ትራምፕ፡ ሪፓብሊካውያን ደገፍቱ ክታበት ኮቪድ ክወስዱ ተማሕጺኑ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾኑ ደገፍቱ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዱ ተማሕጺኑ።

ንሱ ምስ መደበር ቴለቪዥን ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ክታበት “ውሑስን ለውጢ ዘምጽእን እዩ” ኢሉ።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ነቲ ክታበት ከም ዘይወስዱ ክገልጹ ዝጸንሑ ጉጅለታት እቶም ዓቃባውያን ደገፍቱ እዮም።

እቲ ፕረዚደንት ነበር’ውን ኣብ ዘበነ ስልጣኑ፡ ንክብደት እቲ ለበዳ ብምንእኣሱ ይኽሰስ።

እቲ ናይ ክታበት መደብ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ክጅመር እንከሎ፡ ኣሜሪካውያን ነቲ ክታበት ክወስዱ፡ ኩሎም ነበር ፕረዚደንትታት ተማሕጺኖም እዮም።

ትራምፕ ግና ኣብቲ ጉዳይ ሱቕታ እዩ መሪጹ ጸኒሑ።

ንሱን በዓልቲቤቱ ሜላንያን ኣብ ወርሒ ጥሪ ብሕቡእ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዝተኸተቡ ግና ተገሊጹ እዩ።

ትራምፕ ብሰሉስ ምስ ፎክስኒውስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ “ነቶም ክኽተቡ ዘይደልዩ ብዙሓትን፡ ነቶም ድምጾም ዝሃቡንን ክኽተቡ እምሕጸን” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ “እቲ ክታበት ውጽኢታዊ’ዩ፤ ውሑስን ለውጢ ዘምጽእን ድማ እዩ” ኢሉ።

መሻርኽቲ ቢቢሲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝኾነ መደበር ቴለቪዥን ሲቢኤስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ሓደ ሲሶ ካብ ደገፍቲ ሪፓብሊካን እቲ ክታበት እንተተቐረበሎም’ውን ናይ ምኽታብ ድልየት የብሎምን።

እዚ ኣሃዝ ምስ'ቲ ኣብ ደሞክራትስ ዘሎ 10% ክነጻጸር እንከሎ ልዑል ምዃኑ ይግለጽ።

ትራምፕ ነቲ ምኽሪ ዘቕረበ፡ ገለ ዓቃባውያን ነቲ ክታበት ንዘይምውሳድ ድሕርሕር ምባሎም ተስፋ ዘቑርጽ ምዃኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።

ኣፈኛ ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ “ትራምፕ ብዛዕባ ውሕስነትን ውጽኢታዉነትን እቲ ክታበት ክዛረብ እንተደልዩ ኣጸቢቕና ኢና ንድግፎ” ኢላ።

ንሳ ወሲኻ፡ “ኩሎም ብህይወት ዘለው ፕረዚደንትታት ነበር ኣብ'ቲ ህዝባዊ ጎስጓስ ተሳቲፎም እዮም። ነዚ ንኽገብሩ ፍሉይ ዕድመ ኣየድለዮምን” ኢላ።