"ሕገ መንግስቲ ጸገም እንተሃልይዎ ምምሕያሽ ይክኣል'ዩ፡ ግቡእ'ውን እዩ" ዶክተር ደብረጽዮን

ደብረጽዮን

ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ፕላኔት ሃገር ለኸ 'መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን' ዝተሰመየ ዋዕላ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ሰኑይን ሰሉስን፡ ንኽልተ መዓልታት ዝካየድ መድረኽ ዘተ፡ ብምሁራት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ክቐርብ ትጽቢት ይግበር።

ምክትል ርእሰምምሕዳር ክልል ትገራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሕገ መንግስቲ ክጠሓስ ብምጅማሩ፡ ኢትዮጵያ መንግስቲ ከም ዘይብላ፡ ሰባት ብመንነቶም ግዳይ ክኾኑን ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ብምጅማሮም ኢትዮጵያ በዚ ኣርእስቲ እዚ ብተደጋጋሚ ሽማ ክለዓል ከም ዝጀመረ ገሊጹ።

እቲ ሕዚ ዘሎ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኹሉ ዘየሳተፈ፡ ብድልየት ኢህወዴግ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተፅዓነ፡ ናይ ኢህወዴግ ሕገመንግስቲ እዩ ብዝብል ዝወቕስዎ ብዙሓት እዮም።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ ምኽንያት ምልሕላሕ ሓድነት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ ድማ መንቀሊ ናይቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገማት እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ነቐፍቲ እውን ኣለው። ብፍላይ ነቲ ክሳብ ምግንጻል ዝበፅሕ መሰል ርእሰ ውሳነ ዘፍቅድ ዓንቀፅ 39 ዝነቕፍዎ ብዙሓት እዮም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ዝተፈላለያ ብሄራት ብዝተወለዐ ግጭታት ሂወት ኣሽሓት ዜጋታት ምቑዛፉ ይፍለጥ። ጠንቂ ናይቶም ግጭታት ገሊኦም እቲ ሕገመንግስቲ'ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ፡ ብሰንኪ በቲ ሕገመንግስቲ ዘይምቕያድ ይብሉ።

"ሕገ መንግስቲ ጸገም እንተሃልይዎ ምምሕያሽ ይክኣል'ዩ፡ ግቡእ'ውን እዩ" ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቲ ሕገመንግስቲ ምምሕያሽ ዘድልዮ እንተኾይኑ "ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ" ክመሓየሽ ከምዝኽእል ዶ/ር ደብረጽዮን ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ካብዚ ፈታንን ዘፍርሕን መንገዲ ንምድሓን፡ እዚ ዘተ ውጽኢታዊ ክኸውን ድማ ተተስፍዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲኣ ኣበባ፡ መምህርን ተመራማርን ዶክተር መንበረ ጸሃይ ታደሰ፤ ሕገ መንግስትን፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ንሕገ መንግስቲ ንምድሓን ነቲ ሕግን ዕላማታት እቲ ሕገመንግስትን ምርዳእ ከም ዘድሊ ጠቒሱ።

ብምስዓብ 'እቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዘሎ ሃጓፍ'ዩ ጠንቂ ግርጭት ዝኸውን ዘሎ' ዝብል ሓሳብ፡ ኣብቲ ሕገ መንግስትን መንፈሱን ዘየሎ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ሕገ መንግስቲ ኢትዩጵያ ናይ ሰላም ሰነድን፡ ብሄር ብሄረስባት ምዕሩይ መስል ከምዝህልዎም ብምግባር፡ ነቲ ጠንቂ ግጭት ዝነበረ ጸገም ከም ዝኣለየ ገሊጹ።

ዶክተር መንበር ጸሃይ፡ መፍትሒ ኩሎም ጸገማት ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ኣለዉ ብምባል፡ ዓንቐጽ 39 ከም ሓደ ሃጓፍ ናይዚ ሕገ መንግስቲ ጌርካ ዝውሰድ እንተኾይኑ ብሄር ብሄረሰባት ብፍቓድን ብምክብባርን ምሉእ ርእሰ ምምሕዳር ንክህልወን ዘፍቀደ ብምዃኑ ብኣወንታ ክረአ ዝግባእ'ዩ ኢሉ።

ዋዕላ

ምምሕያሽ ዘደሊ እንተኾይኑ እውን፡ ምምሕያሽ ጌርካ ንሕገ መንግስቲ ብምኽታልን ብምትግባርን ካብዚ ዓዘቕቲ ክውጻእ ከምዝከኣል ገሊጹ።

መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቕረቡ መምህር ሕግን ተመራማርን ዶክተር መንግስቱ ኣረፋይነን፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ምምህር ፖሎቲካዊ ሳይንስን ተመራማርን ዶክተር ሙሉጌታ ባካሉን፡ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ተጨፍሊቖም ዝነበሩ ብሄር ብሄረሰባት መሰላቶም ክፈልጡ፡ ሓሳቦም ክገልጹ ዘኽኣለ'ዩ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ፡ ካብ ተሳተፍቲ ሕቶን ርእይቶን'ውን ቀሪቡ ነይሩ። ካብ ድሬዳዋ ዝመጽኡ ሽማግለ ዓዲ፡ ኣቶ መሓመድ ሙሴ "ዋጋ ሰላም፡ ሰላም ምስ ተሳኣነ ኣዩ ዝርድኣካ" ድሕሪ ምባል፡ ምክእኣል ዝጠልብ ግዜ ከምዝተበጽሐ ተዛሪቦም።

ካብ ቤንሻንጉል ዝመጽአ ክኢላ ሕጊ ዓብዱራሕማን ብወገኑ፡ እዚ ሕገ መንግስቲ ንብዙሓት ሕብረተሰባት ካብ ምብትታን ኣድሒኑ ጠሚሩ ከም ዝሓዞም ብምጥቃስ፡ ኣቲ ኣካይዳ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ብዘይምንባሩ ግን፡ እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ከም ዝተፈጠረ ሓሳቡ ኣካፊሉ።

ብምስዓብ ኢህወዴግ ነቶም ናተይ ዝበሎም ውድባት ጥራይ ከም ንደርጊ ዝተቓለሱ ገይሩ ስለዝገልጾም፡ እዚ'ውን ሓደ ካብ ጸገማት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኩሉ ንልዕልና ሕጊ ክቃለስ ጸዊዑ።

ካብ ምንቅስቓሰ ሓርነት ሲዳማ ዝመጽአ ዶክተር ሚልዮን ቶማቶ፡ ሕገ መንግስቲ ንኽትግበር ብሓባር ክሰራሕ ከም ዝግባእ ንተሳተፍቲ ርእይቶኡ ኣካፊሉ።

ካብ ክልል ሶማል ዝመጽአ ኣቶ ዓብዱ ዑመር ብወገኑ "ኢህወዴግ ንሓደሕደኩም ክትጓተቱ፡ ኣፍልጦ ዘይረኸብና ብሄራት ንርገጽ ኣለና" ኢሉ።