ኮለጃት ኤርትራ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 13 ሓምለ ክኽፈታ እየን

ተማሃሮ ኮሌጃት ናብ ትምህርቲ ይምለሱ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/@PNetabay

ተምሃሮ ናይተን ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዝርከባ ኮለጃት ኤርትራ፡ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተቋረጸ ዝተረፎም ትምህርቲ ንምዝዛም ነናብ ኮለጆም ሎሚ ከም ዝተበገሱ ጸብጻባት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ካብ 27 መጋቢት ጀሚረን ተዓጽየን ምጽንሐን ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ዝተለኽፉ ይውስኽ'ኳ እንተሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተለኽፉ ግን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተዉ ጥራይ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ብ28 ሰነ ብዘውጽኦ መምርሒ መሰረት፡ ተምሃሮ 11 ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ 6 ሓምለ ጀሚሮም ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም ኣለዉ።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድማ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 13 ሓምለ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክህባ ምዃነን እቲ ሓይሊ ዕማም ጠቒሱ ነይሩ።

ዝተረፉ ኩሎም ተምሃሮ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ’ዮም።

ኣብ ኣገባብ ኣወሃህባ ትምህርቲ ይኹን፡ መነባብሮ ተምሃሮ ኮለጃት ንመምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ግምት ዘእተወ እንተኾይኑ ግን ዝተግልጸ የለን። ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ እንተወሓደ ተምሃሮ ኣካላዊ ምፍንታት ከም ዝህልዎም ይግበር ምህላዉ ይፍለጥ።

ኤርትራ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። ብዘይካ ብኣካል ዝወሃብ ትምህርቲ ድማ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተንቀሳቓሲ ተሌፎን (ዳታ) ብዘይምህላዉ፡ ብኢንተርነት ዝወሃብ ትምህርቲ የለን።

እተን ኣካል ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝነበራ ኮለጃት፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምፍራሱ ተፈናጪለን ናብ ዝተፈላለያ ዞባታት ተወሲደን።

ኮለጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነፍልጠት ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ከተማ ዓዲ ቐይሕ፡ ኮለጅ ሕርሻ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ካብ ከረን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ሓመልማሎ ዝበሃል ቦታ፡ ኮለጅ ሓፈሻዊ ሕክምናን ስነፍልጠት ጥዕና ኣብ ኣስመራ፡ ኮለጅ ስነፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ ኣብ ባጽዕ፡ ኢንስትዩቲት ቴክኖሎጂ. ኤርትራ ድማ ማይነፍሒ ዞባ ማእከል ይርከባ።

ኣብታ ሃገር፡ ክሳብ ሕጂ ድምር ቁጽሪ ዝተለኽፉ 232 ክበጽሕ እንከሎ፡ ካብዚኦም 107 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም።

እቶም ዝተረፉ፡ 125 ድማ፡ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣድላዪ ክንክን ይገበረሎም ከም ዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ። ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ የለን።