ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ብዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት ኣስታት 50 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሓይልታት እስራኤል ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዘካየድዎ ደብዳብ ኮኒኑ።
ሙሳ ፋኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ዮርሳሌም ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ክጽልዩ ዝመጹ ኣመንቲ ዘካየድዎ "ጎነጻዊ መጥቃዕቲ" ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።
"[ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ] ነቲ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝተኻየደ፡ ልዕሊ 21 ፍልስጤማውያን ዝቐተለ ደብዳባትን፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ከምልኹ ዝተኣከቡ ዝወሰድዎ ጎነጻዊ መጥቃዕቲን ኮኒኑ" ይብል እቲ በቲ ሕብረት ዝወጸ መግለጺ።
ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ተቓወምትን ብሰኑይ ከምብሓድሽ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ብውሕዱ 43 ፍልስጤማውያንን 6 እስራኤላውያንን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, AFrican Union website
ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ልዕሊ 1000 ሮኬታት ናብ እስራኤል ከምዝተኮሱን፡ እስራኤል ብወገና ብኣማኢት ዝቑጸር ደብዳባት ነፈርቲ ኣብታ ብጉጅለ ሓማስ እትመሓደር ወሽመጥ ብምክያድ፡ ዓበይቲ ህንጻታት ከምዘዕነወት ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብቲ ግጭት ዛጊት 13 ፍልስጤማውያን ሞይቶም ምህላዎም ተፈሊጡ። ሓደ ወዲ 52 ዓመት እስራኤላዊ ኣቦ ምስ 16 ዚዕድሚኣ ጓሉ በቲ ዝተተኮሰሎም ሮኬት ከምዝተቐትሉ'ውን ተገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ ኩነታት ናብ ቅሉዕ ኲናት ከየምርሕ ስግኣቱ ገሊጹ'ሎ። ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናት፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ነቲ ረጽሚ ከህድእዎ ይጽውዑ ኣለዉ።
እንተኾነ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ብእስራኤል ዝተዋህበ ግብረመልሲ "ናይ መጀመርታ ጥራይ" ምዃኑ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል በኒ ጋንትዝ ኣጠንቂቑ'ሎ።
መራሒ ሓማስ ኢስማዒል ሃኒየህ ብወገኑ፡ "እስራኤል ነቲ ኩነታት ከተዕርጎ እንተደልያ፡ ድልዋት ኣለና፡ ደው ከተብል እንተደልያ'ውን ድልዋት ኢና" ክብል ተዛሪቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







