ሰሜን ኮርያ ንቅትለት ደቡብ ኮርያዊ ኣመልኪታ ‘ይቕሬታ ሓቲታ’

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንቅትለት ደቡብ ኮርያዊ ብዓል መዚ ኣመልኪቱ ይቕሬታ ከምዝሓተተ ገሊጹ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ንመራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጃ ኢን እቲ ተግባር ክፍጸም ከምዘይነበሮ ከምዝገለጸሉ ኣብሪሁ።
ደቡብ ኮርያ፡ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ፡ ንወዲ 47 ዓመት ደቡብ ኮርያዊ ብጥይት ሃሪሞም ኣብ ኣካላቱ ዘይቲ ኣፍሲሶም ብሓዊ ከም ዘቃጸልዎ እያ እትሕብር።
ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ እቲ ብወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ተቐቲሉ ዝበሎ ሰብ ኣብ ጥቃ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዳህሳስ ካብ ዝነበረት ጃልባ ከም ዝጠፈአን ኣብ ማያዊ ኣካል ሰሜን ኮርያ ከም ዝተረኸበን ሓቢሩ።
ዶባት ደቡብ ኮርያን ሰሜን ኮርያን ብተሪር ሓለዋ ዝሕሎ ኮይኑ፡ ሰሜን ኮርያ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ምኽንያት ናብ ሃገራ ብይሕጋዊ ክኣቱ ንዝፈተነ ‘ቶኩስካ ቅተል’ ዝብል ፖሊሲ ኣተኣታትያ ከምዘላ እዩ ዝግለጽ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ ይቕሬታ ናይ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብደብዳበ ከምዝተላኣኸን፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ደብዳቢኡ እቲ ቅትለት ክፍጸም ዘይነበሮ ተግባር እዩ ከምዝበለን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ናብ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃ ኢን ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ “ንዓኻ ስለዘቀየምኩኻ ኣዝየ እየ ዝሓዝን” ከምዝበለ ማዕከን ዜና ኦንሃብ ንቤት ጽሕፍት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ብምጥቃስ ኣቓሊሓ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ ደብዳቤኣ ብዛዕባ እቲ ክስተት ተወሳኺ መብርሂ ኣብ ዝሃበትሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ደቡብ ኮርያዊ ዓሰርተ ጥይት ከምዝተተኮሶ ገሊጻ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ደቡብ ኮርያ ነቲ ብጥይት ቀቲሎም ዘይቲ ነስኒሶም ኣንዲደሞ ዝብል ጌጋ ከምዝኾነን፡ ጥይት ምስ ተተኮሰሉ፡ ነቲ ናብ ሰሜን ኮርያ ንምስጋር ዝተጠቐመሉ ጸምበለል ዝብል ነገር በቲ ቶክሲ ተቃጺሉ ነቲ ሰብ ከምዘቃጸሎ ዳይረክተር ሃገራዊ ጸጥታ ሰሜን ኮርያ ሱን ሁን መብርሂ ከምዝሃበ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ'ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







