ክሪፕቶካረንሲ፡" መቐጸልታ ናይዚ ዘሎ ቴክኖሎጂ'ዩ" ኣቶ ተስፋይ ተኽለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Tesfai Tecle
ወዲ ሰብ ንግዳዊ ምልውዋጥ ኣብ ዝጀመረሉ ብብደላ ጀሚሩ ናብ ጥረ ገንዘብ'ዩ ሰጊሩ። ኣብ ገንዘብ'ውን ካብ ሰናቲም ናብ ወረቐት፡ ካብ ወረቐት ናብ ስማርት ካርድ ካብ ስማርት ካርድ'ውን፡ ካብን ናብን ሰልዲ ንምትሕልልላፍ ብሞባይላት ይጥቀም ኣሎ።
ክሪፕቶከረንሲ እውን (ዲጂታላዊ ባጤራ) ናይ ሓጺን ሳናቲም ይኹን ኣቕራሽ ዘየድልዮ ኮይኑ፡ ኣብ ስርዓተ ገንዘብ መቐጸልታ ናይ'ዚ ዘሎ ቴክኖሎጂ ምዃኑ'ዩ ኤርትራዊ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ዝሕብር።
ኣቶ ተስፋይ ተኽለ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግዝኣት ቴክሳሰ ዝነብር ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ብኢንተርኔት ኣብ ዝግበር ንግዳዊ ልውውጥ ዝነጥፍ ዘሎ'ዩ።
ኣብ ሓደ ካብ ዲጂታላዊ ባጤራ ዝኾን ቲቢሲ [TBC (The Billion Coin)] ከኣ ማሉ ብሰፊሑ ኣውፊሩ ከም ዝርከብ ይሕብር።
"ዲጂታላዊ ባጤራ ካብ ዝኾነ ሳልሳይ ኣካል ምትእትታው፡ ናጻ ብዝኾነ መገዲ ገንዘብካ ክትቆጸሮ ዘፍቕድ'ዩ" ይብል።
ኣብ ዲጃታላዊ ባጤራ ካብን ናብን፡ ክንዲ ዝደለኻዮ መጠን ገንዘብ ከተሳግር ከም ዝከኣል'ዩ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ዝሕብር።
"ኣብዚ እዋን ኣብዚ ዘሎ ኣካይዳ፡ ሰልዲ ካብን ናብን ንኸተሰጋግር፡ ካብ ባንኪ ናብ ባንኪ ወይ ብከም ብዓል ዌስተርን ዩንየን፡ ማኒ ግራምን ካልእን ዝኣመሰላ ክትጥቀም ኢኻ ትግደድ" ድሕሪ ምባል።
"እዚ ከኣ ናትካ ገንዘብ ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይተን ባንክታት ንኽህሉ ዘገድድ'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Tesfai Tecle
"ኣብ ክሪፕቶካረንሲ ግን፡ ክንደይ ኣለካ ትፈልጥ ንስኻ ኢኻ፡ ክንደይ ሰዲድካን ተቐቢልካን ዝፈልጥ ከኣ ንስኻን ኣቲ ሰዳዲ ወይ ተቐባሊ ጥራይ ኢኹም"ይብል።
ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ብተወሳኺ፡"ሃገራት፡ ኣብ ዓመት ባጤራ ንምሕታም ዘውጽአኦ ወጻኢታት እንተርኢና ማእለያ የብሉን" ብምባል ዲጂታላዊ ገንዘብ ንሃገራት ካብዚ ወጻኢታት እዚ ዘናገፈ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ዝገብርኦ ምቁጽጻር ዘላሕልሕ ሰለ ዝኾነ ብስግኣት ከም ዝጥምተኦ የብርህ።
ብዙሓት ሃገራት ነዚ ዲጂታላዊ ባጤራ ኣንጻር ረብሓ ኣታዊታት መንግስቲ ዝቆመ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ኣይሃበኦን።
እንተኾነ፡ ብዙሓት ውልቀ ትካላት ፍርቑ ብጥረ ገንዘብ ፍርቁ ብድጂታላዊ ባጤራ ክቕበላ ጀሚረን ምህላወን፡ እዚ ተርእዮ ዲጂታላዊ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ዝረኽበሉ ርሑቕ ዘይምዃኑ'ዩ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ዝሕብር።
ኣቶ ተስፋይ ተኽለ "ስማርት ካርድ ክጅመር እንከሎ ብዙሕ ሰብ ብጽቡቕ ኣይተቐበሎን፡ ክሪፕቶከረንሲ'ውን ኣብዚ ደረጃ እዚ እዩ ዘሎ" ይውስኽ።
ክሪፕቶከረንሲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ዘለዎ ኮይንካ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ እዋናዊ ዛዕባ እዩ።
ዳይሬክተር ኢሮፖል፡ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዓመታዊ 3-4 ቢልዮን ፓውንድ ብመልክዕ ዲጂታላዊ ባጤራ (ክሪፕቶከረንሲ) ምስግጋር ገንዘብ ከም ዝግበር ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ፡ ነዚ መጠን እዚ ብምዕዛብ ከኣ ስፍሓቱ ልዕሊ እቲ ዝግመት ምዃኑ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ይገልጽ።
"ክሪፕቶከረንሲ፡ ንዝበዝሐ ድኻ ሕብረተሰብ ክጠቅም ዝኽእል ቴክኖሎጂ እዩ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ድኻ ክሳብ ዝኾነ ከኣ ነቲ ዝበዝሐ ኣገዳሲ ክኽውን'ዩ" ክብል ይውስኽ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ።
ፌስቡክ'ውን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ግልጋሎት ዲጂታላዊ ባጤራ ንምጅማር መደባቱ ኣብ ምጽፋፍ ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጡ'ዩ።
ፌስቡክ ኣብ ሓበሬትኡ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2020 ጀሚሩ ኣብ ኣስታት 12 ሃገራት ዲጂታላዊ ናይ ኣካፋፍላ ስርዓት ከም ዝጅምር ሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ዓርሞሽሽ ናይ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝኾነ ፌስ ቡክ ነዚ ክጅምሮ ወጢንዎ ዘሎ 'ዲጂታላዊ ባጤራ ግሎባል ኮይን' ኢሉ'ዩ ሰምይዎ ዘሎ።
ፌስቡክ ዝርዝር መደባቱ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝዝርግሕ ድሕሪ ምሕባር፡ ንውጥናቱ ኣመልኪቱ መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ ኣብ ዕድላትን ስግኣታትን ምዝርጋሕ ዲጂታላዊ ባጤራ ኣመልኪቱ ምስ ሓላፊ ባንኪ ዓዲ እንግሊዝ ማርክ ካርኒ፡ ከም ዝዘተየ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክሪፕቶከረንሲ ካበይ ኢና ንረኽቦ?
ኣቶ ተስፋይ ተኽለ፡ ዝተፈላለያ ዓይነት ክሪፕቶካረንሲ ከምዘሎን ኣብ ኣሰራርሕኡ ዝፈላልዮን ዘመሳስሎን ነገራት ከም ዘለዎ ይሕብር።
"ንኣብነት ቲቢሲ እንድሕር ወሲድና፡ ዓቕሚ ኣባላቱ እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ፡ ዋግኡ ከኣ እናወሰኸ ይኸይድ፡ ኣብ ቢትኮይን ከኣ ዋግኡ ኣብ ክብን ለጠቕን ናይ ዕዳጋ ዝሙርኮስ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ ንኹሎም ዘመሳስሎም፡ ሓጺናውን ወርቐትን ሰልዲ ዘይጥቀሙ፡ ምትእትታው ከም ባንክን መንግሰትን ዝኣመሰሉ ሳልሳይ ኣካል ከም ዘይብሎም የሕብር።
"ዲጂታላዊ ባጤራ በዚ ዘሎ ዓለማዊ ባጤራ ገይርና ካብ ዲጂታላዊ ባጤራ ዘለዎ ሰብ ኢና ንገዝኦ" ይብል።
ኣብ ዕዳጋ ከይድና ብምኢቲ ዶላር እንገዝኦ ንብረት፡ ብመጠነ ሸርፊ 100 ዶላር ናብ ዲጂታላዊ ባጤራ ገይርና'ውን ክንገዝኦ ንኽእል ኢና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዲጂታላዊ ባጤራ ምጥቀምከ እንታይ ስግኣታት ኣለዎ?
ምርሳዕ 'ምስጢራዊ ቑጽሪ'
ኣብ ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ምስ ኢመይል ተታሓሒዙ ኣብ ኮምፒዩተር ወይ ኣብ ሞባይል ብ'ፓስዎርድ' (ምስጢራዊ ቁጽሪ) ዓጺና ዝተሓዝ ኮይኑ፡ በቲ ትጥቐመሉ ዓይነት ዲጂታላዊ ባጤራ ዝተዳለወ መተግበሪ ብምጥቓም ከኣ ንጥፈታትካ ከተሳልጥ ይከኣል።
እቲ ናብ መተግበሪ ዲጂታላዊ ባጤራ ንኽትኣቱ እትግልገለሉ 'ፓስዎርድ' ምስ እትርስዖ ግን ሕለኽላኻት ዝፈጥር እዩ።
ጉዳይ ውርሻ
ኣብ ባንኪ ዘቐመጥካዮ ጥረ ሰልዲ ክንደይ ምዃኑ'ውን ኣይትፍለጥ፡ ድሕሪ ሞት ወናኒ እቲ ሕሳብ ንስኻ ቀዳማይ ወራሲ ምስ እትኸውን፡ ናይ ውርሻ ሰነዳትካ ኣቐሪብካ ነቲ ኣብ ባንኪ ዘሎ ሰልዲ ዋንነትካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ዲጂታላዊ ገንዘብ ግን፡ ወናኒ ዲጂታላዊ ባጤራ ብሂወት እንከሎ 'ፓስዎርድ' ዘለዎ ምሉእ ሓበሬታ ምስ ዘይገድፈልካ፡ ወራሲ ክንስኻ እቲ ገንዘብ ክትረኽቦ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። ምስ ዝገድፈልካ ግን ናብ ሳልሰይ ኣካል ከይከድካ እቲ መስርሕ ክፍጸም ይኽእል።
ቴክኖሎጂያዊ ሓደጋታት
ዓለም ብቴክኖሎጂ ኣብ ትምርሓሉ ዘላ እዋን፡ ባንክታት ቴክኖሊጂካዊ ኣገባብ እናተጠቐማ፡ ከም መሐለውታ ሕሳባተን ብጽሑፍ ዘቐምጣሉ ኣገባባት ኣለወን፡ መን ይፈልጥ ቴክኖሎጂ ዘይከምቲ ቀስ እናበለ ዝመጾ፡ ሃንደበት ግብ ክብል ይኽእል እዩ።
ኣብ ክሪፕቶካረንሲ ግን ነዚ ክፍተት ዝደፍን ኣገባብ የብሉን፡ ክንደይ ዝኣክል ሰልዲ እዩ ዘለካ ብዘየገድስ ስርዓተ ኮምፒዩተር ደው ምስ ዝብል፡ ዘለካ ሕሳብ ደው'ዩ ዝብል።
እዚ ስለ ዝኾነ'ዩ ኣብ ክሪፕቶካረንሲ፡ 'ኢንተርኔት ኣብ ዘይብሉ ገንዘብ የብልካን ዝብሃል'።
ግዳይ መታለልቲ
ኣብ ክሪፕቶካረንሲ፡ እቲ ዝገዝእን ዝሸይጥን ብኣካል ዘይፋለጡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ወረ መብዛትኡ እዋንሲ ኣይፋለጡን'ዮም፡።
መብዛሕትኡ ምሻጥን ምዕዳግን ብመስርሕ ኢንተርኔት ስለ ዝግበር ከኣ፡ ቅኑዕ ካብ ዘይቅኑዕ ኣብ ምፍላይ ጥንቃቕ ይሓትት እዩ።
እዚ ልዑል ጥንቃቐ ምግባር ዝጎደሎም ተጠቀምቲ ከኣ ግዳይ መታለልቲ ኮይኖም ሰልዶም ኣብ ማይ ኣትዩ'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







