ኣብ 'ዝዓበየ ወተሃደራዊ ምርኢት' ሰሜን ኮርያ እንታይ ክንርእይ ኢና?

ወተሃደራዊ ምርኢት ፒዮንግያን 2018

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራዊ ምርኢት ፒዮንግያን 2018

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ታሪኻ ንዝዓበየ ወተሃደራዊ ምርኢት ክትገብር ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ። ነፍሲ ወከፍ ስጉሚ፡ ብስርዓት ክግበርን ጭደራን ውዳሰን ብላዕለዋይ መራሒ ኪም ጆንግ ኡን ክስማዕን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ንኣዋርሕ ልምምድ ክገብሩ ጸኒሖም።

እዚ ኣጋጣሚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ኣብቲ ጽምብል ዝርከብ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ብወግዒ እተርእየሉ ኮይኑ፡ ዝኾነ ዝፍጸም ስሕተት ከቢድ መቕጻዕቲ እዩ ዘስዕብ።

እንተኾነ፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርኢት አካል ምትንዃይ'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ሃገር ኣብ ቁጠባዊ እገዳ ተነቢሩላ እኳ እንተሎ፡ ዝወነነቶ ሓደስቲ ሚሳይላትን ኣጽዋርን እተርእየሉ ኣጋጣሚ።

ድሕሪ እቲ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ርክብ ኪም ጆንግ-ኡንን ፕረዚደንት ትራምፕን፡ እታ ሃገር ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ኣየቕረበትን።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሃኖይ ቬትናም ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ብዘይምኽኣሎም፡ ሰሜን ኮርያ ብርክት ዝበለ ፈተነታት ናይ ሓጺር ርሕቐት ሚሳይል ምክያድ ቀጺላ ኣላ።

10 ለካቲት፡ ንመበል 75 ግዜ ዝጽምበል ዘሎ ምምስራት ሰልፊ ሰራሕተኛታት፡ ምርጫ ኣሜሪካ ሒደት ሰሙናት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ስለዚ ሰሜን ኮርያ ንኣሜሪካ ከተጥቅዕ ዘኽእላ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ንምርኣይ ነቲ ኣጋጣሚ ትጥቀመሉ'ዶ ትኸውን?

ንምርኢት ዝቐርብ ሓድሽ ኣጽዋር

ብመሰረት ገምጋም ኣርታዒ ናይታ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝመደበራ መርበብ ሓበሬታ 'ደይሊ ኖርዝ ኮርያ'፡ እቲ ምርኢት ዓቢይ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ክሳብ 32 ሽሕ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ነቲ ምርኢት ምድላዋት ክገብሩ ከም ዝተኣዘዙን እቲ ናይ ምርኢት ስፍራ'ውን ክሰፍሕ ከም ዝተገበረን ካብ ሰሜን ኮርያ ሓበሬታ ከም ዝረክብ ዝገልጽ ሊ ሳንግ ይዛረብ።

"መዕርፎ ነፈርቲ ሚሪም ፒዮንግያንግ ክልተ ሐደስቲ ጽርጊያን 10 ሓደስቲ ህንጻታትን ተሃኒጽሉ ኣሎ። ስለዚ ካብ ኣህጉር ናብ ኣህጉር ዝውንጨፍ ባሊስቲክ ሚሳይል ወይ'ውን ካብ ሳብማሪን ዝውንጨፍ ባሊስቲክ ሚሳይል ንምርኢት ክቐርብ ተኽእሎ ኣሎ" ኢሉ።

ተንታኒ ዜናታት ሰሜን ኮርያ፡ ጀኦንግሚን ኪም ብወገኑ፡ ሰሜን ኮርያ ነዚ ኣጋጣሚ ኩሉሳዕ ንኻልኦት ሃገራት መልእኽቲ ንምሕላፍ ኣይኮነን እትጥቀመሉ ይብል።

"ብዙሕ ግዜ፡ ብትውልዲ ዝኸይድ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ሕጋዊ ከም ዝኾነ ነቲ ህዝቢ ንምንጋር ይጥቀምሉ እዮም።

"ስለዚ ለካቲት 10 'ውን ዘለዓዕል ፕሮፖጋንዳ ዘለዎ ሰሓቢ ምርኢት ብምቕራብ፡ ኣብቲ ዓመት ዘጋጠመ ብዘየገድስ 'ጽቡቕ ይስጉሙ ከም ዘለው' ነቲ ህዝቢ ከርእይዎ ዝፍትኑሉ እዩ" ኢሉ።

ህዝባዊ ሰራዊት ኮርያ 2018

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህዝባዊ ሰራዊት ኮርያ 2018

ዝያዳ ካልእ እዋን ካብቲ ካልእ ዓለም ምርሓቕ

ወላ'ኳ ገለ ወገናት ኣብቲ ምርኢት ሓድሽ ሚሳይል ክህልው ይጸበዩ፡ ብዛዕባ ድሕንነት ናይቲ 25 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ሻቕሎት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

2020 ንመብዛሕትአን ሃገራት ከባድ እኳ እንተኾነት፡ ንሰሜን ኮርያ ግና ኣዕናዊት ክትኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ቁጽሪ ወለዲ ዘይብሎም ቆልዑን ግዳም ሓደርን ልዑል ምውሳኽ ከም ዝተርኣየ ሊ ሳንግ ዮንግ ይዛረብ።

"ወላ'ኳ ኣብዚ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘይሕሰብ እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜን [ኮርያ] ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው" ኢሉ።

እታ ሃገር ካብ ጎረቤት ሃገር ቻይና ንዝመጽእ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ጥሪ እያ ዶባታ ዓጽያ።

ሰብ መዚ፡ ንዝኾነ ሰብ ናብታ ሃገር ካብ ምእታው ንምኽልካል፡ ኣብቲ ዶባት ክሰግር ዝተርኣየ ሰብ "ቶኵስካ-ቅተል" ዝብል ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፉ ይግለጽ።

ካብ ቻይና ዝተሰደደ፡ ብርክት ዝበለ ውልቃዊ መከላኸሊ ንዋትን ክታበታት ዝርከብዎ ካልእ መሰረታዊ ናይ ሕክምና ቀረባትን ናብታ ሃገር መእተዊ ፍቓድ ብዘይምርካቡ ኣብቲ ዶብ ተኮሚሩ ከም ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ሰሜን ኮርያ፡ ዛጊት ዝኾነ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ከም ዘይብላ እኳ እንተገለጸት፡ ኪም ጆንግ-ኡን ግና እቲ ጽኑዕ ቀይድታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብቐጻሊ እዩ ርክብ ዘካይድ።

ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ኣብዚ እዋን ምስቲ ካብቲ ካልእ ዓለም ዘለዎ ርክብ ተቋሪጹ እዩ ዘሎ። ኣብ መንጎ ዞባታት ዝግበር ምንቅስቓስ'ውን ድሩት እዩ።

"ብመሬት፡ ብባሕርን ብኣየርን፡ ናይ ሰባት ኮነ ናይ ኣቕሑት ምንቅስቓስ የሎን" ይብል ሊ።

"ኣባል ሰራዊት፡ ወይ ላዕለዋይ ኣዛዚ እንተዘይኮንካ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝንቀሳቐስ የሎን። ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝተነብረ እገዳ ኣዝዩ ጽኑዕ እዩ" ኢሉ።

ቁጠባ ሰሜን ኮርያ ኣብ ደውታ ከም ዘሎ ዝገልጽ ሊ፡ ኣብ ዶባት ዝንቀሳቐሱ ንኣሽቱ ነጋዶን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን፡ "ኣብታ ሃገር ኮቪድ እንተዘይህልው፡ እቲ ስርዓት ንምንታይ ንቑጠባ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ" ክብሉ ከም ዝሓትቱ ይዛረብ።

እቲ ምስ ጎረቤት ሃገር ቻይና ዝግበር ንግዲ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብ70% ጎዲሉ ኣሎ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሕሉፍ ብዝኾነ ኩነታት ኣየር ዝተጠቕዐት ኮይና፡ ሃገራዊ ቴለቬዥን ኮርያ፡ ነቲ ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋታት ንምስዓር "ተባዕ" ስጉምትታት ዘንጸባርቕ መደባት ብብዝሒ ተመሓላልፍ።

ነቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ቁጠባ እታ ሃገር ንምብርባር፡ ኪም ጆንግ-ኡን "ቅልስ 80-መዓልቲ" ዝሰመዮ ወፍሪ ኣበጊሱ ኣሎ።

እዚ ማለት እቲ ህዝቢ ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ከተማ፡ ዝያዳ ሰዓታት ክሰርሕ እዩ። እቲ ነቲ መራሒ ዘለዎም ተኣማንነት ብመጠን እቲ ዝያዳ ዝገብርዎ ጻዕሪ ይምዘን።

እቲ ኣብ ሃገራዊ ቴለቪዥን ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ኣካል ናይቲ "ርእሰ ምርኮሳ" እዩ።