ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ፡ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጽእ ስግኣት መዓልቦ ክግበረሉ እዩ

ሺንዞ ኣቤ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ቀዳማይ ሚኒስትር ሺንዞ ኣቤ ክዕወት ትጽቢት

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ንሰሜን ኮሪያ ብጽኑዕ ክተሓሓዛ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ንሱ ነዚ ዝገለጸ ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ክዕወት ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ'ዩ።

ኣቤ ነቲ ካብ ሰሜን ኮሪያ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋን ካልኦት "ቅልውላዋትን" ንምእላይ ዘኽእሎ ሓድሽን ሓያልን ዝኾነ ስልጣን ንኸረክብ ኢሉ'ዩ ነቲ ምርጫ ኣብ ዘይግዝይኡ ክካየድ ጸዊዑ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር እቲ ሚንስተር ኣቤ ዝመርሖ ናይ ጥምረት ሰልፊ፡ ሰለስተ ርብዒ ብዝሒ ናይ ፓርላማ ክህልዎ'ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንሚስተር ኣቤ ነቲ ድሕሪ ውግእ ዓለም ዝረቐቐ ፈታው ሰላም ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ጃፓን ንምምሕያሽ መንገዲ ክጸርገሉ'ዩ።

ኣቐዲሙ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ኣካታዒ ዝኾነ ምክልኻል ጃፓን ንምሕያል ዝዓለመ፡ ሓይልታት ናይታ ሃገር ሕጋውነት ክለብሱ ኣለዎም ክብል ጸዊዑ ነይሩ። እንተኾነ ተቓወምቲ ናይቲ ሓሳብ ሓደ ስጉምቲ ናብ ወታሃደራዊነት'ዩ ኢሎም።

"ኣብ እዋን ምርጫ ቃል ከም ዝኣተኽዎ ቀዳማይ ዕማመይ ንሰሜን ኮርያ ብጽኑዕ ምሓዝ እዩ። ነዚ ክገብር ድማ ሓያል ዲፕሎማሲ የድሊ" ኢሉ ንሱ ድሕሪቲ ምርጫ ኣብ ዝገበሮ መደረ።

ህጻን ቆልዓ ካርዲ መረጻ ኣቦኣ ናብ ሳንዱቕ መረጻ እናእተወት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ቶክዮ ሩፐርት ዊንግፊልድ ሃይስ ሚስተር ኣቤ ኣብቲ ምርጫ ክዕወት ዝኸኣለ ብሰንኪ ስጉምትታት ሰሜን ኮሪያ እዩ ይብል። ንሱ ይብል፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ብሰንኪ'ቲ ኣትይዎ ዝነበረ ብልሹው ናይ ፖለቲካ ግዕዝይና ህቡብነት ሚስተር ኣቤ ባይታ ዘቢጡ ነይሩ። እንተኾነ ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ ደሴት ሃኮይዳ ናይ ጃፓን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ክልተ ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሳ ህቡብነት ሚስተር ኣቤ ብሃንደበት ክብ ኢሉ።

ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ከምዝሕብርኦ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ጥምረት ሊበራል ደሞክራቲክ ፓርቲን (LDP) ናይ ሜስተር ኣቤን ኮመይቶ ፓርቲን 312 ናይቲ 465 መናብር ዘለዎ ታሕተዋይ ባይቶ ጃፓን ማለት ዳየት ተዓዊቱ'ሎ። እዚ ማለት ድማ እቲ ጥምረት ንሕገ-መንግስቲ ጃፓን ንምኽላስ ዘኽእሎ ስልጣን ረኺቡ'ሎ።

ኣቐዲሙ ሚስተር ኣቤ፡ ነቲ ብ "ሓይልታት ርእሰ-ምክልኻል" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰራዊት ጃፓን ብወግዒ ንምፍላጥ፡ ነቲ ውግእ ዝነጽግ ዓንቀጽ 9 ናይቲ ሕገ-መንግስቲ ክኣልዮ ከምዝደሊ ገሊጹ ነይሩ። ነዚ ንምግባር ድማ "እኹል ናይ ህዝቢ ደገፍ ንምርካብ" ክጽዕር'የ ኢሉ። ሚስተር ኣቤ ቅድሚ ክልተ ዓመት ነቲ ሰፊሕ ተቓውሞ ዝቐስቀሰ፡ ወተሃደራት ጃፓን፡ ካብታ ሃገር ወጻኢ ክዋግኡ ዘኽእሎም ነቲ ሕገ-መንግስቲ ዳግማይ ንምትርጓሙ ዘኽእሎ ጻዕሪ ኣካይዱ ተዓዊቱ ነይሩ።

ሕንፍሽፍሽ ተቓወምቲ ውድባት ጃፓን'ውን ንዓወት ሚስተር ኣቤ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ልኡኽና ይሕብር።

ቀቅድሚ'ቲ ሃንደበታዊ ምርጫ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ በቲ ህቡብ ኣማሓዳሪ ቶክዮ ዩሪኮ ኮይከ ዝምራሕ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ፓርቲ ኦፍ ሆፕ (Party of Hope) ዓቢ ዓወት ክጎናጸፍ'ዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብ መወዳእታ በቲ ዝዓበየ ዕዉት ተቓዋሚ ሰልፊ ኮይኑ ዝወጽአ ማእከላይ-ጸጋማዊ ሰልፊ፡ ሕገ-መንግስታዊ ደሞክራሲያዊ ፓርቲ (centre-left Constitutional Democratic Party) ተበሊጹ።

ኣመሓዳሪት ቶክዮ ዩሪኮ ኮይኬ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወይዘሮ ኮይኬ ንውጽኢት መረጻ ሓላፍነት ወሲደን

እታ ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ጊዜ'ቲ ምርጫ ኣብ ፓሪስ ዝነበረት ሚስስ ኮይከ፡ ናይቲ ናይ ምርጭ ውጺኢት ሓላፍነት ከምትወስድ ንጋዜጠኛታት ገሊጻ። "ዘረብኣን ተግባራታን" ንመረጽቲ "ከምዘቐየመ" ድማ ንማዕከናት ዜና ጃፓን ገሊጻ።

ሚስተር ኣቤ ኣብዚ ምርጫ'ዚ ምዕዋቱ ድማ ንዓመታ መስከረም ኣብ ዝግበር ምርጫ ሰልፊ ኤል ዲ ፒ (LDP) ንዝቕጽል ሰለተ ዓመት ነቲ ሰልፊ ንኽመርሕ ዘኽእሎ ድምጺ ናይ ምርካብ ዕድሉ ኣስፊሑሉ'ሎ። ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ኣብ 2012 ድሕሪ ምምራጹ እቲ ንዝነውሐ እዋን ንጃፓን ብቐዳማይ ሚኒስተርነት ዝመረሐ ሰብ ንክኸውን ዕድል ክረክብ እዩ።