ቁጠባ ጃፓን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣንቆልቊሉ

ጃፓን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጃፓን ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ እትቃለሱ ዘላ እዋን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ብቕልጡፍ የንቆልቁል ምህላዉ ተገሊጹ።

ጃፓን ካብ ዓለምና ዝለዓለ ቁጠባ ዘለዋ ሳልሰይቲ ሃገር እያ።

ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ ሓፈሻዊ ምህርቲ ናይታ ሃገር ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ርብዒ ዓመት ክነጻጸር ከሎ፡ ብ 7.8% ኣንቆልቊሉ፤ ብዓመታዊ ድማ፡ 27.8% እዩ ነክዩ።

ቅድሚ ቅልውላው ኮሮናቫይረስ ምግጣሙ’ውን እንተኾነ፡ ጃፓን ብዝሕቱል ቁጠባዊ ዕብየት ክትብዳህ እያ ጸኒሓ።

እቲ ሎሚ ሰኑይ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንቁጠባ ሃገራት ዓለም ብኸመይ ከምዝሃሰዮ ዘርእይ እዩ።

ነቲ ኣብ ጃፓን ዘጋጠመ ምንቁልቋል ቁጠባ ቀንዲ ምኽንያቱ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝፍጸም ዕድጊት ብምንቁልቋሉ እዩ።

ልዕሊ ፍርቂ ቁጠባ ጃፓን ድማ ኣብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ዝተመስረተ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ዓለማዊ ንግዲ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ተሃስዩ ብምህላዉ፡ ናይ ወጻኢ ዕዳጋ’ውን ኣንቆልቊሉዋ እዩ።

ቁጠባ ጃፓን ንተኸታተልቲ ሰለስቲ ርብዒ ዓመታት እዩ እናንቆልቆለ መጺኡ። እዚ ድማ ካብ 1955 ንደሓር እቲ ዝኸፍአ እዩ።

እንተኾነ፡ ሰብሞያ ከምበብልዎ፡ ቁጠባ ጃፓን ኣብ’ቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ክስዕርር እዩ ዝብል ትጽቢት እዩ ዘለዎም።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ቁጠባዊ ጽልዋ ንምብዳህ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ገዚፍ መጠን መነቓቕሒ እዩ ሰሊዑ ዘሎ።

ናይ ዓለምና ካልኣይ ዝዓበየ ቁጠባ እትውንን ቻይና፡ ቁጠበኣ ክስዕርር ምጅማሩ ንኻልኦት ተስፋ ይህብ ኣሎ።

ቁጠባ ቻይና፡ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ 3.2% ዕብየት ብምምዝጋብ ካብ’ቲ ዝነበረ ምንቁልቋል ክወጽእ ጀሚሩ’ሎ።