ኢትዮጵያውያን ስለምንታይ ኣብ ዱባይ ኣባይቲ ክገዝኡ ይመርጹ ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰማይ-ጠቀስ ህንጻታት ዝደመቐት ዱባይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘርኣየቶ ቅልጡፍ ዕብየት ይኣኽለኒ ዝበለት ኣይትመስልን። ሕጂ’ውን ዓበይቲ ሓደስቲ ህንጻታት ኣብ ምህናጽ ተጸሚዳ ትርከብ።
ኣብ ባሕሪ ዓረብ ዝተመስረተት ዱባይ፡ መብዛሕትኦም ህንጻታታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝተሃንጹ እዮም። ሕጂ ግን እቶም ህንጻታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ክህነጹ ግድን ኣይኰነን። ሳላ ቴክኖሎጂ ባሕሪ ኣብ ዝተደለዮ ቦታ ክፍጠር ተኻኢሉ’ዩ።
ዱባይ ካብተን 7 ግዝኣታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እታ ካልኣይቲ ዝዓበየት እያ። ብተወሳኺ ከም ማእከል ወፍሪ ቱሪዝም፡ ንግድን ንብረትን ካብተን ግዝኣታት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
ዱባይ ብእተካይዶ ወፍሪ ሪል እስቴት ብዅሉ ኣንፈት ተስፍሕ ኣላ። ዝለዓለ ንጥፈት ወፍሪ ሪል እስቴት ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ግዝኣታ ወይ ኣብቲ ደረቕ መሬት ዝርከቦ ከባቢ ዝካየደሉ ይመስል።
እዚ ክፋል ዱባይ ባሕሪ ዓረብ ዘይበጽሖ፡ ደቂ ዓዲ ብሰፊሑ ዘይነብረሉን ከምኡ’ውን በረኻ ዝመስልን ከባቢ እዩ። ዱባይ ካብ ማእከላይ ከተማኣ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር [ሕቡራት ኢማራት ዓረብ] ኣቡዳቢ ዝያዳ እናሰፍሐት ትርከብ።
ኣብዚ ከባቢ ኣስታት 20 ኣማዕበልቲ ሪል እስቴት ይሳተፉ ኣለዉ። ነፍሲ ወከፍ ኣማዕባሊ፡ ክንዲ ማእከላይ ከተማ ዝኸውን መሬት ሓጺሩ ዘመናዊ ጫካ ህንጻታት ይሃንጽ።
መንገድን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ኣዝዩ ዝማዕበለ’ዩ። ባሕሪ ዓረብ ካብ ምንጩ ብቐሊሉ ተመስንዩ ኣብ ዘድልየሉ ቦታ ተዘርጊሑ ነቶም ሓደስቲ ቁሸታት ተወሳኺ ጽባቐ የጎናጽፍ።
መብዛሕትኦም እቶም ኣማዕበልቲ ሞዴላት ህንጻታቶም ከርእዩ ዝኽእሉሉ ዓበይቲ ቀጽሪ ኣለዎም።
ንሕና’ውን ኣብ መርኣዪ ሓደ ካብቲ ናይ ሪል እእስቴት ሞዴል ገዛውቲ ተረኺብና።
ሞዴል ናይቶም እቲ ኣማዕባሊ ዝሃንጾም ዘሎ ገዛውቲ ኣብ ንኣሽቱ ናይ መስትያት ሳንዱቕ ተቐሚጦም ርኢና። ኣብቲ ቀጽሪ ንግዚኡ ዝተሰርሑ ዝመስሉ ግን ከኣ ብዘመናዊ ናውቲ ዝተሃንጹ ገዛውቲ እውን ኣለዉ።
ምቾት ዘለወን መካይን እውን ከም ተወሳኺ መስሓቢ ዕዳጋ ምስ ገለ ካብቶም ዘመናውያን ገዛውቲ ሪል እስቴት ከረክብወን ኣብቲ ቀጽሪ ተዳልየን ይረኣያ። ባንዴራታት ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን እውን ኣብቲ ቀጽሪ ተሰቒለን ኣለዋ።
ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ደላሎ ሪል እስቴት ኣብቲ ቀጽሪ ክውሕዙ ይረኣዩ።
እቶም ደላሎ፡ ነቶም ሞዴል ገዛውቲን ዝርከቡሉ ከባቢን ንዓደግቲ ብዝገርም ኣገላልጻ የብርሁሎም።
ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ማእለያ ዘይብሎም ደለይቲ ገዛ ኣብ ሓደ ቦታ ይእንገዱን ብብዙሕ ቋንቋታት’ውን ይረዳድኡን። ኣብዚ ቀጽሪ መብዛሕትኦም ዓደግቲ ሪል እስቴት ኣብ ዱባይ ገዛኦም ክገዝኡ ይውስኑ።
እቶም ደላሎ፡ ካብ መንግስቲ እታ ሃገር ፍቓድ ዝረኸቡን ምስ ልምዓታዊ ትካላት ንግዲ ስምምዕ ዘለዎምን እዮም። ብሩክ ተኸስተ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ኢትዮጵያውያን ደላሎ እዩ።
ንሱ፡ 'ብሩክ ሪል እስቴት' ዝበሃል ትካል መስሪቱ፡ 10 ሰራሕተኛታት ቆጺሩ ኣብዚ ንግዲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከምዝጸንሐ ይዛረብ። ብቐንዱ ንኢትዮጵያውያንን ንካልኦት ዓለምለኻውያን ዓደግትን ገዛውቲ ይድልል።

ብሩክ ከምዝብሎ፡ ኣብ ዱባይ ንልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ገዛውቲ ሸይጡ እዩ። ሰባት ኣብ ዱባይ ገዛ ዝገዝኡሉ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ከምዘሎ ድማ ይገልጽ።
"ቀንዲ ምኽንያታቶም ሰላምን ድሕንነትን’ዮም" ይብል። ብኻልእ ወገን ድማ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን "ኣባይቶም ከም ኣማራጺ ወፍሪ" ከምዝገዝኡ’ውን ይሕብር።
ብፍላይ ገዛ ብምክራይ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝረኽቡሉ ኣማራጺ ዝቘጽሩ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ብሩክ የመልክት።
ቅድም ክብል ሮይተርስ ዝዘርግሖ ጸብጻብ’ውን ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ሪል እስቴት ዱባይ ዝነጥፉ ኣውፈርቲ፡ ኣብ ሃገሮም ስግኣት ሰላም ዘለዎም ዜጋታት እዮም።
ንኣብነት ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ብዙሓት ዜጋታታ ንሪል እስቴት ዱባይ ኣዕለቕሊቖም’ዮም። ብሰንኪ’ዚ ሩስያውያን ኣብ መጀመርታ 2023 ኣብ ዱባይ ሪል እስቴት ብምግዛእ ካብ ዓለም ቀዳሞት ነይሮም።
ከም ካልኦት ክፋላት ዓለም ዋላ እኳ ዝተጋነነ እንተዘይኰነ፡ ኣፍሪቃውያን ኣውፈርቲ እውን ኣብ ዕዳጋ ሪል እስቴት ዱባይ ይነጥፉ እዮም። ኣሕመድ ዝናብ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብዚ ዕዳጋ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ እዩ።
ኣሕመድ ዝመስረቶ 'ራምዚ' ዝበሃል ትካል ኣባይቲ፡ ኢትዮጵያውያንን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ደለይቲ ገዛን ምስ ሸየጥቲ የራኽብ። ዛጊት ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ብትካሉ ኣቢሎም ኣባይቲ ከምዝዓደጉ ይዛረብ።
ኣብታ ሃብታም ሃገር ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ምቹእ ኵነታት ተጠቒሞም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዱባይ ገዛውቲ ይገዝኡ። ኣሕመድ ከምዝብሎ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ዱባይ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዓደግቲ ሪል እስቴት ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይስራዕ።
ብዙሓት ካብዞም ኢትዮጵያውያን ኣባይቲ ዝገዝኡሉ ምኽንያት ንመንበሪ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ "ዝገዝእዎ ገዛ ብምክራይ ገንዘብ ንምርካብ'ዩ" ይብል ኣሕመድ። እቶም ዓማዊል መብዛሕትኦም ካብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝመጹ እዮም።
ካልእ ኢትዮጵያዊ ደላላ ሪል እስቴት ዳግማዊ ኤፍሬም እዩ።
"መንግስቲ [ሕቡራት ኢማራት ዓረብ] ዝህቦ መተባብዒን ኣማዕበልቲ ድማ ንብረት ብዘይ ወለድ ብዝተናውሐ ክፍሊት ምሻጦምን" ሪል እስቴት ዱባይ ተመራጺ ክኸውን ከምዝገበረ ዳግማዊ ይዛረብ።
በዚ ምኽንያት፡ "85 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ዱባይ ንብረት ዝገዝኡ ኣውፈርቲ ዜጋታት ወጻኢ እዮም" ይብል። "ዋጋታት ክራይን መሸጣ ገዛውትን መዓልታዊ ስለዝውስኽ ዘሎ" ኣውፈርቲ ከም ኣትራፊ ወፍሪ ይቘጽርዎ።
ሰባት ኣብ ዱባይ ገዛ ብምግዛእ ዝረኽብዎም ካልኦት መተባብዒታት ተወሳኺ ወፍሪ ንምክያድ መንገዲ ዝኸፍቱ እዮም።

ኣብ ዱባይ ገዛ ዝገዝእ ኣውፋሪ፡ ኣብታ ሃገር ዝያዳ ንግዳዊ ንጥፈታት ንምጅማር፡ ሕሳብ ባንክ ንምኽፋትን ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምቑጣብን ከምኡ’ውን ፍቓድ ቀዋሚ መንበሪ ንኽረክብን ዘኽእሉ መተባብዒታት ይረክብ።
እዞም መተባብዒታት ብፍላይ ካብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ባጤራ ወጻኢ ብቐሊሉ ዘይርከበን ሃገራት ንዝመጹ ኣውፈርቲ ኣዝዩ ሰሓቢ እዩ።
ቢቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዱባይ ገዛ ዝገዝኡ ኢትዮጵያውያን ከዘራርብ ፈቲኑ’ኳ እንተነበረ፡ ብዘይተገልጸ ምኽንያት ግን ፍቓደኛ ክዀኑ ኣይከኣሉን።
ይዅን'ምበር እቶም ደላሎ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝነብሩ ቍጽሮም ዘይነዓቕ ኢትዮጵያውያን ገዛውቲ ዝገዝኡ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ መስርሕ ምዕዳግ ዘለዉ’ውን ሒደት ኣይኰኑን።
መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘማዕበሎ ስርዓተ ቢሮክራሲ’ውን ቀሊልን ሓጺር ግዜን ዝወስድ ስለዝዀነ ኣብ ምትብባዕ ወፍሪ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብሩክ ይገልጽ።
"መንግስቲ፡ ሰባት ግዜኦምን ገንዘቦምን ከየባኸኑ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ገዛኦም ዝርከቡሉ መንገዲ ዘርጊሑ’ዩ።"
እዚ ድማ ኣውፈርቲ ከይሰልቸዎምን ሓሳቦም ከይቀየሩን ኣብ ውሳነኦም ክጸንዑ የኽእሎም።
ዱባይ ንኣዝዮም ሃብታማት ብተመጣጣኒ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ምቕራብ እውን ካብ ዓለም ቀዳሚት እናዀነት ትርከብ። ኣብ 'ጁሜራህ' ብዝብል ዝፍለጥ ከባቢ ዱባይ፡ ኣብ ሰብ-ሰርሖ ቀላይ ዝተሃነጹ ዓበይቲ ኣቝሻት፡ ብዋጋኦም ኣብ ዓለምና ዝወዳደሮም የለን።
ጁሜራህ ዝርከብዎም ኣብ ዱባይ ዝርከቡ ምዕሩጋት ገዛውቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ10 ሚልዮን ዶላርን ልዕሊኡን ተሸይጦም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ዱባይ 431 ኣባይቲ ብ10 ሚልዮን ዶላርን ልዕሊኡን ተሸይጦም ኣለዉ። ዱባይ ብኽንድዚ ዋጋ ገዛውቲ ብምሻጥ ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ኢኮኖሚስት፡ ኣብቲ ጁሜራህ ትበሃል ሰብ-ሰርሖ ቀላይ ዝርከቡ ቪላታት ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ብ76ን 82 ሚልዮን ዶላር ተሸይጦም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ብ114 ሚልዮን ዶላር (ልዕሊ 6 ቢልዮን ብር) ዝተሸጠ ቪላ ንብዙሓት ዘገረመ ነይሩ።
ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ጁሜራህ ህንጻ ዘይተሃነጾ መሬት ጥራይ ብ34 ሚልዮን ዶላር ምዕዳጉ’ውን ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ።
ሪል ስቴት ዱባይ ኣብዚ ዓመት 15 ሚእታዊት ዕብየት ከመዝግብ ትጽቢት ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ ሚድያ ኣል ዓረብያ የመልክት።
ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ዓመተ 2024 ጥራይ ኣብ ዱባይ ልዕሊ 15 ቢልዮን ዶላር መሸጣ ሪል ስቴት ተመዝጊቡ እዩ።
ክሳዕ ዘለናዮ ወርሒ ድማ ልዕሊ 27 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከምዝኽእል እቲ መርበብ ሓበሬታ ይጠቅስ።
መንግስቲ ዘውጽኦ ትልሚ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ፡ ዋጋ ዕዳጋ ሪል ስቴት ክብርኽን ቍጽሪ ደለይቲ ገዛ ክውስኽን ከምዝገበረ ይእመን።
መንግስቲ ኢማራት ዓረብ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዱባይ ኣብ 2022 ካብ ዝነበረ 3.7 ሚልዮን ኣብ 2040 ናብ 7.8 ሚልዮን ንምዕባይ ሸቶ ኣቐሚጡ ኣሎ።
ነዚ ስዒቡ ዝመጽእ ጠለብ ኣባይቲ ንምምላእ እንተወሓደ ክሳዕ 2028 ዓመታዊ 70 ሽሕ ኣባይቲ ምህናጽ ከምዘድሊ ክኢላታት ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







