ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ብዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት ኣስታት 50 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ቃዛ ዝተኻየደ ደብዳብ እስራኤል ዝፈጠሮ ትኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ብወገና ብኣማኢት ዝቑጸር ደብዳባት ነፈርቲ ኣብታ ብጉጅለ ሓማስ እትመሓደር ወሽመጥ ቃዛ ኣካይዳ

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሓይልታት እስራኤል ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዘካየድዎ ደብዳብ ኮኒኑ።

ሙሳ ፋኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ዮርሳሌም ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ክጽልዩ ዝመጹ ኣመንቲ ዘካየድዎ "ጎነጻዊ መጥቃዕቲ" ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።

"[ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ] ነቲ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝተኻየደ፡ ልዕሊ 21 ፍልስጤማውያን ዝቐተለ ደብዳባትን፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ከምልኹ ዝተኣከቡ ዝወሰድዎ ጎነጻዊ መጥቃዕቲን ኮኒኑ" ይብል እቲ በቲ ሕብረት ዝወጸ መግለጺ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ተቓወምትን ብሰኑይ ከምብሓድሽ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ብውሕዱ 43 ፍልስጤማውያንን 6 እስራኤላውያንን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ሙሳ ፋኪ ማሓማት

ምንጪ ስእሊ, AFrican Union website

መግለጺ ስእሊ, ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ

ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ልዕሊ 1000 ሮኬታት ናብ እስራኤል ከምዝተኮሱን፡ እስራኤል ብወገና ብኣማኢት ዝቑጸር ደብዳባት ነፈርቲ ኣብታ ብጉጅለ ሓማስ እትመሓደር ወሽመጥ ብምክያድ፡ ዓበይቲ ህንጻታት ከምዘዕነወት ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብቲ ግጭት ዛጊት 13 ፍልስጤማውያን ሞይቶም ምህላዎም ተፈሊጡ። ሓደ ወዲ 52 ዓመት እስራኤላዊ ኣቦ ምስ 16 ዚዕድሚኣ ጓሉ በቲ ዝተተኮሰሎም ሮኬት ከምዝተቐትሉ'ውን ተገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ ኩነታት ናብ ቅሉዕ ኲናት ከየምርሕ ስግኣቱ ገሊጹ'ሎ። ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናት፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ነቲ ረጽሚ ከህድእዎ ይጽውዑ ኣለዉ።

እንተኾነ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ብእስራኤል ዝተዋህበ ግብረመልሲ "ናይ መጀመርታ ጥራይ" ምዃኑ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል በኒ ጋንትዝ ኣጠንቂቑ'ሎ።

መራሒ ሓማስ ኢስማዒል ሃኒየህ ብወገኑ፡ "እስራኤል ነቲ ኩነታት ከተዕርጎ እንተደልያ፡ ድልዋት ኣለና፡ ደው ከተብል እንተደልያ'ውን ድልዋት ኢና" ክብል ተዛሪቡ።