ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ መላእ ጃፓን ዕንወት ኣኸቲሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ህቦቡላ (ታይፑን) 'ጀቢ'፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንጃፖን ካብ ዘጋጠማ ህቦቡላ እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ፡ ብሰንኪ እዚ 10 ሰባት ሞይቶም።
እዚ ህቦብላ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ጃፓን ዝያዳ ዕንውት ክፈጥር እንከሎ፡ ንኸተማታት ክዮቶን ኦሳካን'ውን ብኸቢድ ሃስይወን ኣሎ።
በረራታትን ጉዕዞ ናይ ባቡራትን ክስረዙ እንከለዉ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዓለማዊ መዓርፎ ነፍርቲ ኦሳካ ክዕቆቡ ተገዲዶም'ዮም።
እዚ ህቦብላ ንፋስ ናብ ሰሜን ጃፖን ገጹ ኣብ ዘበለሉ፡ ሰባት ካብ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን ክጥንቀቑ ተሓቢርዎም ኣሎ።
በዚ ህቦብላ፡ ኣብ ልዕሊ 300 ሰባት ማህሰይቲ ከምዝወረደ ውሃቢ ቃል መንገስቲ፡ ዮሺሂደ ሱዳ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ክሳብ ሮቡዕ ንግሆ 1.2 ሚልዮን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኤጀንሲ መጥፋእቲ ሓውን ምክልኻል ዕንወትን፡ ልዕሊ 30,000 ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ ከምዝርከቡ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, AFP
በዚ ብርቱዕ ማይ ዝተሓወሶ ህቦቡላ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣባይቲ ክጽሎ እንከሎ፡ ኣብዚ ተሃስዩ ዘሎ ኣከባቢ፡ ፋብሪካታትን ኣብያተ ትምህርትን ተዓጽዩ ኣሎ።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናጎኣን ኦሳካን ኣስታት 800 በረራታት ተሰሪዞም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መዓርፎ ነፈርቲ ካንሳእ ብማይ ብምዕልቕላቑን፡ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘራኽብ ድልድል 'ውን ብመርከብ ብምህራሙን፡ ኣብቲ ማዓርፎ ነፈርቲ ኣጽሊሎም ዝነበሩ ኣስታት 3000 ገያሹ ብጃላቡ ናብ ካልእ ቦታ ከምዝግዕዙ ተገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, Kyodo/via Reuters




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







