ጭሕሚ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኮርያ ንምንታይ ኣዛራቢ ኮይኑ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሃሪ ሃሪስ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣምባሳደር ኣመሪካ እዩ። ናቱ ጭሕሚ፡ ንሕሉፍ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናይ'ታ ሃገር ዘዘክር እዩ ብዝብል እዩ ንብዙሓት ከዘራርብ ቀንዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣምባሳደር ሃሪ፡ ኣብ ከተማ ሶውል ናብ ዝርከብ እንዳ ቐምቃሚ ከይዱ፡ ነቲ ክትዕ ዘለዓዓለ ጭሕሙ ኣልዩዎ።
እቲ ኣምባሳደር መምርሕታት ኮቪድ-19 ንምኽባር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ንምግባር መታን ክጥዕሞ ከምኡ ከምዝገበረ እዩ ተዛሪቡ።
"ሕዚ ፅቡቕ ተሰሚዑኒ ኣሎ" ኢሉ ነቲ ኣካትዓይ ዝኾነ ጭሕሙ ምስ ላፀየ ኣብ ዝፈነዎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ።
ኣብ ላዕለዋይ ከንፈር እቲ ኣመባሳደር ዝነበረ ጭሕሚ፡ ብደቡብ ኮርያውያን ዝተነቐፈን ክንድዚ ከካትዕ ዝኸኣለን፡ ምስ'ቲ ኣብ 1910 ክሳብ 1946 ኣብ ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጃፓን ስለዝመሳሰል እዩ።
እቲ እዋን፡ ደቡብ ኮርያ ብጃፓን ዝተገዘአትሉ እንትኸውን፡ ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈር እቲ ኣምባሳደር ድማ፡ ንደቡብ ኮርያውያን እቲ ሕማቕ ግዘን ኣብቲ እዋን ንዝነበሩ ጀነራላት ጃፓንን ስለዘዘከሮም እዩ ቁጠዐ ፈጢሩ።

ካብ 2018 ጀሚሩ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝኾነ ሃሪ ሃሪስ፡ "ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈረይ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይንቀፍ ዘሎ ብድሕረ ባይታ ዓሌተይ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣነ ጃፓናዊ-ኣሜሪካዊ እየ" ኢሉ።
ወላዲት ኣምባሳደር ሃሪ ሃሪሰን ጃፓናዊት ኮይና፡ ኣቡኡ ድማ ኣሜሪካዊ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፡ ካብ ሰሜን ኮርያ ንዝፍነው መጥቃዕቲ ንምምካት ብዝብል፡ ልዕሊ 28 ሽሕ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ኮርያ ይርከቡ።
ኣምባሳደር ሃሪ ቅድሚ ሕዚ'ውን ደቡብ ኮርያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ርክብ መልክዕ ንምትሓዝ ኣብ ወተሃደራዊ ዓውዲ ፈሰስ ክትገብር ይግባእ ዝብል ርኢቶ ብምሃቡ ኣካትዓይ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ንክዓስል ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጋዜጣ ኮርያ ታይምስ፡ ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈር (ሸነብ) ኣምባሳደር ሃር ሃሪሰን፡ ኣሜሪካ ንደቡብ ኮርያ ዘለዋ ንዕቐትን መላኽነትን ዘርእይ እዩ ክብል ምፅብፃቡ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ግዘ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝነበሩ ጃፓናውያን መራሕቲ ሰራዊት ዝነበሩ ሃይዲ ቶጆ፣ ሳዳኦ ኣራኪን ሹንኩሩ ሃታን ኩሎም፡ ከምቲ ሕዚ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ቅዲ ጭሕሚ ኣምባሳደር ሃሪ እዩ ነይርዎም።
ይኹን'ምበር፡ ምሁራት ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ እቲ ዞባ'ውን ተመሳሳሊ ቅዲ ጭሕሚ ከምዝነበሮም እዮም ዝገልፁ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







