ኪም ጅንግ ኡን፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ኣንጸባራቒ ዓወት ምምዝጋባ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ሃገሩ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብዝተኸተለቶ ጽፉፍ ኣካይዳ፤ ኣንጸባራቒ ዓወት ከተመዝግብ ምኽኣላ ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኪም ጆንግ ኡን “እዚ ንዓለም ዘሸብራ ዘሎ ቫይረስ ናብ ሃገርና ከምዘይኣቱ ብምግባር ነቲ ዝነበረና ዝተርጋገአ ኣካይዳ ከነውሕስ ክኢልና ኢና” ኢሉ።
ሰሜን ኮርያ፡ ኮሮናቫይረስ ምስ ጀመረ ኩሉ ዶባታ ብምዕጸዓው ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ካብ ህዝባ ከምዝውሸቡ ገይራ ነይራ እያ።
በዚ ሜላ ኮሮናቫይረስ ናብታ ሃገር ከምዘይኣተወ ዝሕብር መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ነዚ ኣበሃህላ እዚ መራሒ ከም ቅቡል ንምውሳድ ካልእ መረጋገጺ ሜላታት ከምዘድሊ’ዮም ዝገልጹ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም፡ ሃገሩ ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንዝተኸተለቶ ሜላ ምክልኻል ኮቪድ 19 ገምጋም ኣብ ዝህበሉ ዝንበረ እዋን እዩ ነዚ መግልጺ ሂቡ።
“ኮሮናቫይር ናብ ሃገርና ክኣቱ ዘይከኣለ እቲ መሪሕነት ብዝኽተሎ ጽፉፍ ሜላን ኣርሒቁ ስለዝሓስብን እዩ ክውን ክኸውን ክኢሉ” ድሕሪ ምባል “እቲ ቫይረስ ኣብ ገሮባብትና ስለዘሎ ግን ምዝናይ ኣይድልን’ዩ” ኢሉ።
ሰሜን ኮርያ ዋላ ድኣ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከምዘይብላ ትግለጽ’ምበር እዚ ናይታ ሃገር መግልጺ ብዝኾነ ዘይሻራዊ ሳልሳይ ኣካል ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







