ኢሎን መስክ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ቢትኮይን ድሕሪ ምዕዳጉ ዋጋ እቲ ዲጂታዊ ባጤራ ዓሪጉ

ቢትኮይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወናኒ ኩባንያ ተስላ፡ ኢሎን መስክ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ቢትኮይን ከም ዝዓደገን፡ ኣብ መጻኢ፡ ክፍሊት ብቢትኮይን ክቅበል ከምዝኽእልን ኣተንቢሁ።

እቲ ዜና ድሕሪ ምቅልሑ፡ ዋጋ እቲ ዲጂታዊ ባጤራ 17% ወሰኽ ብምርኣይ ቅድሚ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ዋጋ ማለት 44220 ዶላር በጺሑ ኣሎ።

ኩባንያ መፍረ መካይንን ዝኾነ ተስላ፡ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሳት እቲ ኩባንያ ኣድላዪ ዘይኮነ ጥረ ገንዘብ ተዋፊሩ ዝሓሸ ኣታዊ ዝርከበሉ መገዲ ክደልይ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።

ኢሎን መስክ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ትዊተሩ ‘#ቢትኮይን’ ድሕሪ ምግባሩ ዋጋ ቢትኮይን ክውስኽ ተራእዩ።

ንሱ ጸኒሑ ነቲ ጽሑፍ ካብ ናይ ትዊተር ገጹ እንተኣለዮ’ውን ብዛዕባ ቢትኮይንን ካልኦት ዲጂታዊ ባጤራታትን ምጽሓፍ ቀጺልዎ እዩ።

ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ቢትኮይን ከም ዝዓደገ ዝገለጸ ኩባንያ ተስላ፡ ኣብ መጻኢ “ዲጂታዊ ርእሰ-ማል ከጥርይ” ተኽእሎ ምህላው ሓቢሩ።

“ብዘይካ’ዚ ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ኣብ ዕዳጋ ንዝቐርቡ ፍርያትና ዝዕድጉ ኣካላት ክፍሊት ብቢትኮይን ክንቅበል ክንጅምር ተስፋ ኣሎና” ኢሉ።

ኢሎን መስክ ቅድሚ ሰሙን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቢትኮይን ኣብ ብዙሓት ኣውፈርቲ ዝያዳ ተቐባልነት ይረክብ ምህላው ገሊጹ ነይሩ።

ገለ ተንተንቲ እዚ ወፍሪ ናይ ተስላ ኣብ ዓውዲ ዲጂታዊ ባጤራ ዓቢይ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ምዃኑ ይነግሩ።

ኣብ መርበብ Markets.com ዋና ተንታኒ ዝኾነ ኔይል ዊልሰን ግና ቢትኮይን “ኣዝዩ ተኣፋፊ” ዲጂታዊ ባጤራ ምዃኑ የጠንቅቕ።

“ተስላ ሕጂ ዓቢይ ሓደጋ እዩ ዝገጥም ዘሎ- እዚ ምናልባት ንብዙሓት ኣውፈርቲ ዘየሻቕል ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንገለ ዓቃባውያን ስክፍታ ክፈጥር እዩ” ይብል።

መግለጺ ቪድዮ, "ብቢትኮይን ሓደ ሚልዮን ዶላር ረኺበ"

ቢትኮይን እንታይ'ዩ

ቢትኮይን ማለት ብቕልል ዝበለ ቀንቋ፡ ዲጂታል + ባጤራ + ትውጊት ኢልና ክንገልጾ ንኽእል።

ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዚሰፈሩ ገንዘብ'ዩ።

እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእከሉን ቀጥታዊ ምቁጽጻር ዘይግበረሎም ምዃኖም'ዩ።

ንኣብነት ቢትኮይን ብሓደ 'ማይኒንግ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ ዝፍጠር ኮይኑ፡ ብመርበብ ዝተኣሳሰሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኮምፒተራት ይቆጻጸርዎ።

እቶም ንቢትኮይን ክሪፕቶካረንሲ ዝፈጠሩ ሰባት ኣብ ምሉዕ ዓለም 21 ሚልዮን ቢትኮይናት ክፍጠሩ ገደብ ከም ዘንበሩ ይእመን። ክሳብ ሕጂ ድማ 17 ሚልዮን ቢትኮይናት 'ማይን' ከም ዝተገብሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መግለጺ ቪድዮ, 'ክሪፕቶካረንሲ' ኣዘራራቢ ዲጂታላዊ ባጤራ።