ኣብ ኤርትራ ሕጽረት ሃለኽትን ጥሜትን የጋጥም ምህላው ተፈሊጡ

ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ መሰረታዊ ቀረብ ሃለኽቲ ተሳኢኑ፡ እቲ ዝርካቡ ንብረት ክብሪ ስለዝወሰኸ ጥሜት የንጸላሉ ምህላው ምንጭታትና ሓቢሮም።
ብፍላይ ኣብ መታሕት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ጋሽ ባርካ እቲ ኩነታት ዝበኣሰ ምዃኑን፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ኣብ ዝርከባ ቑሸታት ብሰንኪ ጥሜት ሕጻናትን ቖልዑን ይሞቱ ከምዘለውን ምንጭታትና ሓቢሮም።
እቲ ሕጽረታት ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ከምዘሎን፡ እቲ ብሽሕ ናቕፋ ዝርከብ ዝነበረ መሸላ ወዲ ዓከር ሕጂ ናብ ክልተ ሽሕ ከም ዝደየበን ብእኡ እውን ከምዘይርከብን ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እተን ኣብ ፈለማ ማይ ዝዕድላ ዝነበራ ቦጣት እውን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ኣገልግሎት ስለዝነከያ፡ ኣብዚ ኮቪድ ንምክልኻል ጽሬት ዝድለየሉ እዋን ስድራ-ቤታት ይጣርዓ ምህላወን ተፈሊጡ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ንምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ ዘጫነቐ ሓደገኛ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ብዘይካ ዶባትካን ቤትካን ዓጺኻ ምምካቱ ካልእ ምርጫ የሎን ስለዝበለ፡ ሰባት መግቢ ንክገዝኡን ብኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ካብ ቤቶም ንከይወጽኡ ተነጊሩዎም ትእዛዝ ኣኽቢሮም ተዓጽዮም እዮም ዘሕልፉዎ ዘለው።
እቶም ብዱካናት ሕድሪ፡ (መንግስቲ ብድጎማ ንህዝቢ ከም መቑነን ዝሸጣ ዱኳናት) ከም መሸላን ዘይትን፡ ሽኮርን ቀጠፍን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ዝገዝኡ ዝነበሩ ተቐማጦ ኣስመራ፡ ሕጂ ግን ሕጽረት ስለዘጋጠ ተሸጊሮም ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቀደሙ እውን ኣስመራ ንነዊሕ እዋን ብሕጽረት ማይን መብራህትን ክትሽገር ምጽንሓ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ሰባት ብቐረባ መግቢ ክሽምትሉ ዝኽእሉ ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ስለዝተዓጽወ ሕጽረት ሃለኽትን ክብርን ርኡይ ኮይኑ ኣሎ።
ብቐደሙ እውን እቲ ሕብረተሰብ ኮነ እቲ መንግስቲ ሓያል ቁጠባ ስለዘይጸንሖ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሓገዝን ኣታውን ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ኮቪድ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ክጻወር ዓቕሚ ከምዘይብሉ እቶም ምንጭታት ይገልጹ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝነብሩ ዜጋታት ንመኸተ ኮቪድ ገንዘብ የዋጽኡ ምህላዎም ብማዕከናት ዜና ሃገር ክንገር ስለእንሰምዕ ሓደ መዓልትስ መንግስቲ ሓገዝ ይህበና ግዲ ይኸውን ዝብል ትጽቢት ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።
ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ካልኦት ሰባት ‘ስለምንታይ እዩ መንግስቲ መዓላ እቲ ዝግበር ዘሎ ወፈያን ሓገዝን ንህዝቢ ዘይሕብር ዝብል ቅሬታ ከምዘለዎም ምንጭታትና ኣረዲኦም።
ናይ ሓዋላ ብዝምልከት ንስድራ-ቤቶም ንምሕጋዝ ካብ ወጻኢ ብመገዲ ዌስተርን ዩኔን ገንዝብ ዝሰደዱ ሰባት፡ እተን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ናይ ሓዋላ ትካላት ነቶም ስድራ ቤታት ደዊሎም፡ ገንዘብ መጺኡ ምህላዉ፡ እንተኾነ ገና ምንቅስቓስ ስለዘይተፈቕደ መገዲ ምስተኸፍተ ገንዘቦም ክወስዱ ከምዝኽእሉ ጥራሕ ስለ ዝሕብሩዎም፡ ስድራታት ዕለታዊ ሃለኽቲ ንምግዛእ ተሸጊሮም ምህላዎም ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋን እዚ ብዘይካ እቲ መንግስቲ ዘፍቀደሉ፡ ወይ ናይ መንግስቲ ምሉእ ፍቓድ ከምዘለዎ ዝእመነሉ ትካላት ሸርፊ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ መገዲ ንኤርትራ ገንዘብ ምስዳድ ከምዘይከኣል ምንጭታትን ይገልጹ፡ ንሱ እውን እንተኾነ ብግቡእ ይሰርሕ ብዘይምህላው ሰባት የማርሩ ኣለው።
ምምሕዳራት ናይ ገሊኡ ንኡስ ዞባታት፡ ነብሲ ወከፍ ገባራይ፡ ብኮሮና ንዝተሃስዩ ወገናት ዝኸውን እንተወሓደ ሓሐደ ርብዒት እኽሊ የዋጽኡ ምህላዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።
ይኹን እምበር ይብሉ እቶም ምንጭታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህጡር ክራማት ስለዝነበረ ዓቕሚ ረኺቡ ዝሓረሰ፡ ርቡሕ እቶት ስለዝሓፈሰ፡ ብዙሕ ጸገም የብሉን።
እንተኾነ እቲ ዝበዝሐ መሬት ዓድታት፡ ዝሓርሱን ዝኹስኩሱን ደቁ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝኸዱ፡ ኣይ ካብ ዝናም ክረምቲ ካብ ግራውቲ፡ ኣይ ብመስኖ ካብ ዝሰቲ ጀራዲን ሓዲግ ዝተረፈ ውሑድ ስለዘይኮነ ሕጂ ኣብ ጸገም ወዲቖም ምህላዎም ይዛረቡ።
ብፍላይ እቶም ሰለስተ ኣርባዕተ ወሊዶም ክንሶም ገና ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ዘለው መንእሰያት ሕጂ ኣብዛ እዋን ተዓጾ-ተዓጾ ምሒር ተሸጊሮም ኣለው።
ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ምስ ተኸፍተ፡ ቸመንቶን ቴንዲንን ምስ ሓሰረ ኣብ ጤሳ ዓዶም ገዝኦም ክድኩኑ ሓሲቦም ቸመንቶ ገዚኦም ሒዞምዎ ዝጸንሑ፡ ሕጂ ንቐለብ ስለዝተሸገሩ ዝዕድገሎም ሃሰውሰው ይብሉ ከምዘለው እውን እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።
ኤርትራ ብስግኣት ኮቪድ ዶባታ ካብ እትዓጹን ዜጋታታ ኣኣብ ቤቶም ካብ ዝውሸቡን ዳርጋ ሳልሳይ ወርሒ ቀሪቡ ኣሎ።

ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገዛኻ ተዓጾ ምስ ተባህለ፡ ብዘይካ’ቲ ብሕርሻ ዝነባበር፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት መታሕትን ከበሳን ዝነብር እንተዘይኮይኑ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ከተማታት ዝቕመጥ፡ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ጽኑዕ መምርሒ’ዩ ተዋሂብዎ፡ ይትግብሮ ከኣ ኣሎ።
ኣብ ከተማታት ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ንምንቅስቓስ ሰባት ብጽኑዕ ከምዝቆጻጸሩን ነቶም ፍቓድን ዘእምን ምኽንያትን ዘይብሎም ከምዝመልሱዎም የረድኡ።
ከምቲ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኮቪድ ንምክልኻል ዝወሰደኦ ዕጽዋ፡ ፕሪዚደንት ኢሳይያስ እውን ብዘይካ “ምርጋጥ” ካልእ ምርጫ የሎን ክብል፡ እቲ ቐንዲ መከላኸሊ ዕጽዋን ምውሻብን ምዃኑ ሓቢሩ እዩ።
እንተኾነ ምስ ምንዋሕ ግዜ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ድኻ ሃገር፡ ድኻ ህዝቢ እቲ ዕጽዋን ምርጋጥን ከቢድ ቁጠባዊ ሃስያ እዩ ዘኸትል።ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮቪድ ኤርትራ፡ ጸጸኒሑ እምበር ብቐጻልን ብስሩዕን ሓበሬታ ስለዘይህብ ሰባት ሻቕሎትን ስክፍታን ከምዘለዎም ይዛረቡ።
መንግስቲ ኣብ ምጅማር እቲ ዕጽዋ ብሚድያን ኣብ ትዮታታት ብዝተተኽለ ማይክሮፎን እቲ ክግበር ዝግበኦ መሰረታዊ ምኽሪ ምክልኻል ኮቪድ ይሕብሩ እኳ እንተነበሩ፡ ዳሕራይ ግን ምስ ምንዋሕ ግዜ እቲ ሰብ እንዳሰልቸዎ ከምዝመጽ ምንጭታትና ይገልጹ። ተመኩሮ ዝተፈላለየ ሃገራት ከምዘረጋግጾ፡ ብፍጥረቱ፡
ሓቢሩን ተሓባቢሩን ዝነብር ወዲ ሰብ፡ ኣኣብ ቤቱ ምስ ዝዕጾ ክሻቐልን ዓቕሉ ክጸቦን ግድን እዩ። ግን ከኣ እቲ ሓደን ቀንድን መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ምውሻብን ምዕጻውን ካብ ኮነ ሰባት ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ኣብ ቤቶም ተዓጽዮም የሕልፍዎ ኣለው። ግን ከኣ ብዘይ ዋጋ ኣይኮነን።
ድሮ እኳ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ጥሜትን ስእነት መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣቑሑ ኣጋጢሙ ኣሎ።
ካብ ስራሕን ዕለታዊ ንጥፈታትን ተኣሊኻ፡ ካብ እኹልን እዋናውን ሓበሬታ ርሒቕካ፡ እኹል መሰረታዊ ቀረብ ማይን መግብን ዘይብልካ፡ ነቲ ዝርካቡ ኣከናዊንካ ንጽባሕ እናማዕደኻ ምንባር ቀሊል ኣይኮነን ይብሉ ምንጭታት ቢቢሲ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







