እስራኤል መጥቃዕታ ኣብ እተሐይለሉ ቍጽሪ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን ይውስኽ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ንኣባላት ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ዒላማ ገይሩ ኣብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ 15 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ሓቢሩ።
ሓደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን እቲ መራሒ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ዝዀነ ተይሲር ጃባሪን ዝርከብዎም ሓያሎ ዕጡቓት ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ እዮም።
ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ኣስታት 300 ሮኬታትን ሞርታራትን ፍልስጤማውያን ናብ እስራኤል ከምዝተተኮሱ ሓደ በዓል ስልጣን እስራኤል ገሊጹ።
እስራኤል ነቲ ስርሒታት ዝጀመረቶ ካብ ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ዝወርድ "ቅጽበታዊ ስግኣት" ንምክልኻል ከምዝዀነ ትሕብር።
እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ፡ ካብቲ ኣብ ግንቦት 2021 ን11 መዓልታት ዝቐጸለን ልዕሊ 200 ፍልስጤማውያንን ብዙሓት እስራኤላውያንን ዝሞትሉ ጐንጺ ንደሓር፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ቓዛን ዝተፈጥረ ዝኸበደ ግጭት እዩ።
እስራኤል እቲ ‘ብሬኪንግ ዳውን’ ብዝብል መጸውዒ ዝተሰየመ ስርሒት ንሓደ ሰሙን ክጸንሕ ከምዝኽእል ተጠንቅቕ ኣላ።
ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ቓዛ ካብ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብተወሳኺ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዝተኻየደ ወፍሪታት ኣስታት 19 ኣባላት እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ከምዝተታሕዙ እስራኤል ሓቢራ።
ኣብ ቓዛ ደብዳብ ኣየር ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ኣብ ዘመልክቱሉ እዋን፡ ናብ ከተማታት እስራኤል ዝትኮሱ ሚሳይላት ብዝምልከት ናይ መጠንቀቕታ ደወል ትማሊ ቀዳም'ውን ይስምዑ ነይሮም።
ሰበስልጣን ጥዕና ፍልስጤም፡ ትማሊ ቐዳም ኣብ ጥቓ ካን ዩኒስ ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጾም።
ክሳብ ሕጂ ግን፡ እቲ ምስ እስላማዊ ጅሃድ ዝመሳሰል ስነ-ሓሳብ ዘለዎን መብዛሕትኡ ግዜ ተግባራቱ ምስኡ ዘወሃህድን ሓማስ ከምዝተኮሰ ዝገልጽ ሓበሬታ የለን።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ እስራኤል ንሓማስ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ኣየር ከምዝፈጸመት ዝገልጽ ጸብጻብ የለን። እዚ ድማ ነቲ ዓመጽ ከም ዘጋድድ ዘመልክት እዩ።
ሓማስ ብዓርቢ ምሸት፡ "ጕጅለታት ተቓውሞ" ሓድነት ከምዘለዎም ገሊጹ ነይሩ። ንቓዛ ስለዘመሓድር ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ግብራዊ ረቛሒታት ዝያዳ ካብ ምስታፍ ክዓግቶ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት ኣብ ቓዛ ናይ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ቍጽሪ ኣመና እንተወሲኹ ሓማስ ሓሳቡ ክቕየር ይኽእል።
ኣብቲ ግጭት ክኣቱ እንተወሲኑ ድማ እቲ ዅነታት ኣዝዩ ክጽንክር ተኽእሎታት ኣለዎ።
ነገራት ከምዚ እንተቐጺሎም፡ ነታ መብዛሕትኡ ግዜ ንእስራኤልን ቓዛን መንጐኛ እትኸውን ግብጺ ንዕርቂ ዝሓሸ ዕድል ክህባ ይኽእል እዩ።
ሰበስልጣን ካይሮ፡ ከም ኣካል ናይቲ መስርሕ፡ ብቐዳም ንወከልቲ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ክቕበሉ ይዳለው ነይሮም።
እስላማዊ ጅሃድ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ንዝተኣስረ ሓደ ካብ መራሕቱ ሕነ ከይፈዲ ኣብ ዝሰግኣሉ ዘሎ እዋን፡ እስራኤል ምስ ጋዛ ዘለዋ መሳገሪታታ ስለዝዓጸወት ህይወት ኣብ መሬት ፍልስጤም ድሮ ኣዝዩ ጸንኪሩ'ሎ።
ትማሊ ቐዳም፡ እታ እንኮ መደበር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቓዛ፡ ዝዀነ ዓይነት ቀረብ ነዳዲ ስለዘይረኸበት ከምዝተዓጽወት ወሃቢ ቓል እቲ ኩባንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገሊጹ ነይሩ።
ካብቶም ናብ እስራኤል ዝተተኮሱ ኣስታት 300 ሮኬታትን ሞርታራትን ኣስታት 70 ዝኹኑ ኣብ መሬት እስራኤል ከምዘይበጽሑን ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ከምዝዓለቡን ሓደ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
እቶም ዝበዝሑ ናብ ክሊ ኣየር እስራኤል ዝበጽሑ ድማ ብምክልኻል ሚሳይል ‘ኣይሮን ዶም’ ከምዝተዓገቱን፡ ኣብ እስራኤል ዝዀነ ይዅን ጉድኣት ከምዘይብጽሑን እቶም ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።
ኣስታት 30 ዝዀኑ ዒላማታት እስላማዊ ጅሃድ ከምዝተሃርሙን ካብዚኦም ክልተ መኽዘን ኣጽዋርን ሽዱሽተ መፍረ ሮኬትን ከምዝርከቡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ይገልጹ። እዞም መጥቃዕቲታት ግን ልዕሊ 120 ሰባት ከምዘቝሰሉ ሰበስልጣን ጥዕና ፍልስጤም ይሕብሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ያኢር ላፒድ ነቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ፡ "ኣንጻር ቅጽበታዊ ስግኣት ዝተወሃበ ልክዕ ዝዀነ ጸረ-ሽበራ ስርሒት" ክብል ገሊፅዎ'ሎ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቶም መጥቃዕቲ ምስ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ኣብ ዝተሓሓዙ ቦታት ዝተፈጸሙ ከምዝዀኑን ካብዚኦም ሓደ ድማ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ፓለስታይን ታወር ከምዝዀነ ሓቢሩ።
ናብ ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራን ጕዕዞ ዝገብር ዝነበረ ዋና ጸሓፊ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ዝያድ ኣልናካላ፡ "ነዚ ወራር ብሓይሊ ግብረ መልሲ ክንህበሉ ኢና፡ ህዝብና ዝዕወተሉ ቃልሲ እውን ክህሉ እዩ" ኢሉ።
እዚ ግጭት፡ እስራኤል ንመራሒ ናይቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከብ እስላማዊ ጅሃድ ከምዝዀነ ዝዝረበሉ ባሰም ሳዓዲ ምእሳራ ስዒቡ ዘጋጠመ እዩ።
ባሰም ሳዓዲ፡ 17 እስራኤላውያንን ክልተ ዩክሬናውያንን ኣብ ዝሞትሉ መስርሕ ኣብ ከባቢ ጀኒን እዩ ተታሒዙ።
ኣብ ቓዛ ካብ ዝንቀሳቐሱ ሓያላት ዕጡቓት ጕጅለታት ሓደ ዝዀነ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም፡ ብኢራን ዝድገፍ ኰይኑ፡ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶርያ ደማስቆ ይርከብ።
ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተተኮሰ ሮኬታት ሓዊሱ ንብዙሓት መጥቃዕትታት ተሓታቲ ከምዝኾነ ይንገር።
እስራኤል፡ ኣብ ቀረባ መጥቃዕቲ ክፍጽም መደብ ሒዙ ነይሩ ዝበለቶ ኣዛዚ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጢኤም ምቕታሉ ስዒቡ ኣብ ሕዳር 2019 እስራኤልን እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤምን ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ኣካይዶም ነይሮም።
ብሰንኪ እቲ ግጭት 34 ፍልስጤማውያን ክሞቱ ከለዉ 111 ድማ ቈሲሎም፤ 63 እስራኤላውያን ድማ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩሎም ነይሩ።
እስራኤል ካብቶም ዝተቐትሉ ፍልስጤማውያን እቶም 25 ሮኬት ክትኵሱ ተዳልዮም ዝነበሩ ዕጡቓት ምዃኖም ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







