ህሉው ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓይኒ ተንተንቲ

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡8 ሓምለ 2018፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ታሪኻዊ ዝኾነ ምብጻሕ ናብ ኣስመራ ኤርትራ ኣካይዱ። ንጽባሒቱ 9 ሓምለ ድማ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈሪሙ፤ እቲ ንዒስራ ዓመት ዝዘለቐ ኩነታት ኣይ ኲናት ኣይሰላም ከም ዘብቅዐ’ውን ተገሊጹ። ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ምዕባለታት እንታይ ይመስል? ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንጉዳያት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ኣዘራሪብና ኣሎና - ኤርትራዊ ዓብዱራሕማን ሰይድ ቦሓሽም ከምኡውን ኢትዮጵያዊ ዳደ ደስታ።
እተን ክልተ ሃገራት ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ከቲመን፡ እቲ ናይ ኲናት ሃዋሁ ከም ዘኽተመ ምስ ኣወጃ ዝተሰምዖ ክገልጽ ከሎ ኣቶ ዓብዱራሕማን ቦሓሽም፡ ሰላም ንኹሉ ዘርብሕ ብምዃኑ ዘሕጉስ ምንባሩ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ሰላም ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ጥራይ ከይከውን ስግኣታት ከም ዝነበሮ ይገልጽ። ንሱ፡ ትካላዊ መሰረትን ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎን ሰላም ክኸውን ኣለዎ ዝብል ርእይቶ'ዩ ነይሩዎ።
ህዝቢ ንሰላም ዝነበሮ ናፍቖት ዝያዳ ኣብ ምኽፋት ዶባት ዝነበረ ኩነታት “ሕማቕ ምዕራፍ ተዓጽዩ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንሰግር ኣሎና” ዝብል ስምዒት ክልቲኡ ህዝቢ ዘንጸባረቖ እዩ ዝበለ ኣቶ ዳደ ብወገኑ ህዝቢ ነቶም መራሕቲ ዘርኣዮ ኣቀባብላ፡ ነቲ ሒዘምዎ ዝመጽኡ ናይ ሰላም ሃዋሁን ተስፋን ዘንጸባርቕ ምንባሩ ገሊጹ።
“እቲ ህዝቢ ወላ’ኳ ነቲ ዝርዝር ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም እንታይ ምዃኑ እንተዘይፈለጦ፡ እቲ ሃዋሁ እቲ ቋንቋ ክቕየር እዩ ብዝብል ብዓቢይ ሃንቀውታ ተቐቢልዎ ምንባሩ” ተዛሪቡ።
ምስዚ ተታሓሒዙ ዝለዓል ጉዳይ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ውሽጣዊ ጽገናታት ናይ ምግባር ጉዳይ ምንባሩ ዝሓበረ ቦሓሽም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ተጀሚሩ ዝነበረ ናይ እሱራት ምፍታሕን ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ተበግሶታት ተወሲዱ ምንባሩ ብምዝኽኻር ብሸንኽ ኤርትራውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ተስፋ ተጌሩ እኳ እንተነበረ ኣብ ኤርትራ ከም ዘይተራእየ ኣብሪሁ።
“ኣብ ሓደ ቦታ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ዘይኣምን፡ ኣብቲ ካልእ ከኣ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ኣሚኑ ናብ ዴሞክራሲ ከሰጋግር እየ ዝብል መሪሕነት እንተሎ ሓዲኦም ነቲ ካልኣይ ክስዕብ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ እዚ እዩ፤ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ጽገናታት ክቕጽል ኣይረአን እዩ ዘሎ” ይብል ቦሃሽም።
“እዚ እቲ ዝተገብረ ናይ ሰላም ዳንኬራታት ኣርቲፊሻል ከምዝነበረ ጌሩ የቕርቦ ኣሎ።”
ሰላም ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ክበሃል እንተኾይኑ ኣብ ባይታ ከምኡ ክረአ ኔርዎ፡ እንተኾነ ግን ናይ ሓባር ጸላኢ ንዝበሃሉ ሓይልታት ኣልጊስካ ምስ ኤርትራ እትመሳሰል ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዝስራሕ ዘሎ እዩ ዝመስል ድማ ይብል።
ካብቲ ስምምዕ ሰላም ዝተረኽበ ዝተወሰነ መኽሰባት ከም ዘሎ ዝገለጸ ዳደ፡ “እቲ ሎሚ ጽባሕ ናብ ኲናት ኣተና ዝብል ወተሃደራዊ ምትፍናን ነክዩ፡ ወላ ብነፋሪት ጥራይ እንተኾነ’ውን ህዝቢ ክራኸብ ምኽኣሉ’ውን” ገለ ክጥቀስ ዝኽእል ኣነኣኢስካ ዘይርአ ምዃኑ’ኳ እንተሓበረ፡ እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ጉዕዞ ግና ብዙሕ ከም ዘይሰጎመ ይገልጽ።
ጉዳይ ትግባረ ውሳነ ኮምሽን ዶብን ምስሓብ ሰራዊትን
ሓደ ካብ መትከላት እቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኣብ ባይታ ክትግበር ዝብል እዩ።
ዛጊት ግና እቲ ውሳነ ኣይተተግበረን ኣሎ። ኣብዚ መዳይ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ምስሕሓብ ተሸሚሙ ዝርከብ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት ክኸስስ ከሎ፡ ህወሓት ብወገኑ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘድሓርሓሩ እዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ጉዳይ ትዕዝብቱ ዝሃበ ዓብዱራሕማን ሰይድ እቲ ጉዳይ ካብ ፈለምኡ ናይ ባድመ ከም ዘይኮነ ይሕብር።
“እቲ ጉዳይ ካብ ፈለማ ክጅምር ከሎ ናይ ዶብ፡ ናይ ባድመ እንተዝነብር፡ እታ ጉዳይ ኣብ ባድመ ተሓጺራ ምተረፈት እምበር ናብ ካልእ ዶባት ኣይምሰፍሐን። ምናልባት ንወትሃደራዊ ስትራተጂ ተባሂሉ’ዩ ብኹሉ ሸነኻት ተወሊዑ ክበሃል ይከኣል እዩ። ግን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ከሎ እታ ተሰሓሕብ ዝነበረት ባድመ ምቐረበት እሞ ሕጽር ብዝበለ መዕለቢ ምረኸበ ነይሩ፤ እንተኾነ ግና እቲ ዘየሰሓሕብ ዝነበረ ቦታታት’ውን ከም ዘሰሓሕብ ኮይኑ እዩ ቀሪቡ።
“እቲ ጉዳይ ናይ ዶብ ከም ዘይኮነ ዘርእይ ግና፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ ምፍርራሙ ነቲ ከም ቅድመ ኩነት ከቐምጦ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ ረሲዑ፡ ከመይ ጌርካ ንወያነ ትስዕር ናብ ዝብል እዩ ኣድሂቡ። ብሸነኽ ወያነ ዝግበር ዝነበረ’ውን መስርሕ ምጥራር ንኸይጅመር ዓንቃፊ እዩ ነይሩ” ይብል።
“ስለ ዝኾነ እቲ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣብ መንጎ እዚ ክልቲኡ መንግስታትን ሃገራትን ከመይ ጌርካ እምነት ትፈጥር ብዝብል በቲ ዘሰሓሕብ ጉዳይ ክጅምር ነይርዎ። እቲ ዘየሰሓሕብ ጉዳያት ግን ክልቲኡ እንተተሰማሚዑ ከምቲ ዝጸንሖ’ውን ክቕጽል ምኸኣለ” ድሕሪ ምባል “እታ ብዙሕ ባሕግን ተስፋን ተጌሩላ ዝነበረ ሰላም ኣብዚ እዋን እዚ ተንጠልጢላ ኣብ ሓደጋ ከም ዘላ እዩ ዝርአ ዘሎ” ኢሉ።
ተመሳሳሊ ርእይቶ ከም ዘለዎ ዝገለጸ ዳደ ብወገኑ፡ ጠንቂ ናይቲ ዘጋጠመ ደማዊ ዂናት ናይ ፖሊሲ ዘይምቅዳው እምበር ዶብ ከም ዘይነበረ ይገልጽ።
ህወሓት ኣብ ትግባረ ኮምሽን ዶብ ዓንቃፊ ኮይኑ ኣሎ ኣብ ዝብል ርእይቶ ግና፡ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ናይ ክልቲኡ መንግስታት ጉዳይ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ “መንግስቲ ትግራይ ነቲ ኣብ ዶብ ዘሎ ማሕበረሰብ ምሕጋዝ ምትብባዕ እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ተራ ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን” ይብል።
“ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ናይ ዶብ ጉዳይ ቀዳምነት ዝወሃቦ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ እዩ።”
ዝርዝር ትሕዝቶ ብመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዓት ንህዝቢ ኣይተገለጸን፡ ዝምድና ክልቲኦም መራሕቲ ጥራይ እዩ ትካላዊ መሰረት ዘለዎ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ብኽልቲኡ ወገናት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ።
ብኸመይ'ዩ ትካላዊ ክኸውን ዝኽእል?
ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ እዚ ጉዳይ ትካላዊነት “ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ” ኾይኑ እዩ ረኺብዎ።
ናይ መንግስታት ናይ ሓባር ኮሚሽን ክቖውምን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብተዓዛብነት ክሳተፉሉ ከም ዝኽእሉ’ውን ድሕሪ ምግላጽ "እቲ ጉዳይ ዓለምለኻዊ'ዩ፡ ዓለምለኻዊ ዶብ ስለዝነኾ፡ [ስለዚ] ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘለዉ መንግስታት'ዮም ክፈትሕዎ ዘለዎም" ኢሉ።
ይኹን እምበር፡ “እቲ ቦታ ሰብ ዝነብረሉ እዩ። ባዶ ሜዳ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ምትግባር እቲ ውዕል ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ህዝቢ ተሳታፊ ክኸውን ኣለዎ። ብጭቃ ዓዲ ድዩ፣ ብቐቢላዊ ሽማግለታት ድዩ ብኻልእ ሜላ ንዐኦም ዘሳትፍ ባይታ ክፍጠረሎም ኣለዎ።”
ከም መበገሲ ድማ፡ እቲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ በተን ዘካተዓ 15 ሚኢታዊት ቦታ ክጅመር ይኽእል ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
እዚ ንክኸውን፡ እቲ ከባቢ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ ክኸውን ከምዝግባእን ገለ ዝተቐብሩ ፈንጅታትን ነተጉትን ከይህልው ክፍተሽ ከምዝግባእን ይሕብር።
ከምኡ ምግባር፡ ነቲ ዶብ ኣብ ምሕንጻጽን እቲ ሕብረተሰብ ናጻ ኾይኑ ንምንቅሰስቓስን ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ ከኣ ይብል።
ቦሓሽም፡ እቲ ከይዲ ብኸመይ ትካላዊ ክኸውን ከምዘለዎ ሓሳብ እንከሎ ድማ፡ ሕጋውነት ናይቶም ኣብ ኣስመራን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዘለዉ መንግስታት ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ'ዩ በሃላይ እዩ።
“ኣብ ኣስመራን ኣዲስ አበባን ዘለዉ ክልቲኦም ጊዝያዊ መንግስታት እዮም። ጊዝያዊ ሕጋውነት ደኣምበር፡ ህዝባውን ልኣላውን ሕጋውን የብሎምን” ኢሉ።
ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ብዝምልከት፡ ኤርትራ ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ብጊዝያዊ መንግስቲ ትመሓደር ከምዘላ እዩ ዝኣምን።
“ናቱ ቅቡልነት፡ ጸንቂቑ ወዲኡ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ዋላ ውድባዊ ቅቡልነት’ውን የብሉን” ኢሉ።
ህግደፍ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ምክያድ ጠጠው ዘበለሉ ኩነታት ከምዘሎ ብምዝራብ፡ “ኣብ ኣስመራ፡ ናይ ብሓቂ ናይ ሕጋዊነት ቅልውላው ዘለዎ ስርዓት እዩ ዘለና” ክብል ወሲኹ።
መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኤርትራ ብዘይቅዋም'ዩ ንዳርጋ 30 ዓመት መሪሑዋ። እቲ ክሳብ 2002 ዝነበረ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ'ውን ፈሪሱ ይርከብ። እቲ እንኮ ፖለቲካዊ ውድብ ዝብሃል ህግደፍ ንባዕሉ ካብ 1994 ጀሚሩ ጉባኤ ኣካይዱ ኣይፈልጥን፡ሓጋግን ፈጻምን ኣካላቱ'ውን ካብ ዝፈርሱ ዓመታት ኣቚጺሮም ኣለዉ።
እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ድማ ካብኡ ዘሕይሽ ከምዘይኮነ እዩ ዝዛረብ፤ ቦሓሽም።
መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ፖሊታካዊ ብዙሕነት ክፈቅድ እዩ ተባሂሉ ተቐባልነት ረኺቡ እንተነበረ’ኳ፡ ሕዚ ግን ክልተ ናይ ቅቡልነት ሕቶ ይለዓሎ ከምዘሎ ይዛረብ።
“ሓደ እቲ ንዕኡ ናብ ስልጣን ዘምጸአ ኢህወዴግ እዩ ‘ምበር ብልጽግና ኣይኮነን። ኢህወዴግ እንድሕር ዘየለ ሕጂ፡ብጊዝያዊ ምሕደራ ናብቲ ዝድለ መረጻ ኣቲኻ ህዝባዊ ዝኾነ ስርዓት ክሳብ ዝትከል መጻንሒ ትገብሮ ስርዓት እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ፡ ዛጊት ናብ መረጻ ስለዘይተኣተወ ‘በየናይ ሕጋዊነት ኢኻ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኢልካ ዘለኻ?’ እንተኢልካዮ መልሲ የብሉን” ክብል ኣረዲኡ።
ስለዚ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ኾነ ምጥራር መሬት፡ ሕጋዊ ባይቶ ምስተመርጸ እንተጽዲቕዎ እዩ ሕጋውነት ዝህልዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።
“እቲ ሕጂ ዝስራሕ ኣብዞም ክልተ ውልቀ ሰባት ተመርኲሱ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ማለት እዩ። ምስኣቶም ዝጸንሕን ምስኣቶም ዝኸይድን እዩ” ኢሉ። ኣብ ዝኾነ ሰዓት ሓሳቦም እንተቐይሮም፡ ከምኡ ክቕየር ዝኽእል ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።
ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእልዶ?
ኣይተ ዳደ ደስታ፡ እቲ ዶባት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ወታሃደራዊ ወጥሪ ዘለዎ ከምዘይኮነን፡ ሕዚ ድሩት ሓይልታት ጥራሕ ኣብቲ ከባቢ ከምዘለዉን ይዛረብ።
ነቲ ቦሃሽም ዘቕረቦ ሓሳብ ብምድጋፍ፡ ቅድሚ ናብቲ ምጥራር መሬት ምኻድ ክቕየር ዘለዎ ኣገላልጻ ኣሎ ይብል።
ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ቀንዲ መንፈስ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ጽልኢ ክተርፍ ኣለዎ ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
ይኹን’ምበር ‘ፖለቲካዊ ሕጽቦ’ ብዝብል ዝፍለጥ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ‘ኢድናን እግርናን ዓጺፍና ኣይንቕመጥን’ ዝብሉ ዘረባታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይቲ ሰላም መንፈስ ከምዝዘርግ ኣረዲኡ።
“ወያነ ምጥፋእ’ኳስ ዘይኣኸለ ኮይኑስ፡ ቀንዲ ዕላመኦም ሓድግታት ወያነ ሓኺኽካ ምጥፋእ ምዃኑ ምዝራቦም፤ ክተርፍ ዝነበሮ እዩ። እዚኦም ሒዝካ ናብ ናይ መሬት ዶብ ዘረባ ምእታው፤ ካልእ ዋኒን እዩ ክኸውን” ኢሉ።
ስለዚ ምስዚ ብምትእስሳር፡ ‘ኲናት ክለዓልዶ ይኽእል’ ንዝብል፡ ኣይለዓልን ክብል ከምዘይደፍር ይዛረብ።
ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥርታትን ስክፍታታትን ኣልዒሉ'ውን፡ “ንምዃኑኸ ናይ ዶብ ጉዳይ ሕዚ ጊዜ ክርከበሉ ይኽእል ድዩ?” ክብል ሓቲቱ።
ብኽልቲኡ ወገን፡ ብኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ድሌታት፡ ‘ወያነ ኣንቃፋይ’ እዩ ዝብል ስምምዕ ከምዘለዎም ሓቢሩ። ነዚ ድማ ‘ተሓጋጊዝና ዘይነጥፍኦ’ ዝብል ድሌት ክህሉ ስለዝኽእል ኲናት ኣይክህሉን ኢልካ ክዝረብ ኣይከኣልን በሃላይ እዩ።
እቲ ኲናት ስሩዕ ዘይክኸውን ከምዝኽእልን፡ እንተኾነ ብዝተፈላለዩ መገድታት ማለት’ውን ብቕንጸላታት፣ ሽርሕታትን ዘይምርግጋእ ምፍጣርን ክፍተን ከምዝኽእል ድማ ይእምት።
ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ፡ እዚ ካብ ክልቲኦም መንግስታት ዝወጣወጥ ዘሎ በትሪ ንምምካት ናይ ህልውና ሕቶ እዩ ድማ ይብል።
“ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርክብ ዘሕዝን ነገር እዩ። ናይዚ ዘበንና ዓብዪ መሕዘኒ ገይርካ ዝቑጸር እዩ። ምኽንያቱ ተመላላኣይ ዝኾነ ድሌት ዘለዎም ህዝብታት፡ ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ህዝብታትን፤ እቲ ሓደ ዝጎደሎ እቲ ኻሊእ ዝምልኦ እዩ። ዘምልጡ ዘለዉ ዕድላት እንተሪእኻ፤ ዘሕዝን ኩነታት እዩ” ኢሉ።
እቶም መራሕቲ ነዚ ጉዳይ ከም ዓብዪ ህጹጽ ኣጀንዳ ገይሮም ክሪእዎ ምተገበኣ ክብል ይገልጽ።
“ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ርክብ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ትጠፍእ መዓልቲ ኩላ ናይ ኲናት ካልእ ዕድል ጠኒሳ ትመጽእ ዘላ ገይረ እየ ዝቖጸራ።”
ዞባዊ ጽልዋ
ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ ተፈቲኑ ዝነበረ ሕብረ-ብሄራዊ ስርዓት ኣብታ ሃገር ብልክዕ ተግባራዊ ተገይሩ እንተዝኸውን፡ ነቲ ዞባ’ውን ብኣወንታ ክጸልዎ ይኽእል ነይሩ ኢሉ። እንተኾነ፡ እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ጸገም ኣብቲ እዋን ዝተፈጥረ ናይ ኣተገባብራ ጸገም ውጺኢት'ዩ ዝብል ርእይቶ የቅርብ።
በቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰርዓት ፌዴራሊዝም ኢትዮጵያ ንባዕላ ኾይና ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብ‘ኮንፌዴሬሽን’ መልክዕ ናብ ሓደ ንምምጻእ ኣብነት ክትከውን ትኽእል ነይራ ዝበለ፡ ቦሃሽም፡ ሶማልያ፣ ጅቡቲ፣ ኤርትራን ሱዳንን ዝሓውስ ሕብረት ምተፈጥረ ነይሩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ኣብዚ እዋን እዚ ግን ዝፍራሕ ዘሎ፡ ሓደ እቲ ፌዴራላዊ ሓይሊክቕጽል ኣለዎ ዝብል ኣሎ። እቲ ካልኣይ ከኣ ነቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመሓዳር ዝተማእከለ ስርዓት [ኣሃዳዊ] ናይ ምትካል ጉያ ዝግበር ዘሎ ይመስል። እዚ’ውን እዩ እቲ ብሸነኽ ኣስመራ ዝድገም ዘሎ” ኢሉ።
ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ትግራይ ድማ ብሒደት ልሂቃን ዝግበር፡ ‘ከመይ ገይርካ ምስ ኤርትራ ትዛመድ’ ገለ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎም ዘተታት ከምዘየሕጉሱዎን፡ ነቲ ኤርትራዊ እምነት ከምዘይፈጥረሉን ተዛሪቡ።
“እዚ የሰክፍካን የሕዝነካን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ [ትግራይ] ዓብዪ መስዋእቲ ዝኸፈለን ዓብዪ ተሞክሮ ዘለዎን፤ እንኮላይ ንኢትዮጵያ ደጊማ ክትስራሕ ዝገበረ ህዝቢ።"
እቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ እንተዘይተኻኢሉ ምስ ኤርትራ ዝዓይነቱ ሓሳብ ነቶም ክልቲኦም ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘለዉ ስርዓታት መመኽነይታ ይኸውን ኣሎ ክብል'ውን ይምጉት።
ተንታኒ ዳደ ደስታ ብወገኑ፡ ብፍላይ እዚ ‘ኣግኣዝያን’ ብዝብል ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ምንጩ ካብ ትግራይ ከምዘይኮነን ንሱ’ውን ከመዘይድግፎን ኣትሪሩ ተዛሪቡ።
ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን፡ ሃገረ ትግራይ ትግርኚ ንምፍጣር ዝዓለመ ማሕበራዊ ጎስጓስ ኮይኑ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ’ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ምንቅስቓስ ተቓውሞኡ ከስምዕ እዩ ጸኒሑ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







