ሰሜን ኮርያ ‘ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠርጠረ ሰብ’ ስለዝረኸበት ኣብ ተጠንቀቕ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰሜን ኮርያ ‘ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠርጠረ ሰብ ረኺበ’ለኹ’ ክትብል ገሊጻ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ናብ ደቡብ ኮርያ ሃዲሙ ዝነበረ ሓደ ሰብ ብዶብ ኣቢሉ ምስተመለሰ ምልክታት ኮቪድ-19 ከምዝተርኣዮ ብመንግስቲ ዝካየድ ወኪል ዜና ኬሲኤንኤ ጸብጺቡ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝተራኸበ ኮይኑ፡ ኣብ’ታ ኣብ ጥቓ ዶብ እትርከብ ከተማ ኬሶንግ ድማ ዕጽዋ ኣዊጁ።
እታ ሚስጢራዊት ሃገር፡ ዋላ ሓደ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዘ ሰብ የብለይን ክትብል እያ ጸኒሓ።
ተንተንቲ ግን ‘እዚ ክኸውን ዘይኽእል እዩ ብምባል ጥርጣረታቶም ክገልጹ ጸኒሖም።
“ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ደቡብ ሃዲሙ ዝነበረን በቲ ቫይረስ ከምእተለኸፈን ዝተጠርጠረ ሰብ፡ ብ 19 ሓምለ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ሰጊሩ ስለዝተመለሰ ኣብ ከተማ ኬሶንግ ህጹጽ ኩነት ኣጋጢሙ ኣሎ” ብምባል እዩ ወኪል ዜና ኬሲኤንኤ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኣቃሊሑ።
ብቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ላዕለዎት መራሕቲ (ፖሊት ቢሮ)፡ ኪም ጆንግ-ኡን ነቲ ቫይረስ ንምግታእ “ዝለዓለ ናይ ህጹጽ እዋን ስርዓት” ክህሉ ኣዚዙ።
ኬሲኤንኤ ወሲኹ ከምዝበሎ፤ እቲ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ዝተጠርጠረ ሰብ ብኸመይ ነቲ ሓያል ወተሃደራዊ ሓለዋ ዝግበረሉ ዶብ ክሓልፍ ክኢሉ ዝብል ምጽራይ ተጀሚሩ’ሎ።
ኪም ጆንግ-ኡን፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ነቲ ኣዋጅ ዘይኽብሩ፡ “ከቢድ መቕጻዕቲ” ከምዝጽበዮም’ውን ኣጠንቂቑ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንተሎ፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝኾነ ዘይሕጋዊ ስግረ-ዶብ ነይሩ ዝብል ጸብጻብ ኣየቕረበትን።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምሉእ ዓለም ክጋፋሕ ኣብ ዝጀመረሉ ቅድሚ ሽድሽተ ኣዋርሕ፡ ሰሜን ኮርያ ዶባታ ብምዕጻው ኣሸሓት ሰባት ድማ ወሺባ ነይራ እያ።
ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሓምለ፡ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ኣብ ኣተኣላልያ ኮቪድ-19፡ ሃገሩ “ዘንጸባርቕ ዓወት” ከምዘመዝገበት ገሊጹ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







