ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ መላእ ጃፓን ዕንወት ኣኸቲሉ

ብህቦቡላ ዝተገልበጥት መኪና፡ ኦሳካ ጃፓን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ንመኪና ክግልብጥ ሃይሊ ዝነበሮ ህቦቡላ

ህቦቡላ (ታይፑን) 'ጀቢ'፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንጃፖን ካብ ዘጋጠማ ህቦቡላ እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ፡ ብሰንኪ እዚ 10 ሰባት ሞይቶም።

እዚ ህቦብላ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ጃፓን ዝያዳ ዕንውት ክፈጥር እንከሎ፡ ንኸተማታት ክዮቶን ኦሳካን'ውን ብኸቢድ ሃስይወን ኣሎ።

በረራታትን ጉዕዞ ናይ ባቡራትን ክስረዙ እንከለዉ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዓለማዊ መዓርፎ ነፍርቲ ኦሳካ ክዕቆቡ ተገዲዶም'ዮም።

እዚ ህቦብላ ንፋስ ናብ ሰሜን ጃፖን ገጹ ኣብ ዘበለሉ፡ ሰባት ካብ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን ክጥንቀቑ ተሓቢርዎም ኣሎ።

በዚ ህቦብላ፡ ኣብ ልዕሊ 300 ሰባት ማህሰይቲ ከምዝወረደ ውሃቢ ቃል መንገስቲ፡ ዮሺሂደ ሱዳ ሓቢሩ።

ጽላል ሒዛ ምስ ንፋስ እትቃለስ ጃፓናዊት

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰባት ሃዲኦም ክጸንሑ'ዩ ዝንገሮም ዘሎ

ክሳብ ሮቡዕ ንግሆ 1.2 ሚልዮን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኤጀንሲ መጥፋእቲ ሓውን ምክልኻል ዕንወትን፡ ልዕሊ 30,000 ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ ከምዝርከቡ ይሕብር።

በዚ ንፋስ ዝዓነወ፡ መሓበሪ ትራፊክን መስመራት ኤለክትሪክን

ምንጪ ስእሊ, AFP

በዚ ነፋስ ደጋዊ ክፋሊ ዝተቀላለጠ ኣብ ኦሳካ ዝርከብ ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ማይ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ህቦቡላ ተደፊአን ኣብ ሓደ ዝተኣከባ መካይን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, በዚ ማይ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ህቦቡላ ተደፊአን ኣብ ሓደ ዝተኣከባ መካይን
ኣብ ህዮጎ ብብርቱዕ ንፋስ ተደፊኣ ኣብ ልዕሊ መከልከሊ ማዕበል ዝተሰቀለት መርከብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህዮጎ ብብርቱዕ ንፋስ ተደፊኣ ኣብ ልዕሊ መከልከሊ ማዕበል ዝተሰቀለት መርከብ

በዚ ብርቱዕ ማይ ዝተሓወሶ ህቦቡላ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣባይቲ ክጽሎ እንከሎ፡ ኣብዚ ተሃስዩ ዘሎ ኣከባቢ፡ ፋብሪካታትን ኣብያተ ትምህርትን ተዓጽዩ ኣሎ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናጎኣን ኦሳካን ኣስታት 800 በረራታት ተሰሪዞም እዮም።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካንሳእ መስመር መብርርቲ ነፈርቲ ብማይ የዕለቅሊቁ ይረአ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካንሳእ መስመር መብርርቲ ነፈርቲ ብማይ የዕለቅሊቁ ይረአ

መዓርፎ ነፈርቲ ካንሳእ ብማይ ብምዕልቕላቑን፡ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘራኽብ ድልድል 'ውን ብመርከብ ብምህራሙን፡ ኣብቲ ማዓርፎ ነፈርቲ ኣጽሊሎም ዝነበሩ ኣስታት 3000 ገያሹ ብጃላቡ ናብ ካልእ ቦታ ከምዝግዕዙ ተገይሩ።

ምስ ኣየርፖርታ ካንሳይ ዘራኽብ ቢንቶ ብመርክብ ተሃሪሙ ይረአ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እዚ ድልድል ንመዓርፎ ነፈርቲ ካንሳይ ምስ ክልእ ክፋል ዘራኽብ እዩ ነይሩ።
ብርቱዕ ማዕበል ምስ ደንደስ እናተጋጨወ

ምንጪ ስእሊ, Kyodo/via Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብህቦብላ ንፋስ ዝተላዓለ ብርቱዕ ማዕብል ናብ ደንደን እናተጋጨወ