እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ መላእ ጃፓን ዕንወት ኣኸቲሉ
ህቦቡላ (ታይፑን) 'ጀቢ'፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንጃፖን ካብ ዘጋጠማ ህቦቡላ እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ፡ ብሰንኪ እዚ 10 ሰባት ሞይቶም።
እዚ ህቦብላ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ጃፓን ዝያዳ ዕንውት ክፈጥር እንከሎ፡ ንኸተማታት ክዮቶን ኦሳካን'ውን ብኸቢድ ሃስይወን ኣሎ።
በረራታትን ጉዕዞ ናይ ባቡራትን ክስረዙ እንከለዉ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዓለማዊ መዓርፎ ነፍርቲ ኦሳካ ክዕቆቡ ተገዲዶም'ዮም።
እዚ ህቦብላ ንፋስ ናብ ሰሜን ጃፖን ገጹ ኣብ ዘበለሉ፡ ሰባት ካብ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን ክጥንቀቑ ተሓቢርዎም ኣሎ።
በዚ ህቦብላ፡ ኣብ ልዕሊ 300 ሰባት ማህሰይቲ ከምዝወረደ ውሃቢ ቃል መንገስቲ፡ ዮሺሂደ ሱዳ ሓቢሩ።
ክሳብ ሮቡዕ ንግሆ 1.2 ሚልዮን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኤጀንሲ መጥፋእቲ ሓውን ምክልኻል ዕንወትን፡ ልዕሊ 30,000 ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ ከምዝርከቡ ይሕብር።
በዚ ብርቱዕ ማይ ዝተሓወሶ ህቦቡላ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣባይቲ ክጽሎ እንከሎ፡ ኣብዚ ተሃስዩ ዘሎ ኣከባቢ፡ ፋብሪካታትን ኣብያተ ትምህርትን ተዓጽዩ ኣሎ።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናጎኣን ኦሳካን ኣስታት 800 በረራታት ተሰሪዞም እዮም።
መዓርፎ ነፈርቲ ካንሳእ ብማይ ብምዕልቕላቑን፡ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘራኽብ ድልድል 'ውን ብመርከብ ብምህራሙን፡ ኣብቲ ማዓርፎ ነፈርቲ ኣጽሊሎም ዝነበሩ ኣስታት 3000 ገያሹ ብጃላቡ ናብ ካልእ ቦታ ከምዝግዕዙ ተገይሩ።