ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ንምርኻብ ዝገበሮ ጻዕሪ ከምዘይሰመረ ገሊጹ

መራሒ ሰሜን ኮርያን ኪም ጆንግ ኡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ሰሜን ኮርያን ኪም ጆንግ ኡን

ሓድሽ ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ንመንግስቲ ሰሜን ኮርያ ንምርካብ እኳ እንተፈተነ፡ ዛጊድ ካብ ሰሜን ኮርያ ምላሽ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ።

ዋሽንግተን፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓረገ ይመፅእ ዘሎ ውጥረት ንምግታእ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ንመንግስቲ ሰሜን ኮርያ ንምርኻብ ከምዝፈተነት እዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን፡ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ የቐፅሎ ዘሎ መደብ ምምዕባል ኒኪዩለርን ተወንጫፊ ሚሳይልን፡ ከይተቛደዋ እየን ፀኒሐን።

ጆ ባይደን ቅድሚ ናብ ስልጣን ምድያቡ፡ ኣብ ሞንጎ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያን ኪም ጆንግ ኡን ቁሩብ ምርኻባት ኔሮም።

እንተኾነ፡ እቲ ልዝብ፡ ነቲ ባህጊ ኣሜሪካን ሓይልታት ምዕራብን ዝኾነ ምድስካል ኣፅዋር ኒኪዩለር፡ ንሰሜን ኮርያ ከየእመነ እዩ ፈሺሉ።

ሃገራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ሰሜን ኮርያ’ውን እንተኾነ፡ ዛጊድ ጆ ባይደን ፕረዝደንት ኣሜሪካ ምዃኑ ኣፍልጦ ኣይሃበን ዘሎ።

ኣሜሪካ፡ ‘ንኒውዮርክ ቻነል’ ሓዊሱ፡ ኣብ ሃገራ ብዘሎ ልኡኽ ሰሜን ኮርያ ኣቢላ፡ ምስ ፒዮንግያን ንምርኻብ ከምዝፈተነት ተገሊፁ።

ሓደ በዓልመዚ ኣሜሪካ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ምስ ሰሜን ኮርያ ንምልዛብ “ብዙሓት ፈተነታት” ከምዝነበሩን፡ እንተኾነ፡ ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ፍረ ዘለዎ ነገር ከምዘይተረኸበ ሓቢሩ።

እዚ ርክብ፡ ፕረዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ዝገበሮ ዘተ ዝሓውስ እዩ።

ሓድሽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ድሮ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝህልዋ ፖሊሲ ንፁር ጌሩ ኣሎ፤ እዚ ፖሊሲ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሚያዝያ ወግዓዊ ክኾን ትፅቢት ይግበረሉ።

ባይደን፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዘንበረቶም ረዘንቲ ቁጠባዊ ማዕቐባት ቅድሚ ምፍኳሳ (ምዝላቓ)፡ ፒዮንግያንግ ዘለዋ ኒኪዩለር ክትንክይ ግድን ምዃኑ እዩ ኣፍሊጡ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን’ውን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሃገሩ ትኹረት ምግባር’ኳ እንተቐፀለ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዘለዋ ‘ተፃባኢ ፖሊሲ’ ክትኣልይ እዩ ዝፅውዕ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2017፡ ሰሜን ኮርያ ንከተማታት ኣሜሪካ ክወቅዕ ዝኽእል ነዊሕ ርሕቐት ተወንጫፊ ሚሳይል ምፍታና ስዒቡ እዩ፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ርሱን ውጥረት በፂሑ።

ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ካልእ ግዘ ብዝዛየደ ካብ ዓለም ተነፂላ ትርከብ።

ዶባት እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓፅዮም ይርከቡ።

ምስ ቀንዲ መሻርኽታ ቻይና ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ’ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብ90 ሚእታዊት ነክዩ እዩ።