እስራኤል፡ ኣዘዝቶም ዝተቐተሉዎም ሚልሻታት ሓማስ ናብ እስራኤል 130 ሮኬታት ተኲሶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል ኣብ ጋዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓማስ ብምሟቶምን ሓደ ነዊሕ ህንጻ ብምፍራሱን ሚልሻታት ሓማስ ናብ እስራኤል ብዙሓት ሮኬታት ተኲሶም።
ጸብጻባት ከም ዝሓበርዎ በቲ ንብዙሓት ከባቢታት ደቡባዊ እስራኤል ዝዓለመ ደብዳብ ሓደ ህጻን ከምዝተቐትለ ተፈሊጡ።
እቲ ብሰኑይ ዝጀመረ ጎንጺ እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ''ሙሉእ ኲናት'' ከይሰጋገር ኣጠንቂቑ።
እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅምር ኣብ ጋዛ 14 ህጻናት ዝርከቡዎም 65 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ብወገን እስራኤል ድማ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።
እቲ ጎንጺ ድሕሪ ኣብ ምብራቓዊ እየሩሳሌም ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያን ንሰሙናት ዝጸንሐ ምስሕሐብ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ቦታ ብዝተፈጠረ ዕግርግር እዩ ማዕቢሉ።
ኣይሁድን ኣዕራብን ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት እስራኤል ብዝተልዓለ ካልእ ጎንጺ ድማ 374 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተውን 36 ፖሊስ'ውን መጉዳእቲ ከም ዝበጸሖምን ፖሊስ እስራኤል ገሊጹ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ናብተን ጎንጺ ዘተኣናግዳ ዘለዋ ከተማታት ንፖሊስ ዝሕግዙ ወታሃደራት ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ከም 'ስርዓት ኣልቦነት' ከምዝቑጸሩ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ፡ ብኣይሁድን ኣዕራብን ዝተፈጸሙ ናይ ጉጀለ ምጥቕቓዓት ምኽንያታዊ ከምዘይኮኑ ትማሊ ንሚድያታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡
ሚልሻታት ፍልጤም ካብ ሰኑይ ምሸት ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲታት ሮኬት ዘካይዱ ዘለዉ ኮይኖም፡ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዒላማታት ሓማስ ደብዳብ ተካይድ ኣላ፡፡
ዛጊድ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መጥቃዕቲታት ሮኬትን ደብዳብ ነፈርትን ተፈጺሞም ኣለዉ፡፡
ብጉጅለ ሓማስ ዝመሓደር ኣብ ጋዛ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅመር 65 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 360 ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ ኣሎ።

ትማሊ ረቡዕ ዘጋጠመ እንታይ እዩ?
ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ሚልሻታት፡ ናይቲ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ዝዓነወ ህንጻ ኣል-ሻሩክ ግብረ መልሲ ናብ እስራኤል 130 ሮኬታት ከምዝተኮሱ ይገልጹ፡፡
እዚ ህንጻ መደብር እቲ ብሓማስ ዝውነን ቴሌቪዥን ኣል-ኣቅሳ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን ብደብዳብ እስራኤል ዝዓነወ ሳልሳይ ህንጻ እዩ፡፡
ኣብ ጋዛ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓማስ ከም ዝቐተለት እትገልጽ እስራኤል፡ ሚሳኤል ዝትኮሱሎም ዝነበሩ ቦታታት እውን ዒላማ ከም ዝገበረት ትገልጽ፡፡
ሓማስ ላዕለዋይ ኣዛዚኡን ካልኦት ኣመራርሓን ከም ዝሞትዎ ኣሚኑ ኣሎ፡፡
ትማሊ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጋዛ ዝፍጽመዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ካብ 2014 እዚ እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ንሳቶም ቅድሚ መጥቃዕቲታት ኣየር ምፍጻሞም ህዝቢ ካብቶም ህንጻታት ክወጽኡ ኣጠንቂቕና ኢና'ኳ እንተበሉ፡ ሰብስልጣን ጥዕና ግና ሞት ሰላማውያን ሰባት ከም ዘሎ እዮም ዝገልጹ፡፡
ብሰሉስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሓሙሽተ ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ከም ዝተቐተሉ ወኪል ዜና ኤ ኤፍ ፒ ጸብጺቡ ነይሩ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







