"ሞት እንተመጽአ'ውን ኣብዚኣ ኣብ ዓደይ እየ ዝሞት" ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ

ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ስማ ብጽቡቕ ክለዓል ካብ ዝገበሩ ሓደ እዩ። ንሃይለ ገብረስላሴ ካብ ዓብዪ ክሳብ ንእሽቶ ኣጸቢቑ ይፈልጦ።
ሃይለ ምስቲ ኣጸቢቑ ዝፍለጠሉ ውድድራት ጉያ፡ ጎና ጎኒ ድማ ኣብ ዓበይቲ ወፍርታት (ኢንቨስትመንታት) ይሳተፍ እዩ።
ንባዕሉ ኮይኑ ድማ፡ ንኻልኦት ተሪፉ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ገለ ከባብታት ክልል ኦሮምያ ዝተፈጥረ ዕግርግር ግን፡ ብዙሓት ህይወቶም ክስእኑን ንብረቶም ክዓኑን ምኽንያት ኮይኑ።
ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛውቲ፣ ኣብያተ ንግዲ ከምኡ'ውን ትካላት መንግስቲ ዓብዪ ዕንወት ኣስዒቡ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ከተማታት ሻሸመኔን ባቱን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረታት ዝበጽሐ ጉድኣት ከቢድ ከመዝኾነ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልጹ።
ኣብዘን ከተማታት፡ ናይቲ ውሩይ ጎያዪ ሃይለ ገብረስላሰ ክልተ ሆቴላት ይርከባ።
እተን ሆቴላት፡ ብፍላይ ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ኣጋይሽ ዝዓርፉለን ጽፈተን ዝሓለዋ ሆቴላት ስለዝነበራ፡ እቲ ዝበጽሐ ዕንወት ብገንዘብ ልዕሊ 200 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግምት።
"ትክክለኛ ኣሃዝ ኣይንፈልጦን። 290 ውን ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ሱቕ ኢልና ልዕሊ 200 ሚልዮን ይኸውን ኢልና ኢና ሒዝናዮ" ይብል ሃይለ።
ሎሚ ነቲ ንብረት ንምምላስ፡ ዋጋ እቲ ኣቑሑት ኣብ ዕዳጋ ሰማይ ተሰቒሉ ከምዘሎ ይዛረብ።
መጠን ጉድኣት
"ኣብ ሻሸመኔ ዝነበረ ሆቴልና በዓል ሰለስተ ኮኾብ እዩ። ሙሉእ ንሙሉእ ብዝበሃል ደረጃ እዩ ዓንዩ። ብዙሕ ዝደኸምኩሉ ሆቴል እዩ ነይሩ" ኢሉ።
"እቲ ኣብ ዝዋይ ዝርከብ ሪዞርት ድማ፡ ሱቕ ኢሉ ጥርሑ እዩ ተሪፉ። ምስትያቱ ፈሪሱ እዩ። ስፓኡ ተቓጺሉ። ናይቲ ናይ ስፖርት ክፍሊ ድማ ተቓጺሉ። ክሽነ ከይተረፈ ነዲዱ እዩ። ጋሻ መቐበሊ ክፍሉ ደሓን እዩ። እንተኾነ ብዙሕ ኣቕሑ ተሰሪቑ" ኢሉ።
ኣብተን ከተማታት ተመሊሱ ናብ ስራሕ ክምለስ ድሌት እንተለዎ ተሓቲቱ፡ ዛጊድ ኣብ ውሳነ ከምዘይበጽሐ እዩ ዝዛረብ።
"እቲ ናይ ሻሸመኔ ሆቴል ክነስርሖ እንተኾይንና፡ መሊስና ካብ መሬት ፍሒርና ኢና ካልኣይ ክንሰርሖ። እቲ ናይ ዝዋይ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምሕዳስ ይከኣል እዩ" ኢሉ።
ኣብ ክልቲአን ሆቴላት ልዕሊ 400 ሰባት ተቖጺሮም ይሰርሑ ነይሮም።
"ሕዚ ንሶም ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ" ኢሉ ሃይለ።
ኣብ ካልኦት ሆቴላት ተቖጺሮም ከይሰርሑ ድማ፡ ኣብተን ከተማታት ዝነበራ መብዛሕተአን ሆቴላት ከምዝዓነዋ ይዛረብ።
"እዚ ዓብዪ ቅልውላው እዩ። ኣብዛ ሃገር ስራሕ ዝሰኣነ መንእሰይ ኣብ ዝመልአሉ እዋን፡ ተወሰኽቲ ሸቕሊ ኣልቦ ሰባት እዮም ዝፍጠር ዘለዉ" ይብል ሃይለ።
ውሕስነት ምስኣን
ኣብተን ከተማታት ዝበጽሐ ጉድኣት፡ ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑንን መንግስቲ ግብሪ ክስእን ካብ ምግባር ብዝዘለለ፡ ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ሃብቶም ከውፍሩ ንዘደልዩ 'መንቅሒ ደወል እዩ' ይብል።
ሆቴላት፣ ህንጻታት፣ ኣብያተ ንግዲን ካልእ ብዙሕን እዩ ተቓጺሉ ዝብል ሃይለ፡ ነቲ ዝዓነወ ንብረቱ ካሕሳ ክረክብ እየ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ይዛረብ።
"ኣነስ ካብ ካልኦት ከከሓሕሶ እኽእል እየ። ሓንቲ ጥራሕ ሆቴል ዘላቶምኸ እንታይ እዮም ክኾኑ?" ብምባል ይሓትት።
እንተኾነ፡ ብዛዕባ እቲ ዝዓነወ ንብረቱ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ብስልኪ ከምዝተዛተየ ይዛረብ።
"ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም እዮም። መንግስቲ ቀልጢፉ ምላሽ ክህበና ኣለዎ። ንዘራረብ ኣለና ኢና" ኢሉ።
"ልዕሊ ኣርበዓን ሓምሳን ዓመታት ዝደኸምሉ ንብረት ዝሰኣኑ ይበኽዩ እዮም ዘለዉ። ንሶም ድማ ፍትሒ ክረኽቡ ኣለዎም" ድማ ይብል።
ሃይለ ገብረስላሰ ወሲኹ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲታት ከምዘይድገሙ፡ ውሕስና ከምዘድልዮ ተዛሪቡ። ነዚ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ብሕጊ ክሕተቱ ከምዘለዎም ድማ ይዛረብ።
ላንጋኖ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ መጥቃዕቲ ክፍጸም ምስ በለ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ከምዝተኸላኸለ ብምግላጽ፡ ፍትሒ ካብ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ'ውን ተመሳሳሊ ክገብር ከምዘለዎ ይኣምን።
ሓይልታት ጸጥታ ድማ፡ ኣብቲ እዋን ናይ ምክልኻል ስራሕ ኣይሰርሑን ክብል ሃይለ ወቒሱ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኣዳማ ኣብ ዝኸፍቶ ሆቴል፡ ነቶም ዝተወሰኑ ካብ ስርሖም ዝተመዛበሉ ሰራሕተኛታቱ ከምዝቖጽሮም ገሊጹ፡ ብሓፈሻ ግን እቲ ፍጻመ ከምዘሕዘኖ ይዛረብ።
"ይኹን'ምበር ኢትዮጵያ ዓደይ እያ። ናብ ዝኸዶ የብለይን። ሞት እንተመጽአ'ውን ኣብዚኣ እየ ዝሞት" ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







