ኣብ ኤርትራ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ብኸፊል ክኽፈታ እየን

ቤት-ትምህርቲ ቅዱስ ዮሰፍ ላሳለ ከረን

ምንጪ ስእሊ, D.K

ኣብ ኤርትራ ንዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር ተባሂሉ ካብ 27 መጋቢት 2020 ጀሚረን ተዓጽየን ዝጸንሓ ትካላት ትምህርቲ ብኺፊል ከምዝኽፈታ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም መንግስቲ ሓቢሩ።

እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ እዋኑ ዘውጽኦም ዝነበረ መምርሒታት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ውጽኢታዊ ከምዝነበሩን፡ ህዝቢ ዘድሊ ምትሕብባር ስለዝገበረን፡ እቲ ለበዳ ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል ደረጃ ኣይበጽሐን ኢሉ።

ዓመተ ትምህርቲ 2019-20 ንክውዳእ ናይ 10 ሳምንታት ሕጽረት ስለዘስዓበ'ዩ እቲ ሓይሊ ዕማም ነዚ ሓድሽ ውሳነ ወሲዱ።

በዚ መሰረት፡ ተምሃሮ፡ ነቲ ዝተረፎም ቅድሚ'ቲ ዝቕጽል ኣካዳምያዊ ዓመት ምጅማሩ፡ ነቲ ተሪፍዎም ዘሎ ክውድእዎ ዕድል ክረኽቡ'ዮም።

እቲ ሓይሊ ዕማም ነዘን ዝስዕባ መምርሒታት ኣሕሊፉ'ሎ፡

  • ተምሃሮ 11 ክፍሊ ካብ 6 ሓምለ ትምህርቶም ክቕጽሉ
  • ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዉ፡ 13 ሓምለ ክጅምሩ
  • ኩሎም ካልኦት ትምሃሮ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ
  • እቶም ኣብ ክረምቲ ክምረቑ ዝነበሮም ድማ፡ መመረቕታቶም ናብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ክሰጋገር'ዩ።
ኣስመራ

ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት 191 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ኣለው።

ካብዚኦም እቶም 53 ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ከምዝተፋነው ይፍለጥ።

ካልኦት 138 ሰባት ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ።

ኮሮና