዉን እዮም ዝገልጹ።

ገለ መጥቃዕቲታት በቶም “በይነ- ተዃሉ” ተባሂሉም ዝፍለጡ፡ ኣብ ውድባት ምንቅስቓሳት ከይተጠርነፉ በይኖም [ብውልቂ] ኣንጻር እስራኤል ዝዋግኡ ውልቀሰባት እዮም ዝካየዱ።

እስራኤል፡ ነዚ መጥቃዕቲ’ዚ ነቶም ንምዕራባዊ ገማግም ዘመሓድሩ ሰበስልጣን ምምሕዳር ፍልስጤም እያ ትወቅስ።

ካልኦት መጥቃዕትታት ድማ፡ በቲ ኣብ ጐደናታት ፍልስጤም ህቡብነት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ፡ እንተላይ እቲ ሓድሽ ዝተፈጥረ “ጕድጓድ ኣናብስ” ዝፍለጥ ስርሒታት ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት ጕጅለታት ይካየድ ኣሎ።

እስራኤል “ማዕበል ቍረጽ” [Break the wave] ኢላ ዝሰመየቶ፡ ወራርን ማእሰርትን ዘጠቓልል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እተካይዶ ዘላ ስርሒት፡ መጥቃዕቲ ደው ንምባል፡ ንዕጡቓት ጕጅለታት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ እያ ትገልጽ።

እቲ ወራራት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሉ መዓስከራት ስደተኛታትን ካልኦት ከተማታትን ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብኡ ድማ ካብ ዕጡቓት ተሪር ግብረመልሲ ይገጥሞን ተመሊሱ ጠንቂ ደማዊ ግጭት ይኸውን ምህላውን እዩ ዝርአ።

መወዳእታ ይህልዎ ዶ ይኸውን?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝኸውን ኣይመስልን።

እስራኤል ነቶም ዕጡቓት ጕጅለታት ንምድኻም፡ መጥቃዕቲታት ንምክልኻል ስርሒታታ ከምዘይተቋርጽ ክትገልጽ እንከላ፡ ፍልስጤማውያን ብወገኖም ነቲ ንተግባራትን ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓይሊን እስራኤል ምላሽ ይህቡ ምህላዎም ይዛረቡ።

ንዘላቒ ፍታሕ ተስፋ ዝህብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሰላም እውን የለን፤ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ቅርሕንቲ - ፍልስጤማውያን ሃገርነት እዮም ዝደልዩ፤ እስራኤል ከኣ ጸጥታዊ ውሕስነታ ከተረጋግጽ ትደሊ።

እቲ ኣብቲ ብእስራኤል ዝተጐብጠ ግዝኣት ንዑቕን ከም ተሓባባሪ እስራኤል ዝሕሰብን ምምሕዳር ፍልስጤም፡ ኣንጻር ዕጡቓት ዝዀነ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ሸውሃት ከምዘይብሉ እዩ ዝርአ።

ምኽንያቱ እዚ ስጕምቲ፡ ብነፍስወከፍ ፍልስጤማዊ ዘይድገፍን ንህላወኡ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ስለዝዀነ።

ተሪር መርገጽ ዝኽተል የማናዊ መንግስቲ እስራኤል፡ ኣንጻር ዓመጽ ፍልስጤማውያን ዝግበር ስጕምቲ’ውን የሐይሎ ኣሎ። እዚ፡ ምዕናው ኣባይቲን ምስጓጕን እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ምሕያል፡ ሰፈራታት ኣይሁድ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ምስፋሕን ዘጠቓልል እዩ።

እዚ፡ ኣብቲ ፍልስጤማውያን መጻኢ ሃገር ክምስርቱሉ ዝሃስቦ መሬት ዝግበር ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት ኣይሁድ፡ ሱር ናይቲ ምስ እስራኤል ዝጸንሖም ነዊሕ ግጭት ምዃኑ እዩ ዝርአ።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ሰፍራታት ዘይሕጋዊ እኳ እንተዀነ፡ እስራኤል ግን ትምጕት።

ሓደ ድብዝዝ ዝበለ ተስፋ ሂቡ ዘሎ፡ ብመንጐኝነት ኣሜሪካ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተኻየደ ድሕሪ ዓመታት ዝመጽአ፡ ንፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ገጽንገጽ ዘራኸበ ነቲ ወጥሪ ንምዝላቕ ዝዓለመ ዘተ እዩ።

እዚ ሰንበት ዝተኻየደ ዘተ፡ ኣብዚ ወርሒ መጋቢት ንኽልቲኦም ወገናት ዳግማይ ከራኽቦም ትጽቢት ይግበር።