ቢትኮይን፡ ቴስላ ቢትኮይን ኣብ ክሊማ ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ብምስጋእ ከም ዘይቕበሎ ኣፍሊጡ

ኢሎን ሙስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢሎን ሙስክ

ቴስላ ብሓደ ካብ ዲጂታላዊ ባጤራታት ዝኾነ ቢትኮይን መካይን ክሻይጥ ዝነበሮ መደብ ኣወንዚፉዎ።

እዚ ብምኽንያት ቢትኮይን ኣብ ክሎማ ከስዕቦ ዝኽልእ ዕንወት ብምስጋእ ከም ዝኾነ መስራትን ላዕለዋይ ሓላፍን ቴስላ ኢላን ማስክ ብትዊተር ሓቢሩ።

ኢላን ማስክ ነቲ ምስ ጸሓፈ ኣብ ዕዳጋ፡ ዋጋ ቢትኮይን ብ10 ሚኢታዊት ከም ዝጎደለን ዋጋ መሸጣታት ብርኪ ናይ ቴስላ'ውን ብተመሳሳሊ ዋግኡን ጠለቡን ከም ዝነከየን ተገሊጹ።

ቴስላ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ትካሉ መኪና ክገዝኡ ዝደልዩ ሰባት ብቢትኮይን ክኸፍሉ ከም ዝኽእሉ ምስ ሓበረ ካብ ብዙሓት ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ዓቢ ተቓውሞ ኣጓኒፍዎ'ዩ።

ኢላን ማስክ፡ "ምዕዳን ቢትኮይን [Bitcoin mining] ብዙሕ ሃልኪ ከሰል ዘድልዩ እዩ፤ እዚ ኸኣ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዓቢ ኣሉታዊ ግደ ኣለዎ። ብርግጽ ዲጂታላዊ ባጤራ [ክሪፕቶካረሲ] ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፤ ብዋጋ ክሊማዊ ብከላ ግን ክኸውን የብሉን" ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ እተን ትካሉ ዘፍርየን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን፡ ብቢትኮይን ከም ዘይሸየጣ ብምግላጽ ምዕዳን ቢትኮይን ብተተካኢ ጽዓት ምስ ተቐየረ ግን ናብ ሓሳቡ ከም ዝምለሰ ገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ተንተንቲ ስነ ከባቢ ውሳነ ኢላን ማስክ ነቶም ብዛዕባ ክሌማዊ ለውጢ ዝጠባቑ ክኢላታት ስነ ከባብን ተጠቀማንነት ተተካኢ ጸዓት ዘተባብዑን ዓቢ 'ደበስ'ዩ' ይብሉ።

ተንታኒት ጁልያን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ምውህሃድ ከባብያዊ፣ ማሕበራውን መንግስትን ንኣውፈርቲ ኣዝዩ ጸላውን ኣተባባዕን እዩ። ቴስላ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ከም ምዃኑ መጠን ንከባብያዊ ብከላ ተረዲኡ እዚ ምውሳኑ ነቶም ብስነ ከባቢ ዝግደሱ ሞሳ'ዩ" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቴስላ ኣብ ቢትኮይን ምስ ኣውፈረ ኣብ ሰለስተ ወርሒ 438 ሚልዮን ዶላር ከም ዝረኸበ እዩ ተገሊጹ ነይሩ።

ኢላን ማስክ ኣብ ዓለምና ኣብ ዲጂታላዊ ባጤራ ዝለዓለ ወፍሪ ዝገበረ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።

ቢትኮይንን ክሊማዊ ለውጥን እንታይ'ዩ ዘተሓሕዞም ዘሎ?

ዕደና ቢትኮይን፡ ዓቢ ጽዓትን ማዕድንን ብዘድልየን ኮምፒተራት እዩ ዝካየድ።

ሓንቲ ቅማረ ንምስራሕ ኸኣ ብዙሓት ዓደንቲ [ማይነርስ] እዮም ኣብ ሓደ ግዜ ዝወዳደሩ።

በዚ ምኽንያት ብዙሕ ጸዓት ይሃልኽ ማለት እዩ።

እተን ዓቢ ጽዓት ዘድልየን ኮምፒተራት ወይ ኤሌክትሪክ እየን ዝጥቀማ፤ እቲ ኤለትሪክ ኸኣ ወይ ብነዳዲ ወይ ኸኣ ብፈሓም እዩ ዝምንጮ።

ዕደና ቢትኮይን እቲ ዝበዝሐ ኣብ ቻይና ዝካየድ ኮይኑ፡ ቻይና ሓንቲ ካብተን ንዕደና ቢትኮይን ዘይተተባብዕ ሃገር እያ።

ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገበረ መጽናዕቲ 75 ሚኢታዊት ናይ ዕደና ቢትኮይን ኣብ ቻይና እዩ ዝካየድ።

እቲ ንዕደና ቢትኾይን ዝሃልኽ ጸዓትን ናብ ኣየር ዝበንን ካርበንን ክንዲ ዓሰርተ ዓበይቲ ከተማታት ቻይና ዘህልኸኦ ጽዓትን ናብ ኣየር ዘህፍፍኦ ካርበንን ከም ዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገበረ መጽናዕቲ ኣነጺሩ።

መግለጺ ቪድዮ, 'ክሪፕቶካረንሲ' ኣዘራራቢ ዲጂታላዊ ባጤራ።