ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ ጎንጺ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ብዙሓት ተጎዲኦም

ጎንጺ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ሞንጎ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ኣብ እየሩሳሌም ብዝተወለዐ ጎንጺ ብዙሓት መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም።

ተቓወምቲ ናብ ፖሊስ ኣእማን ክድርብዩ ከለዉ ፖሊስ ድማ መንብዒ ጋዛት፣ ናይ ጎማ ጠያይትን ኣድማ መበተኒ ማይን ተጠቒሞም።

ሰብሞያ ሕክምና ፍልስጤም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ 90 ፍልስጤማውያን ከምዝቖሰሉ ገሊጾም፤ ፖሊስ እስራኤል ብወገኑ ሓደ ኣባሉ ከምዝቖሰለ ኣፍሊጡ።

ፍልስጤማውያን ካብቲ ኣይሁዳውያን ዝነብሩሉን ናትና ዝብልዎን መሬት ክወጽኡ ክግበር ከምዝኽእል ምስተገለጸ ንዝተፈጠረ ወጥሪ ስዒቡ ከምዝተጓሃሃረ ይግለጽ።

ብዓርቢ ኣብ ዝነበረ ጎንጺ ልዕሊ 200 ፍልስጤማውያንን ብውሕድ 17 ኣባላት ፖሊስ እስራኤልን ኣብ ጥቓ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ከምዝቖሰሉ ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋን ፖሊስን ሓቢሮም።

ኣብ እስራኤል ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ኣብታ ሃገር ኣምልኾ ካብ ዝፍጸመሎም ኣዝዮም ዝኽበሩ ቦታት’ዩ።

ንጁደይዝም እውን ሓደ ካብ ቅዱሳት ስፍራታቶም ከምዝኾነ ይዝረብ።

ኣደራደርቲ ማእኸላይ ምብራቕ ዝኾኑ ኣሜሪካ፣ ሩስያን ሕቡራት ሃገራትን በቲ ዝጓሃሃር ዘሎ ዓመጽ “ኣዝዮም ከምዝተሻቐሉ” ትማሊ ቀዳም ገሊጾም።

ብኻልእ ገጽ ድማ ሚሊሻታት ፍልስጤም ካብ ጋዛ ናብ እስራኤል ሮኬት ከምዝተኮሱ ሚንስትሪ ምክልኻል እስራኤል ትማሊ ቀዳም ኣፍሊጡ።

“ናይዚ ግብረመልሲ ከኣ ነፈርትና ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ዝርከብ ወተሃደራዊ ስፍራ ሃማስ ኣጥቂዐን ኣለዋ” ኢሉ እቲ ሚንስትሪ ብትዊትር ኣብ ዝጠቅዖ መልእኽቲ።

ብወገን ሚንስትሪ ምክልኻል ነቲ ናብ እስራኤል ዝተተኮሰ ሮኬት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተወሃበን፤ ማዕኸናት ዜና እስራኤል ግን ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ከምዝዓለበን ዘስዓቦ ጉድኣት ኮነ ዕንወት ከምዘየለን ጸብጺበን።

እቲ ናይ ትማሊ ጎንጺ ኣብ ደማስቆ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ መእተዊ ዝተወለዐ ከምዝኾነን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ኣብ መስጊድ ኣል-ኣሽቃ ምስ ደገዱ ከምዘጋጠመን ተፈሊጡ’ሎ።

ብውሑድ 90 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖምን 14 ድማ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱን ቀይሕ መስቀል ፍልስጤም ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሃገሩ ንናጽነት ኣምልኾ ብምውሓስ ኣብታ ሃገር ልዕልና ሕጊ ናይ ምርግጋጽ ስራሕ ብሓላፍነት ትፍጽም ምህላዋ ተዛሪቡ።

መራሒ ፍልስጤም ሞሓመድ ኣባስ ብወገኑ ነቲ መጥቃዕቲ ናይ እስራኤል “ሓጥያት ዝተመልኦ መጥቃዕቲ” ብምባል ኮኒንዎ።