ኣሜሪካ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ንቁጠባዊ ሕውየት ዝውዕል ሓደ ትሪልዮን ዶላር ኣሚሙ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰልፊ ሪፓብሊካን ናይ ኣሜሪካ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝስዓበ ቁጠባዊ ዕንወት ንምጽጋን ተወሳኺ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ክስላዕ እማመ ኣቕሪቡ

ኣብ'ዚ ውጥን፡ እቲ 100 ቢልዮን ዶላር ንትምህርቲ ዝውሃብን ንብዙሓት ኣሜሪካውያን ዝጸሉን ኮይኑ፡ ንመብዛሕተኦም ኣሜሪካውያን 1200 ዶላር መነቃቕሒ ክውሃብ ዝእምም እዩ።

እዚ ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ ነቲ ንነብሲ ወከፍ ስራሕ ኣልቦ ኮይኑ ዘሎ ኣመሪካዊ ንዝወሃብ ዝነበረ 600 ዶላር መነቃቕሒ ዝትክእ'ውን እዩ።

እዚ ወጺኡ ዘሎ ውጥን፡ ምስቶም ‘ፈጺሙ ዘየዕግብ መደብ’ ዝብልዎ ዘለዉ ሰልፊ ዲሞክራትስ ዘተ ክካየደሉ እዩ።

ኣሜሪካ ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝሰዓበ ቁጠባዊ ሓርጎጽጎጽ ንምሕዋይ፡ ልዕሊ2.4 ትሪልዮን ዶላር ኣውጺኣ ኣላ።

እዚ ንንኣሽቱ ትካላት ንግድን ንውልቀሰባትን ኣብ ምሕጋዝ ዝወጽአ ገንዘብ፡ ክኢላታት ስነ-ቁጠባ እኹል ዘይምዃኑ እዮም ክዛረቡ ጸኒሖም።

እዚ ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ መንግስቲ ካልእ ዝሓሸ ውጥን ክሳብ ዘምጽእ ነቲ ስራሕ ንዘይብሎም ንሰሙን 600 ዶላር ዝውሃብ ዝነበረ ናብ 200 ዶላር ብምጉዳሉ ካብ ብዙሓት ተቃውሞ ክገጥሞ ከምዝኽል እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሰልፊ ሪፓብሊለካን ነዚ ዝገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሰባት ካብ ሰሪሖም ብኮፎም ዝኽፈልዎ ይበዝሕ ስለዘሎ፡ እቲ 600 ዶላር መነቓቕሒ ናብ ሰራሕ ክምለሱ ዘተባባዕ ኣይኮነን ብምባል እዩ።