ኪም ጅንግ ኡን፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ኣንጸባራቒ ዓወት ምምዝጋባ ሓቢሩ

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጁን ኡን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጁን ኡን

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ሃገሩ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብዝተኸተለቶ ጽፉፍ ኣካይዳ፤ ኣንጸባራቒ ዓወት ከተመዝግብ ምኽኣላ ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኪም ጆንግ ኡን “እዚ ንዓለም ዘሸብራ ዘሎ ቫይረስ ናብ ሃገርና ከምዘይኣቱ ብምግባር ነቲ ዝነበረና ዝተርጋገአ ኣካይዳ ከነውሕስ ክኢልና ኢና” ኢሉ።

ሰሜን ኮርያ፡ ኮሮናቫይረስ ምስ ጀመረ ኩሉ ዶባታ ብምዕጸዓው ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ካብ ህዝባ ከምዝውሸቡ ገይራ ነይራ እያ።

በዚ ሜላ ኮሮናቫይረስ ናብታ ሃገር ከምዘይኣተወ ዝሕብር መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ነዚ ኣበሃህላ እዚ መራሒ ከም ቅቡል ንምውሳድ ካልእ መረጋገጺ ሜላታት ከምዘድሊ’ዮም ዝገልጹ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም፡ ሃገሩ ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንዝተኸተለቶ ሜላ ምክልኻል ኮቪድ 19 ገምጋም ኣብ ዝህበሉ ዝንበረ እዋን እዩ ነዚ መግልጺ ሂቡ።

“ኮሮናቫይር ናብ ሃገርና ክኣቱ ዘይከኣለ እቲ መሪሕነት ብዝኽተሎ ጽፉፍ ሜላን ኣርሒቁ ስለዝሓስብን እዩ ክውን ክኸውን ክኢሉ” ድሕሪ ምባል “እቲ ቫይረስ ኣብ ገሮባብትና ስለዘሎ ግን ምዝናይ ኣይድልን’ዩ” ኢሉ።

ሰሜን ኮርያ ዋላ ድኣ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከምዘይብላ ትግለጽ’ምበር እዚ ናይታ ሃገር መግልጺ ብዝኾነ ዘይሻራዊ ሳልሳይ ኣካል ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።

ኮሮና