መገሻታት መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንታይ ልኡኽቶ ይህልዎም?

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter
ፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያ መገሽኡ ናብ ግብጽን ሱዳንን በጺሑ ምስተመልሰ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን አብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ መዓስከር ሳዋ ምብጽሑ አዘራራቢ ኮይኑ'ሎ።
ብድሕሪኡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ አካይዱ።ንምዃኑ እዞም መገሻታት እንታይ ዕላማ ይህልዎም ይኸውን?
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም ምስ ኣክሊሉ ጸጋይ ሓጺር ዕላል ገይሩ'ሎ።
ነዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝግበር ዘሎ መገሻታት መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከመይ ኢኻ ትዕዘቦ?
ዓብዱራሕማን፡ ገለ ነገራት ይኸይድ ከምዘሎ ክግመት ይከኣል እዩ። እቲ ሓደ ምስ ጉዳይ ኣባይ ክተኣሳሰር ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ከኣ ውሽጣዊ ኩነታት ናይ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ሞንጎ ኣብዪን ህወሓት ዘሎ ቁሩቁስ ኣብ ግምት ዘእተወ እውን ይመስል።
እቶም መንግስታት ብግልጺ ዘይተዛረቡሉ መገሻታት እዮም ዘካየዱ ዘለዉ'ሞ፡ ከምኡ ክትብል እንከለኻ ካብ ምንታይ ኢኻ ትብገስ?
ዓብዱራሕማን፡ ግብጻውያን ብጉዳይ ኣባይ ኣዝዮም ተጨኒቖም ከምዝቐነዩ ካብ ዓለማዊ ማእከናት ዜና ክንሰምዖ ጸኒሕና ኣሎና።
ምስኡ ኣታኣሳሲርካ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣባይ ከም ሓደ ፖለቲካዊ መቆራቖሲ ዛዕባ ኮይኑ ክቐርብ ጸኒሑ ኣሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከኣ ነቶም ተቓወምቱ "ምስ ግብጺ መሻርኽቲ እዮም፤ ነቲ ናይ ኣባይ ስራሕ ከዕንቅፉ ዝደልዩ እዮም" ክብል ተዛሪቡ እዩ።
ኣብዪ ካብ ዝኾነ ካልእ ተሓላቒ ጉዳይ ኣባይ ዝኸውን ኣይመስለንን። ከምኡ ከብል ዝኽእል ብዙሕ መረዳእታ እውን የለን። ግን ነዚ ከም ምኽንያት ከእትዎ ምፍታኑ እቲ ንወጻኢ ክኸይድ ዝጸንሐ መልእኽቲ 'ኦፖሲት ኢፌክት' [ተቓራኒ ሳዕቤን] ጸኒሕዎ ማለት'ዩ።
ግብጻውያን ናብ ብሓቂ ክጭነቑን ክሳብ ኩሉ ኣማራጺታት እንተላይ ወተሃደራዊ ኣማራጺ ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ክዛረቡ ጀሚሮም። ስለዚ እዚ ኩነታት እንከሎ'ዩ እምበኣር ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ናብ ግብጺ ዝገሸ። ስለዚ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት መገሺኡ እዚ ጉዳይ ክኸውን ከምዝኽእል ትርዳእ። ምኽንያቱ ዶክተር ኣብዪ፡ ንግብጺ ዝሃሲ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ከምዘይሰርሕ ተመባጺዑ ከምዝነበረ ኩላትና ንዝክሮ እዩ።
ካልኣይ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ኣብዪ ኣሕመድ'ዩ መሃንዲስ እቲ ግድብ ዝነበረ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ዝተቐተለ፡ ወይ ነብሰ ቅትለት ምስ ፈጸመ፡ ምስኡ ተኣሳሳሩ ዝበሃል ዝነበረ ጉዳይ ኣባይ ነዊሕ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል'ዩ።
ብፍላይ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ምስ ምሁራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ሓደ መድረኽ ዘተ ብዙሕ ዘረባታት ተዛሪቡ ስለዝነበረ፤ "እቲ ዘረባ ንውሽጣዊ ሃልኪ እምበር ንዓኹም ንኽጎድእ ኣይኮነን ተዛሪብዎ" ዝብል መልእኽቲ ሒዙ ዝኸደ ይመስለኒ ፕረዚደንት ኢሳይያስ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ብፍላይ ምስ ቅትለት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴስ ብዝተሓሓዝ እቲ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት በጺሑ'ሎ። ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ'ውን ክዓርግ ይኽእል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, ABURAHMAN
ዑደት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ናብ ኤርትራ ብዝምልከት'ከ?
ዓብዱራሕማን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ መገሻ ካብ ዝበጽሖም ቦታታት እቲ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ እዩ። ስለዚ ናብኡ ዘኼዶ ምኽንያት ወተሃደራዊ ኣጀንዳ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣይትጽበይን ኢኻ።
ስለዚ ነዚን ካልእን ኣብ ግምት ክተእትዎ እንከለኻ ሓደ ምስቲ ግድብ ካልኣይ ከኣ ምስ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ ዑደታት ይካየድ ከምዘሎ ከተንብብ ትኽእል።
ምስዚ ኣታኣሳሲርካ እትሪኦ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ። ሕጂ ድማ ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤራትራ ኣብ ሱዳን ዑደት ይገብር ኣሎ። ስለዚ ጸጥታውን ወተሃደራውን ምንቅስቓሳት እውን ኣካል ናይቲ ዝግበር ዘሎ መገሻታት ከምዝኾነ ክትግንዘብ ትኽእል።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ግን ካብ ምንታይ ብዝነቅል ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ክግደስ ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter
ዓብዱራሕማን፡ ኣብዪ ኣሕመድ መሻርኽቱ ከም ምኻኑ መጠን፡ ምናልባት ንሱ ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝዛረቦ "ማይ ክንመልእ ኢና፤ ክሳብ ሚልዮን ሰራዊት ክነሰልፍ ኢና" ዝብል ዘረባታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ነቲ ዘረባ ከም ቁም-ነገር ኣይትውሰድዎ፤ ንናይ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ እዩ ዝገብሮ ዘሎ" ዝብል ዓይነታት መልእኽቲ ከብጽሕ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ።
ካልኣይ ከኣ፡ ግብጺ ብተደጋጋሚ 'እዚ ናይ ኣባይ ማይ ጉዳይ ንግብጺ ናይ ሞትን ሕየትን እዩ ጉዳይ እዩ ' ስለዝብሉ ስጉምቲ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ስጉምቲ ከኣ ወተሃደራዊ ወይ ከኣ ካልእ ኣማራጺ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ግብጺ እኹል ወተሃደራዊ ዓቕሚ ከምዘለዎም እዮም ዝዛረቡ - ኣለዎም ከኣ።
ስለዚ ናይ ግብጺ ነድርን ቁጠዐን ንቐዳማይ ሚንስትር ዓብዪ ዒላማ ዝገብር ስለዝኾነ ስልጣኑ ከስእኖ ይኽእል እዩ። ነዚ ጉዳይ እዚ ከህድእን ከዝሕልን ከተዓርቕን እውን ዝኽእል ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ እዩ። ስለዚ ተልእኾ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣብዪ ምድሓን እዩ ኢልካ ክግመት ይከኣል እዩ።
ግድብ ህዳሰ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ መቆራቖሲ ይኸውን ኣሎ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ'ውን ከም መስሓቢ ይጥቀሙሉን የላዓዕልዎን ኣለዉ። ጉዳይ ኣባይ እንተተላዒሉ እውን ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ኣሎ። ሓቂ እዩ እቲ ግድብ ኣብ ጊዜ ህወሓት እዩ ተጀሚሩ። ጉዳይ ኣባይ ኣብ እዋን ሃጸይ ሃይለስላሴ ኮነ ብግዜ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝደፈሮ ኣይነበረን።

ምንጪ ስእሊ, Maxar Technologies via Reuters
ስለዚ ነዚ ግድብ ክጅምር ዝኸኣለ ሓይሊ ኣብ ሎሚ በጺሕካ፡ ኣንጻር እቲ ዘንቀሎ ፕሮጀክት ይኸውን ኣሎ ክትብል ቁሩብ ንምእማኑ ኣጻጋሚ እዩ።
ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ክሽምግሉ ፈቲኖም እውን ነቲ ጉዳይ ክፈትሕዎ ኣይከኣሉን። ዓበይቲ ትካላትን መንግስትን ዘይከኣሉዎ ጉዳይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክሰምረሉ ይኽእል'ዶ ይኸውን?
ዓብዱራሕማን፡ ፡ ኣነ ኣብዚ ጉዳይ ከም መትከል ዝወስዶ ሓደ ነገር ኣሎ። ኣብ ናይ ኒል ተፋሰስ ትሸዓተ ሃገራት ስለዘለዋ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ናይ ኩለን መሰል እዩ። ንግብጺ ጥራሕ ኣይኮነን እቲ መሰል። ግብጺ መሰለይ ትግህሱ ኣለኹም ትብሎ ዘላ ነቲ ብ1959 ዝተፈረመ ስምምዕ እዩ። እቲ ስምምዕ ከኣ ነተን ሃገራት ዘካተተ ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ'ውን ዋላ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ነጻ ሃገር እንተኾነት ዘይነበረቶ ስምምዕ እዩ።
ስለዚ እዘን ሃገራት ሎሚ ምስ ብዝሒ ህዝበን፣ ድልየት ኤለክትሪሲትን ካልእን ምኽንያት ኮይኑ ንማይ ኣባይ ክረብሓሉ ይደልያ እየን። ሕጂ እታ እንኮ መሰማምዒ ኮይና ክትቕርብ እትኽእል ነቲ ናይ 1959 ስምምዕ ተመሊስካ ብምርኣይ ኩለን ሃገራት ዝሳተፋሉ ካልእ ሓድሽ ስምምዕ ክካየድ ኣለዎ። እቲ ሓድሽ ስምምዕ ከኣ ናይ ኩላተን ረብሓ ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ።
እቲ ካልእ ፍታሕ ዝበሃል ብፍላይ እዚ ናይ ቀረባ ምትእትታዋት ንሓጺር ግዜ ጥራይ ዝጸንሕ ፍታሕ እዩ ክኸውን። ሞንጎኝነት ኣሜሪካ፥ ዓለማዊ ባንኪ ይኹን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልክዕ ከምዚ 'ፐይን ኪለር' [ጸረ-ቓዛ] ወይ ከኣ ንጊዚኡ እትወስዶ ፓናዶል እዩ ዝኸውን። እዚ ከኣ እቲ ጉዳይ መመሊሱ ከምዝለዓል ስለዝገብር ኣብ ሓደጋታት'ውን ከብጽሕ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, @HAWELTI/TWITTER
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ህንጸት እቲ ግድብ እንታይ ዓይነት መርገጺ ከምዘለዎ ምግማት ይከኣል'ዶ?
ዓብዱራሕማን፡ መርገጺታት ኢሳይያስ ብ'ፕሪንሲፕል' ወይ ብትካላዊ ኣገባብ ኣይኮነን ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ ከም ፖሊስ እዚ እዩ ሓሳቡ ኢልካ ግምታት ክተቐምጥን ትንታነ ክትህብን ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ምስ እዋናዊ ረብሕኡ እዩ ዝኸይድ ንሱ። ኣብዚ እዋን እዚ ምናልባት እቲ ግድብ ንዕኡ ከም ሓደ ዓብዪ ዛዕባ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።
ብርግጽ፡ ከምቲ ግቡኡ ኤርትራ ካብቲ ምንጪ ናይ ኤለክትሪሲቲ ክትረብሕ ትኽእል እያ። ንኢትዮጵያ ኣኺሉ፡ ንኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኬንያን ካልእን ረብሓ ክህልዎ እዩ። ይኹን እምበር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምናልባት ኣብ ሓደ እዋን ክድግፎ ካልእ እዋን እውን ክቃወሞ ይኽእል'ዩ።
ስለዚ ከምዚ ዓይነት ዘይንጹር መርገጺታት ክወስድ ይረአ እዩ። ሓንሳብ እውን ነቲ ነገር ዘነኣእስ ርእይቶታት ክህብን ክዛረብን ትሰምዖ ኢኻ። ካብኡ ሓሊፍካ ግን እታ ሕጂ ንዕኡ ኣብ ግድብ ናይ ኣባይ እተገድሶ፤ ስልጣን ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝድልድለሉ ኩነታት ምፍጣር'ዩ ክበሃል ይከኣል'ዩ።
ኣብ ርእሲ'ቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ናይ ደገ ጸቕጥን ተጻብኦን ከይውሰኾ ተርኡ ክጻወት ይኽእል'ዩ። ኣብ ከምዚታት ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ኣብዪ ኣሕመድ ንላዕሊ ተሞክሮ ኣለዎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







