ሩዲ ጁልያኒ: ኣመሪካውያን መርመርቲ ኣብ ገዛ ጠበቓ ዶናልድ ትራምፕ ነበር ተፍትሽ ኣካዪዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትካል ስለያ ኣመሪካ ኣብ መንበሪ ገዛን ቤትጽሕፈትን ጠበቓ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሃንደበታዊ ወራር ኣካዪዱ።
ሩዲ ጁልያኒ ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ'ውን ዝነበረ ኮይኑ፡ ምስ ዩክረይን ንዝነበሮ ርክብ መርመራ ይግበረሉ ኣሎ።
ጠበቕኡ ግና ጁልያኒ ሕጊ ከም ዘይጠሓሰ ይገልጽ።
ቀቅድሚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2020፡ ን 'ዲሞክራት' ተወዳዳሪ ጆ ባይደንን ወዱ ሃንተርን ከኽስስ ዝኽእል ሓበሬታ ካብ ዩክረይን ንምርካብ ንዝግበር ጻዕርታት ሚስተር ጁልያኒ ይመርሕ ነይሩ።
ጆ ባይደን ኣብቲ ምርጫ ክዕወት እንከሎ፡ ወዱ ሃንተር ድማ ዝኾነ ኣበሳ ከም ዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዳግም ናይ ምምራጽ ተኽእሎኡ ንምብራኽ ካብ ዩክረይን ደገፍ ሓቲቱ ብዝብል ኣብ 2019 ኣብ ባይት ተኸሲሱ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ወራር እንታይ ንፈልጥ?
መንበሪ ገዛን ቤትጽሕፈትን እቲ ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ነበር ብረቡዕ'ዩ ተፈቲሹ።
በቲ ወዲ 76 ዓመት ዝውነን ብርክት ዝበለ ኤለክሮኒካዊ መሳርሒታት ከም ዝተወስደ ኒው ዮርክ ታየምስ ጸብጺቡ።
ኣብቲ ናይ ተፍትሽ ፍቓድ፡ ጁልያኒ ከም ወኪል (ደላሊ) ወጻኢ ሃገር ኣይተመዝገበን ዝብል ክሲ ይርከቦ። ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ዝኾነ ንናይ ወጻኢ ሃገር ዝውክል ውልቀሰብ ንቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ከፍልጥ ይሕተት።
ጠበቓ ሚስተር ጁልያኒ ዝኾነ ሮበርት ኮስቴሎ ግና ነቲ ተፍትሽ "ሕጋዊ ውምብድና" ክብል ገሊጽዎ።
ንሱ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "እዚ ፈጺሙ ኣድላዪ ኣይኮነን" ድሕሪ ምባል እቲ ተፍትሽ "ገበነኛ ንምምሳሉ" ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ።
ሚስተር ጁልያኒ ነቲ መርመራ "ንጹር ዝኾነ ፖለቲካዊ ስደት" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
እቲ ድሕረባይታ እንታይ ይመስል?
ሚስተር ጁልያኒ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ጸቕጢ ብምግባር ንባይደንን ወዱን ንምምርማር ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ይመርሕ ነይሩ። ሃንተር ባይደን፡ ኣብ ሓደ ናይ ጸዓት ትካል ኣባል ቦርድ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ምስጓግ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ነበር'ውን ተዋሳኢ ምንባሩ ይግለጽ።
ሃንተር ባይደን ኣብዚ እዋን ምስ'ዚ ጉዳይ ምትእስሳር ዘይብሉ ግብሪ ብዘይምኽፋል መርመራ ይግበረሉ ኣሎ።
ሚስተር ጁልያኒ ካብ ሚያዝያ 2018 ንደሓር እዩ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ወኪሉ ክጣበቕ ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ምትእትታው ሩስያ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2016 ዝፈልጦ እንተሎ መርመራ ይግበረሉ ነይሩ።
ኣብ ሕዳር፡ ትራምፕ ኣብቲ ምርጫ ምስ ተሳዕረ፡ ሚስተር ጁልያኒ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብምዝዋር፡ ሪፓብሊካውያን ኣባላት ባይቶ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ክግልብጡ ጻዕርታት ኣካዪዱ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







