ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣመሪካ ን'ተተናዃሊ' ተግባራት ሩስያ ግብረ መልሲ ከምእትህበሉ ኣፍሊጡ

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡

ወና ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣመሪካ፡ ነቲ ናይ ሩስያ ሓላፍነት ዝጎደሎን ተተናዃልን ተግባራት ግብረ መልሲ ከምእትህበሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ተቃዋማይ እታ ሃገር ኣሌክሲ ናቫሊን ዘርኣየቶ ኣተሓሕዛን ኣብ እዋን ምርጫታት ኣመሪካ እትገብሮ ምትእትታውን ብደቂቕ ክትከታተሎ ምጽንሓ ገሊጹ።

"ርጉእን ቀጻልነቱ ዝርድኣካን ዕርክነት ክህሉ ኢና እንደሊ" ይብል ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን።

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ኣኼባ ሚኒሰትራት ጉዳያት ወጻኢ ጉጅለ 7 ንምስታፍ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ እዩ ቀንዩ።

ኣመሪካ፡ ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ትገብሮ ዘላ ምሽብሻብን ትፍጽሞ ዘላ ናይ ሳይበር መጥቃዕትን ከምዘቖጠዖ'ዩ ዝገልጽ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣመሪካ ንተጻባኢ ተግባራት ሩስያ ትጻወረሉ ግዜ ኣብቒዑ እዩ ብምባል መርገጺኡ ንፕረዚደንት ሬስያ ቭላዳሚር ፑቲን ኣነጺርሉ እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ እዋን መሪሕነቱ ንሩስያ ብዙሕ ይነቕፍ ከምዘይነበረ እዩ ዝንገር።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ ቢቢሲ 4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ካብ ቻይና ዲፕሎማስያዊ ረብሓ ንምርካብ ትገብሮ ነገር ከምዘየለ ብምሕባር፡ ኣመሪካ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተመርኮዘ ርክባት ጥራይ ከምእትምስርት ኣስሚርሉ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሃገራት ቻይና ኣብ ቀንዲ ጽላታት ወፍሪ ተካይድ ከይትህሉ ክምርምራን ክጥንቐቓን'ውን ማዕድኡ ለጊሱ።

ብሊንለን ኣብ ጉዳይ ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ'ውን፡ ኣመሪካ ዋላ ድኣ ካብታ ሃገር ወተሃደራታ ከተውጽእ ትጀምር'ምበር ምስ ኣፍጋኒስታን ትገብሮ ምትሕግጋዝ ከምዘይተቋርጾ ሓቢሩ።

ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሮም ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ ክሳብ መስከረም 11 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብታ ሃገር ጠቕሊሎም ክወጽኡ ምዃኖም እዩ ዝሕብር ዘሎ።